TBS TV

🔴TBS TV| መራሒ ሃለኸ፡ ህዝቢ ሃለቐ | “መንእሰይ ትግራይ ኣብ ኩናት” | ተቛውሞ ኣብ ኬንያ |ዜናታት 02 ሰነ 2018#tigraytoday#ህወሓት

መልእኽቲ ቲቢኤስ
ኣብ ሓደጋ ዘላ ትግራይ ንምድሓን ንትግራይ ዝመስል መንግስትነት ኣብ ምህናፅ ርብርብ የድሊ።

መግለፂ ውድብ ባይቶና
መንእሰይ ትግራይ ኣብ ኩናት ሕድሕድ ሱዳን ክሽየጥን ክስዋእን የብሉን ክብል እቲ ውድብ ገሊፁ።

ኣንደበታት ሰላም
ትግራይ ሰላማ ክትረክብ ፈለማ ደቃ ክትእክብ ይግባእ።

ረቂቕ በጀት ዓመተ-2019
ረቂቕ በጀት ዓመት ኢትዮጵያ 2019 ካብ 2 ነጥቢ 3 ትሪልዮን ብር ንላዕሊ ኮይኑ ክቐርብ እዩ ተባሂሉ።

ስደትን ሞት ደቂ ሰባትን
ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ከባቢ ማልታ ኣብ ዝርከብ ማያት ብምግልባጣ ብውሕዱ 10 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊፁ።

ተቛውሞ ኣብ ኬንያ
ኣብ ኬንያ ሃገራዊ ፓርክ ክህነፅ እዩ ዝብል ውሳነ ዝተቛወሙ ዜጋታት ብፖሊስ እታ ዓዲ ተኣሲሮም።

ልዝብ እስራኤልን ኢራንን
ክልቲኤን ሃገራት ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕነት ከም እተስማዕመዓ ሎሚ ኣፍሊጠን ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ሰነ
ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘድልያ ጎንፅን ተኽንታትን ዘይኾነስ ሰላምን ራህዋን እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *