መልእኽቲ ቲቢኤስ
ኣብ ውሽጣዊ ቅልውላውን ቀፃሊ ጥፍኣትን ዘላ ትግራይ ፀገማ ንክፍታሕ ንትግራይ ዝመስል መንግስትነት ኣብ ምህናፅ ይረባረብ።
ህዝባዊ ቤተ -መፅሓፍቲ ዓዲግራት
ብሰንኪ ጀኖሰይዳዊ ኵናት ዓንዩ ዝነበረ ህዝባዊ ቤተ መፃሕፍቲ ዓዲግራት ዳግመ ሕድሳት ተገይሩሉ ሎሚ ተመሪቑ ።
መዕቖቢ ንተመዛበልቲ
ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻዊ ጥምረት ትካላትን ኣብ ሰለስተ ክልላት ኢትዮጵያ ንተመዛበልቲ መዕቖቢ ክህነፅ ፀዊዐን።
መግለፂ ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን ትግራይ
ህዝቢ ትግራይ ሰኣን ብቑዕን ስትራቴጂካዊን መሪሕነት ናብ ዘየቋርፅ ኲናትን ዕንወትን ተሸሚሙ ይርከብ ክብል እቲ ቤት ምኽሪ ገሊፁ።
ኣንደበታት ሰላም
ትግራይ ሰላማ ክትረክብ ፈለማ ደቃ ክትእክብ ይግባእ።
ዝተኾለፈ ዋዕላ ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣባላት ውድባትን ብልኡኽ ቡድንን ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዋዕላ ሱዳን ተናዊሑ።
ሓድሽ ሕጊ ቪዛ ንኣፍሪካውያን
ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካ ዘለውዎ ኢምባሲታትን ቆንስላታትን ንክትቅንስ ትልሚ ከምዘዳለወት ተገሊፁ።
ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ግንቦት
ምስሳን ብሄራዊ ተረኽ ንዝተማለአ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ኣድላዪ እዩ።