🔴 ዜናታት እዚ ዕለት
ተግባር ዝዓቀቦም ቃላት
ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ኣብ ምምላስ ቃል መራሕትን ተግባሮምን ኣይተመጣጠነን።
ብሉፅነት ሪል እስቴት ዋሕስ
ኣብ ምቕራፍ ሕፅረት መንበሪ ኣባይቲ ዝነጥፍ ዋሕስ ሪል እስቴት ተሸላሚ ብሉፅነት ኮይኑ።
ኢንቨስትመንትን መቐለን
ንኢንሸስትመንት ዝተዋሃቡ ቦታታት ከይለምዑ እንትተርፉ ካብ ሰብ ዋናታቶም እናተሓደጉ ንዘልምዑ ይውሃቡ ኣለዉ።
ባይታ ኢንቨስትመንት ትግራይ
ማሕበር ኣክስዮን ኮንስትራክሽን፣ ንግድን ኢንዳስትርን ሆርን ኣፍሪካ ኢንቨስትመንት ትግራይ ንምዕባይ ክሰርሕ እየ ኢሉ።
ሓገዝ ናውቲ መድሓኒት
ማሕበር ነርስታት ኢትዮጵያ ካብ ዳይሬክት ሪሊፍ ዝተበሃለ ትካል ዝረኸቦም መድሓኒታት ንሆስፒታል ዓይደር ኣብርኪቱ ።
ብኽነት፡ ካልእ ፍልፍል ድኽነት
ማሕበራዊ ጉዳያት ፀጋታት ዘየባኽኑን መጠኖምን ልክዖምን ዝተፈለጠን ክኾኑ ይግባእ።
ሱዳንን ሕድሕድ ኲናትን
መንግስቲ ሱዳን ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመት ሕድ ሕድ ኲናት ናብ ካርቱም ከምዝተመለሰ ተፈሊጡ።
እዱብ ኣንደበት
ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ ወርሒ ጥሪ ዘይእዱብ ኣንደበታት ንትግራይ ዋጋ ከየኽፍሉ ጥንቃቀ ይጠልብ::
#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ
🔴 ዜናታት እዚ ዕለት
#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ
🔴 ዜናታት እዚ ዕለት
መልእኽቲ ቲቢኤስ
ቲቢኤስ ቲቪን ኣባላቱን ንሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና እንኳዕ ንብርሃነ ልደቱ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብጸሐና ይብል።
ኣገዳስነት መንግስትነት
ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብ ስራሕ ጥሜትን ናይሓድነት ክፍተትን ዋጋ የኽፍል ኣሎ::
ምጥንኻር ሓድነት
ኣብ ውሽጢ ዓድን ደገን ዘሎ ትግራዋይ ሓድነቱ ብምጥንኻር ንሰላም ጠጠው ክብል ይግባእ::
ትኹረት ንሓርበኛታት
ኮምሽን ሓርበኛታት ተጋደልቲ ኣብ ወፃኢ ሃገር ንክሕከሙ ዘኽእል ዕድል የመቻችው ኣሎ።
ፈተነ ቅትለት ትራኦረ
ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሃገረ ቡርኪናፉሶ ትራኦረ ዝተገብረ ናይ 125 ሽሕ ዶላር ክፍሊት ፈተነ ቅትለት ከምዝፈሸለ ተገሊፁ።
ቅድመ ክፍሊት ቪዛ
ኣሜሪካ ቪዛ ንምርካብ ገንዘብ ከትሕዛ ኣለወን ዝበለተን ዝርዝር ሃገራት ኣፍሪካ ዕላዊ ገይራ።
ታሪኽ እዚ ዕለት
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ከምዚ ዕለት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተጋሩ ነበርቲ ዝባን ገደና፣ ሸራሮን ፣ዓዲ ዝባን ካራ ጅወርግስን ብብጥሙር ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ግፍዒ ተፈፂሙ::
እዱብ ኣንደበት
ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ ወርሒ ጥሪ ምብርትታዕ እዱብ ኣንደበትን ስልጡን ቃልን ሊሂቃን እዩ።
#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ
🔴 ዜናታት እዚ ዕለት
መልእኽቲ ቲቢኤስ
