TBS TV

🔴TBS TV| ልዕል ክብል ደፂ፡ ትሕት ክብል ዶሪ! | ስንካለ ቑጠባ፡ ካልእ ፅንታ |መግለፂ ሳልሳይ ወያነ |ዜናታት24ግንቦት2018#tigraytoday#ህወሓት

መግለፂ ውድብ ህወሓት

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ሰፊሕ ገምጋም ብምክያድ ምምዕርራይ መሪሕነት ከምዝገበረ ኣፍሊጡ ።

ስንካለ ቑጠባ፡ ካልእ ፅንታ

ሕቶ ነጋዶ ትግራይ ሕቶ ፖለቲካ ብምዃኑ ፖለቲካዊ ቃልሲ ገይርካ ንክፍታሕ ትፅቢት ብዙሓት ኮይኑ ኣሎ።

ግደ ነጋዶ ኣብ ሰላም

ነጋዳይ ናፃን ዘይሻራውን ኾይኑ ብምንቅስቓስ ኣብ ምምፃእ ሰላም ግቡእ ስራሕ ክሰርሕ ይግባእ ተባሂሉ።

ተኽላ ድልዱል መንግስትነት

ድልዱል መንግስትነት ክህሉ ነጋዶ ኣብ ምምፃእ ፖሊሲ እጃሞም ከበርክቱን ደገፍ ክገብሩን ይግባእ።

ተጎጓ፡ ተስፋ ሕውየት ትግራይ

ፋብሪካ ሲሚንቶ ተጎጓ ኣብ ወሳናይ ናይ ስግግር ምዕራፍ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ

ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግፋ ገበን ፀረ ሰብኣውነት እዩ ክብል ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ገሊፁ።

ሰልፈኛታት ኬንያ

ኬንያውያን ኣብ ዓዶም መወሸቢ ማእኸል ኢቦላ ንክይህልው ብሰልፊ ድምፆም የስምዑ ኣለዉ።

ቻይናን ቴክኖሎጅያዊ ትካላታን

ቴክኖሎጂያዊ ትካላት እታ ሃገር ኣብ ዋጋታት ዝገብርዎ ዘለው ወሰኽ ጠጠው ንክብሉ ሓድሽ መምርሒ ዓሊባባ ኣፍሊጡ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ግንቦት

ምስሳን ብሄራዊ ተረኽ ንዝተማለአ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ኣድላዪ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *