TBS TV

Category: ምስላዊ ዜና

🔴 TBS TV| ብሶማሊላንድ ዝተመሰሰ ዓመት | ንፅምዶ ኣፍልጦ ዘይሃበ ኢሳያስ | ሕውየት ጉድኣት ኣካል|| ዜናታት 23 ታሕሳስ 2018

🔴 ዜናታት እዚ ዕለት

መልእኽቲ ቲቢኤስ
መላእ ጋዜጤኛታት፣ ኣባላትን መሪሕነትን ቲቢኤስ በቲ ኣብ ሕፃፅ ዘዕቖቡ ተመዛበልቲ ወገናት ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ገሊፁ።

በዓል ስላሴ ጥሪ
በዓል ቅድስት ሰላሴ ጥሪ ሰላማዊ ኮይኑ ንክሓልፍ ግደ ፀጥታ ኣካላት ልዑል ተራ ኣለዎ ተባሂሉ።

ልደት ኣብ ኣፅቢ
በዓል ልደት ኣብ ኣፅቢ እንዳስላሴ ብድምቀት ንምኽባር ምድላዋት ከምዝተወገነ ተሓቢሩ።

ሕቶ ሓርበኛታት
ኣብ ወረዳ ማይቅነጣል ዝርከቡ ሓርበኛታት ኣድልዎ ይፈፀመና ኣሎ ክብሉ መረረቶም ንትካልና ገሊፆም።

“ዘይንቡር ተግባራት”
ኣብ መዓርን ጠስምን ንጥዕና ጎዳእቲ ዝኾኑ ነገራት ብምሕዋስ ክሽየጡ ዝተሓሰቡ ብተፍትሽ ክውገዱ ተገይሮም።

ሕውየት ጉድኣት ኣካል
ኣካል ጉዳኣት ዘለዎም ዓቕሚ ተጠቒሞም ሕውየት ትግራይ ንምርግጋፅ ሓገዝ የድሊ።

ሶማሊላንድ ዝወለዐቶ ረዚን ኣጀንዳ
ኣፍልጦ ሃገርነት ሶማሊላንድ ናይ ደንበታት ፍትሕን መውስቦን ሒዙ ይመፅእ ኣሎ።

ንፅምዶ ኣፍልጦ ዘይሃበ ኢሳያስ

ንልዕሊ 30 ዓመት ንሃገረ ኤርትራ ዝመረሐ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ናይ ፅምዶ ፖለቲካ ኣይተዛረበን።

ሰልፊ ኣብ ኢራን

ኢራናውያን ኣብ ቑጠባናን መነባብሮናን ፀልዋ ኣሕዲሩ ንዝበልዎ ናይ ቁጠባ ኣጀንዳ ተቓዊሞም

ትግራይ ምቕዳም
ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ እዚ ወርሒ  ለበዋ ንትግራይ ዘቐድም ስልቲ ቃልሲ እዩ።

ታሪኽ እዚ ዕለት
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ከምዚ ዕለት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተጋሩ ነበርቲ ራማን ማርታን ብሓይልታት ኤርትራ ግፍዒ ተፈፂሙ ::
#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴 TBS TV| ባህጊ ሃገር፡ ምላሽ ዓለም! | ድምፂ ተመዛበልቲ ወገናት | ሸሞንተ ዓውደ ውግኣት እዚ ዓመት || ዜናታት 22 ታሕሳስ 2018

🔴ዜናታት እዚ ዕለት
መልእኽቲ ቲቢኤስ
መላእ ጋዜጤኛታት፣ ኣባላትን መሪሕነትን ቲቢኤስ በቲ ኣብ ሕፃፅ ዘዕቖቡ ተመዛበልቲ ወገናት ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ገሊፁ።

ሕውየት ኣብ ጥዕና
ፕሮጀክት ሆፕ ልዕሊ 40 ሽሕ ዶላር ዝዋግኦም መድሓኒት ንቢሮ ጥዕና ትግራይ ብሓገዝ ኣበርኪቱ።

ድምፂ ተመዛበልቲ ወገናት
ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ንክምለሱ ዝምልከቶ ኣካል ድፍኢት ክገብር ይግባእ።

ምውሓስ ጸጥታ መቐለ
ፀጥታን ድሕንነትን ከተማ መቐለ ውሕስ ንክኸውን ብትኹረት ይስራሕ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ሚሊሻ ከተማ መቐለ ገሊፁ።

ሸሞንተ ዓውደ ውግኣት እዚ ዓመት
ኣብ ዓመተ 2025 ዶናልንድ ትራምፕ ኣብ 8 ሃገራት ወተሃደራዊ ምትእትታው ከምዘካየደ ተገሊጹ::

ሕቶ ባሕሪ ወደብ ኢትዮጵያ
ኢትዮጵያ ወደብ ባሕሪ ንምርካብ ካብ ኣፍልጦ ናብ ተግባር ከምዝተሰጋገረት ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ገሊፁ።

ሃገርነት፡ ዕዮ ቤትን ተቐባልነት ዓለምን
ፕረዚደንት ቱርክየ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ ዘይሕጋዊ ክብል ገሊፁ።

ትግራይ ምቕዳም
ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ እዚ ወርሒ  ለበዋ ንትግራይ ዘቐድም ስልቲ ቃልሲ እዩ።

ታሪኽ እዚ ዕለት
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ከምዚ ዕለት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተጋሩ ነበርቲ ምድሪ ሕምሾን ዲማን ብሓይልታት ኢትዮጵያ ግፍዒ ተፈፂሙ ::

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴 TBS TV| ሕፃፅ፡ ዋዕዋዕ ሰሙን | ሽልማት ዕቋርን ልቓሕን ሚዛን | ህፁፅ ኣዋጅ የመን || ዜናታት 21 ታሕሳስ 2018

🔴ዜናታት እዚ ዕለት
መልእኽቲ ቲቢኤስ

መላእ ጋዜጤኛታት፣ ኣባላትን መሪሕነትን ቲቢኤስ በቲ ኣብ ሕፃፅ ዘዕቖቡ ተመዛበልቲ ወገናት ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ገሊፁ።

ዘተ ኣብ ጉዳይ መዓድን

ምሕደራ፣ ፍቓድን ዝተፈላለዩ ክፍሊታትን ስራሕቲ መዓድን ” ንምውሳን ኣብ ዝወፀ ዝተመሓየሸ ደንቢ ኣመልኪቱ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዘተ ተኻይዱ

ሽልማት ዕቋርን ልቓሕን ሚዛን

ትካል ዕቛርን ልቓሕን ሚዛን ተሸላሚት ግራንድ ኣፍሪካ ኣዋርድ ኮይና።

ሞት እንስሳት

ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ጣቢያ ማይቃና ምኽንያቱ ዛጊድ ብዘይፍለጥ እንሰሳት ይሞታ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

ሕፃፅ ልዕሊ ዋዕዋዕ
ኣብ ዙርያ ተመዛበልቲ ዝተጀመረ ቃልሲ ክብርኽ እምበር ዋዕዋዕ ሰሙን ኮይኑ ክተርፍ ኣይብሉን።

ጥሜት ሱዳን

ኣብ ሱዳን፡ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዕጡቓት ጉጅለታት እትርከብ ከተማ ኤልፋሸር፡ ንፁሃት ሰባት ብጥሜት ይሳቐዩ ከምዘለው ተገሊፁ::

ህፁፅ ኣዋጅ የመን

የመን ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝገበረቶ ናይ ሓባር ናይ ምክልኻል ስምምዕ ንምስራዝ፡ ኩሎም ሓይልታት ኢማራት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወፁ ምእዛዛ ተገሊፁ::

ትግራይ ምቕዳም

ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ እዚ ወርሒ  ለበዋ ንትግራይ ዘቐድም ስልቲ ቃልሲ እዩ።

ታሪኽ እዚ ዕለት

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ከምዚ ዕለት ኣብ ልዕሊ ውቕሮን ግጀትን ሰለማውያን ተጋሩ ነበርቲ ብጥሙር ሓይልታት ኢትዮጵያ ይርትራን ግፍዒ ተፈፂሙ ::

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴 TBS TV| ቅርቃር ጥምየትን ጥይትን | ዘላቒ ፍታሕ ንተመዛበልቲ | ዘተን ምርድዳእን ንረብሓ ትግራይ|| ዜናታት 20 ታሕሳስ 2018

🔴ዜናታት እዚ ዕለት

መልእኽቲ ቲቢኤስ
መላእ ጋዜጤኛታት፣ ኣባላትን መሪሕነትን ቲቢኤስ በቲ ኣብ ሕፃፅ ዘዕቖቡ ተመዛበልቲ ወገናት ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ገሊፁ።

ኣንደበት ፕረዚደንት
ኣብ ትግራይ ብዙሓት መልሲ ዘይረኸቡ ፀገማት ብሰላማዊን ፖለቲካውን ልዝባት ንምፍታሕ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ዘላቒ ፍታሕ ንተመዛበልቲ
ተመዘባልቲ ወገናት ክብሮምን ፀጥተኦምን ውሑስ ብዝኾነ መንገዲ ንክምለሱ ግደ መራሕቲ መቐለን ኣዲስኣበባን ልዑል እዩ።

መንገዲ ሰላም ኣብ ኢድና
ኣብ ትግራይ ዝፍጠር ቀንዲ ፀገም ካብ ፖለቲከኛታት ዝብግስ ብምዃኑ ናብ ልዝብን ምርድዳእን ክንኣቱ ይግባእ ተባሂሉ።

ቅርቃር ጥምየትን ጥይትን
ስርዓታዊ ውድቀት ትግራይ ዝወለዶም ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጥሜትን ጥይትን ተቐርቂሩ ከምዝርከብ ውድብ ወለዶ ገሊፁ።

ዘተን ምርድዳእን ንረብሓ ትግራይ
ኣብ ትግራይ ዝተጣየሸ ዘተን ምርድዳእን እታ ብሄር ካብ ሓደጋ ንምድሓን ብዝተቓነየ መንገዲ ኽምራሕ ይግባእ።

ትግራይ ምቕዳም
ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ እዚ ወርሒ  ለበዋ ንትግራይ ዘቐድም ስልቲ ቃልሲ እዩ።#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴 TBS TV| ወርቂ ከርሳ ተሰካሚት ሬሳ! | ናብ ፕረዚደነት ዝተለኣኸ ደብዳበ | ምፍራስ ብሄርን ምብራስ ህዝብን|| ዜናታት 13 ታሕሳስ 2018

#tbstv
#ውድብ ናፅነት ትግራይ
#ትግራይ መረፃ 2018
#ህወሓት
#ኣብይ ኣህመድ
#wedb natenet tgray |
#Tplf Election 2018
#tigray election 2018
#tbstv
#tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ #news #Tigray #ethiopia #eritrea #HornAfrica #Redsea #reels