ቲቢኤስ ቲቪን ኣባላቱን ንሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና እንኳዕ ንብርሃነ ልደቱ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብጸሐና ይብል።
ፃውዒት ከንቲባ
ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ ዘሎ ምፅራይ ገበን መሬት ተጠናኺሩ ንክቕፅል ኩሉ ሕብረተሰብ ዝከኣሎ ጥቆማ ንክህብ ተፀዊዑ።
ኣገዳስነት ዘተ
ቁልፊ መፍትሕ ፀገም ትግራይ ዘተን ምርድዳእን እዩ ተባሂሉ።
ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢሚራት ዓረብን
እተን ሃገራት ቁጠባዊ ረብሓታተን ንምዕቃብ ዘለወን ሽርክና ደጊመን ኣሐዲሰን።
ሶማሊላንድን ኣሜሪካን
ክሪስ ስሚዝ፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ ዝድገፍን ካልኦት ሃገራት እውን ክኸተለኦ ዝግባእን ውሳነ እዩ ኢሉ።
ውጥጥ ኣሜሪካን ቻይናን
ኣሜሪካ ኣብ ኣሁጉራዊ ማያት ዝረአ ዘሎ ጥሕሰት፡ ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕጊ እዩ ኢላ።
ታሪኽ ኣብዚ ዕለት
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ከምዚ ዕለት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተጋሩ ነበርቲ ዓምደ ውሃ፣ዕደጋ በርሀን ሹሕ ታቦክን ብብጥሙር ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ግፍዒ ተፈፂሙ::
ትግራይ ምቕዳም
ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ እዚ ወርሒ ለበዋ ንትግራይ ዘቐድም ስልቲ ቃልሲ እዩ።
#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ
🔴 ዜናታት እዚ ዕለት
መልእኽቲ ቲቢኤስ
ቲቢኤስ ቲቪን ኣባላቱን ንሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና እንኳዕ ንብርሃነ ልደቱ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብጸሐና ይብል።
መልእኽቲ ፕረዚደነት
በዓል ልደት ክኸብር እንከሎ ንዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝን ብምድግጋፍን ክኸውን ይግባእ ።
ልደት ኣብ ኣፅቢ
በዓል ልደት ሃይማኖታውን ባህላውን ትሕዝትኡ ሓልዩ ብድምቀት ክኸብር ምውዓሉ ተገሊፁ።
ቃል ኣቡነ መርሃ ክርስቶስ
ፀገም ትግራይ ዝእለ ተጋሩ ክንሓብርን ክንመክርን እንከለና ጥራሕ እዩ።
ቃል ኣፅብሃ ገብረእግዛብሄር
ሁራ ሰለስተ ምልክት ሓድነትን ስምረትን ተጋሩ ብምዃኑ ክዕቀብን ክሰጋገርን ይግባእ።
ታሪኽ ኣብዚ ዕለት
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ከምዚ ዕለት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተጋሩ ነበርቲ ዳያ ዓለቴና፣ሃገረ ለኩማ ፣ታሕታይ ሎጎምቲ፣ሑመራን ተፈናቐልቲ ደደቢትን ብጥሙር ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ግፍዒ ተፈፂሙ::
ትግራይ ምቕዳም
ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ እዚ ወርሒ ለበዋ ንትግራይ ዘቐድም ስልቲ ቃልሲ እዩ።
#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ
🔴 ዜናታት እዚ ዕለት
መልእኽቲ ቲቢኤስ
ቲቢኤስ ቲቪን ኣባላቱን ንሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና እንኳዕ ንብርሃነ ልደቱ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብጸሐና ይብል።
ሓልዮት ዙም ኣካዳሚ
ዝተመዛበሉ ወገናት ምሕጋዝ ናይ ኩሉ ክፋል ማሕበረሰብ ዋኒን ክኸውን ይግባእ ተባሂሉ።
ሓልዮት ክብሮም ደስታ
ኣብ ዝኸፈአ ኹነታት ዘለዉ ተመዛበልቲ ክሳብ እቲ ዘላቒ ፍታሕ ዝርከብ ሰብኣዊ ክብሮም ዝሓለወ ሓገዝ የድሊ።
ከየንቲ ኣብ በዓል ልደት
ሰላም ትግራይ ንምድልዳልን ልምዓት ህዝኒ ንምርግጋፅን ሕብረት ተጋሩ ከምዘድሊ ተገሊፁ::
ድሕሪ 40 ዓመት እውን ሞት
ቅድሚ 40 ዓመት ዝተዘየመ “Do they know it’s Christmas? ሕዚ እውን ይሰርሕ ኣሎ።
ትግራይ ምቕዳም
ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ እዚ ወርሒ ለበዋ ንትግራይ ዘቐድም ስልቲ ቃልሲ እዩ።
ታሪኽ ኣብዚ ዕለት
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ከምዚ ዕለት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተጋሩ ነበርቲ ሽረ፣እንዳባኖን ደብረማርያምን ብጥሙር ብሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ግፍዒ ተፈፂሙ::
#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ
🔴 ዜናታት እዚ ዕለት
ልእኽቲ ቲቢኤስ
ቲቢኤስ ቲቪን ኣባላቱን ንሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና እንኳዕ ንብርሃነ ልደቱ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብጸሐና ይብል።
ማሕበረ ካህናት ሰሜን ኣሜሪካ
እቲ ማሕበር ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝፈርምኩም ኣካላትን ሃገራትን ንተፈፃሚነቱ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ተጊህኹም ስርሑ ኢሉ።
ሰናይ ተግባር እኖታት ንእኖታት
እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል እኖታት ንእኖታት ጠዋሪ ንዘይብለን ኣረጋዊያን እኖታት ናይ ልደት ሓገዝ ሂቡ።
ቃል ኣሸናፊ ኣስመላሽ
ኣብ በዓላት ደቂ ኣነስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ኣብ ስራሕን ናይ ስራሕ ጽዕንቶን ይውዕላ::
ሰናይ ትምኒት
በዓል ልደት እንትኽበር ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ዘለዉ ወገናት ብምሕጋዝ ክኸውን ይግባእ
ተለዋጢ ቖፀሮ
ውዕሎ መጋባእያ ዉዙፍ መሃያ መምህራን ትግራይ ተለዋጢ ቖፀሮ ከምዝተዋሃበ ተሓቢሩ።
ሱዳንን ኤርትራን
ፕረዚደንት ኢሳያስ ምስ ሰብ መዚ ሃገር ሱዳን ኣብ ዛዕባ ቐይሕ ባሕሪ ከምዝዘተየ ተሓቢሩ።
ታሪኽ እዚ ዕለት
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ከምዚ ዕለት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተጋሩ ነበርቲ ጉሎ መኸዳ፣ገረዓልታ ፣ሓየሎምን ዳዕሮ ሓፉሽን ብጥሙር ብሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ግፍዒ ተፈፂሙ::
ትግራይ ምቕዳም
ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ እዚ ወርሒ ለበዋ ንትግራይ ዘቐድም ስልቲ ቃልሲ እዩ።
#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ
🔴 ዜናታት እዚ ዕለት
መልእኽቲ ቲቢኤስ
መላእ ጋዜጤኛታት፣ ኣባላትን መሪሕነትን ቲቢኤስ በቲ ኣብ ሕፃፅ ዘዕቖቡ ተመዛበልቲ ወገናት ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ገሊፁ።
ዘተ ወሳኒ ዛዕባ ትግራይ
ብሰንኪ ፀገም መሪሕነት፡ ግዳይ ፅንታ እትኸውን ዘላ ትግራይ ንምውሓስ ዘተ ኣማራፂ ዘይብሉ ኣማራፂ እዩ ተባሂሉ።
ምረቓ መፅሓፍቲ ብሄራውያን
ብዶክተር ገብረመድህን ሮምሃ ዝተፀሓፋ ክልተ መፅሓፍቲ ብሄራውነት ሎሚ ተመሪቐን።
ትግራይ ንመናእሰይ
ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ክፍታሕ እንተኾይኑ ኣብዚ ሓድሽ መንእሰይ ወለዶ እምነት ምሕዳር ከምዝግባእ ተገሊፁ::
ትምህርቲ ትግራይ
ኣብ ፅሬት ትምህርቲ ዝረአ ዘሎ ውድቀት ራእይ ትውልዲ ዘፀልምት ከም ዝኾነ ተገሊፁ::
ዕቀባን ስግግርን ታሪኽ
ታሪኻት ብምዕቃብን ንቐፃሊ ወለዶ ብምስግጋርን ረብሓ ዓዲ ምዕባይ ይግባእ ተባሂሉ።
መጠንቀቕታ ዶናልድ ትራምፕ
ኢራናውያን ኣብ ቑጠባናን መነባብሮናን ፅልዋ ኣሕዲሩ ኢሎም የካይድዎ ኣብ ዘለዉ ሰልፊ ሰልፈኛታት ከይቕተሉ ትራምፕ ኣጠንቒቑ።
ዝቐፀለ ሰልፍታት ኢራን
ኣብ ኢራን ብኣድማን ሰልፍታትን ወነንቲ ድኳናት ቴህራን ዝጀመረ ምንቅስቓስ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ብምፅባሮም ካልእ ፖለቲካዊ ዋዒ ናብ ምዃን ተሰጋጊሩ ከምዘሎ ተገሊፁ::
መጥቃዕቲ ንመራሒ ቬንዝዌላ
ኣሜሪካ ንመራሒ ቬንዙዌላ ኒኮላስ ማዱሮ መጥቃዕቲ ከምዝሓዘት ትራምፕ ኣፍሊጡ::
ትግራይ ምቕዳም
ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ እዚ ወርሒ ለበዋ ንትግራይ ዘቐድም ስልቲ ቃልሲ እዩ።
#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ
🔴 ዜናታት እዚ ዕለት
መልእኽቲ ቲቢኤስ
መላእ ጋዜጤኛታት፣ ኣባላትን መሪሕነትን ቲቢኤስ በቲ ኣብ ሕፃፅ ዘዕቖቡ ተመዛበልቲ ወገናት ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ገሊፁ።
ዝተጋደደ ፀገም ተመዛበልቲ
ተመዛበልቲ ህፃናት ካብ ማእዲ ትምህርቲ ሪሒቖም ኣብ ዝኸፈእ ኩነታት ይርከቡ::
ቀረብ ዝስተ ማይ
ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ዘሎ ሕፅረት ቀረብ ማይ ንምቕራፍ ዝተወደደ ስራሕቲ ከምዝጠልብ ተገሊፁ።
ጉሕለት ደደቢት ሚድያ
ደደቢት ሚድያ ኣጋጢሙኒ ዝበሎ ጉሕለት ስዒቡ ስሩዕ ስርሑ ክሰርሕ ከምዘይከኣለ ተገሊፁ
ትንበያ ኢትዮ-ኤርትራ
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ውጥረት ናብ ኩናት ክዓቢ ከምዝኽእል ፎረይን ፖሊሲ ተንብዩ።
ትግራይ ምቕዳም
ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ እዚ ወርሒ ለበዋ ንትግራይ ዘቐድም ስልቲ ቃልሲ እዩ።
ታሪኽ እዚ ዕለት
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ከምዚ ዕለት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተጋሩ ነበርቲ ፊናርዋ፣ዓዲ ዓውሎን ብሓይልታት ኤርትራ፣ኢትዮጵያን ሚሊሻ ኣምሓራን ግፍዒ ተፈፂሙ::
#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