TBS TV

Category: ምስላዊ ዜና

🔴TBS TV| ሸዊትን ልዕልና ሕግን | መጠንቀቕታ ኣብ ጉዳይ ነዳዲ | ውዕሎ ቤት ፍርዲ ሸዊት ውዳሴ | ዜናታት 07 መጋቢት 2018

መልእኽቲ ቲቢኤስ

ፀገም ትግራይ ዝብዳህ ብብሄራዊ ስምምዕነት ኣቢልካ ብዝውለድ  መንግስትነት  እዩ።

ፍልሰት ተጋሩ
ብሰንኪ ስግኣት ኲናት ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ትግራይ ዓዱ ገዲፉ ይኸይድ ኣሎ።

ውግንና ውድብ ወለዶ

ወለዶ፡ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዘይኽፈለሉ ምኽንያት ክርዳእ ንኣብያተ ዕዮ ፌዴራል ደብዳቤ ፅሒፉ።

ጉዳይ ሰላም ባስ

መጓዓዝያ ትራንስፖርት ባስ መቐለ-ኣዲስ ኣበባ ስሩዕ ጉዕዞ ከምዝጀመረ ተሓቢሩ።

ውዕሎ ቤት ፍርዲ ሸዊት ውዳሴ

መምህር ዩኒቨርስትን ፖለቲከኛን ሸዊት ውዳሴ ኣብ ሕ’ላፍ 48 ሰዓት ሎሚ ዕለት ቤት ፍርዲ ምቕራቡ ተገሊፁ።

ቖፀሮ ሸዊት ውዳሴ

ሸዊት መኽሰሲኡ ምስ ፖለቲካዊ ውግንና ዘይኾነስ ምስ ምዝውዋር ዘይሕጋዊ ዕጥቂ ዝተዛመደ ምዃኑ ተገሊፁ።

መጠንቀቕታ ኣብ ጉዳይ ነዳዲ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሕፅረት ነዳዲ ስለዘሎ ዜጋታት ነዳዲ ብቑጠባ ክጥቀሙ ይግባእ ኢሉ።

ድገፍ ቻይና ንሱዳን

ቻይና ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ሱዳን ደገፍ ከምእትገበር ገሊፃ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ መጋቢት
ናህሪ ኩናት ንምክልኻልን ባይታ ሰላም ንምስፋሕን ኣብ ኣገዳስነት መጠሻ ሓዱሽ መንግስትነት ትግራይ ምስራሕ የድሊ።

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴TBS TV| ትግራይ ኣብ ስሩዕ ዕፅዋ | ጥርዓን ሰራሕተኛታት ቴሌቭዥን ትግራይ | መጠንቐ‍ቕታ ዶናልድ ትራምፕ | ዜናታት 05 መጋቢት 2018

መልእኽቲ ቲቢኤስ

ፀገም ትግራይ ዝብዳህ ብብሄራዊ ስምምዕነት ኣቢልካ ብዝውለድ መንግስትነት እዩ።

ጥርዓን ሰብ ሞያ ጥዕና

ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ንኣዋርሕ ዝተሰረሐሉ ትርፍ ሰዓት ክፍሊት ከይተፈፀመ ሐዚ ድማ ተወሳኺ ናይ ወርሒ ለካቲት መሃያ ደው ምባሉ ኣብ ፀገም ንርከብ
ኢሎም።

ሕፅረት ናውቲ ሕክምና

ዝሓመመ ወገን ግቡእ ግልጋሎት ሕክምና ረኺቡ
ክድሕን እናተገበአ ብሰንኪ ሕፅረት ኣፋውስን ሕፅረት ነዳዲን ህይወቱ ይጠፍእ ኣሎ ተባሂሉ።

ዘይምዕሩይ መሪሕነት

ብሰንኪ ዘይምዕሩዕይ መሪሕነትን ተደራራቢ ፀገማትን ሰብ ሞያ ጥዕና ዓዶም ገዲፎም ክኸዱ ምኽንያት ይኸውን ኣሎ::

ጥርዓን ሰራሕተኛታት ቴሌቭዥን ትግራይ

ቤት ዕዮና መሃያ ኣብ እዋኑ ክኸፍለና ብዘይምኽኣሉ ስራሕ ደው ክነብል ንግደድ ኣለና ኢሎም።

ምፍሻል ባሊስቲክ ሚሳይል

ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ስዑዲ ዓረብ ዝተተኮሳ 18 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ሓደ ባሊስቲክ ሚሳይልን ከምዘፍሸለ ተገሊፁ::

መጠንቐ‍ቕታ ዶናልድ ትራምፕ

ኢራን ኣብ መፃብቦ ሆርሙዝ ንዝርከባ መራኽብ መጥቃዕቲ እንተዘይኣቋሪፃ ንመሰረተ ልምዓት ነዳዲ ማእከል ደሴት ካርግ ክወቅዕ ምዃኑ ኣጠንቒቑ ::

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ መጋቢት

ናህሪ ኩናት ንምክልኻልን ባይታ ሰላም ንምስፋሕን ኣብ ኣገዳስነት መጠሻ ሓዱሽ መንግስትነት ትግራይ ምስራሕ የድሊ።

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴TBS TV| ትግራይ ናይ መን’ያ? | ማእሰርቲ ሸዊት | ሕፅረት ጥረ ገንዘብ | ዜናታት 04 መጋቢት 2018

መልእኽቲ ቲቢኤስ
ፀገም ትግራይ ዝብዳህ ብብሄራዊ ስምምዕነት ኣቢልካ ብዝውለድ መንግስትነት እዩ።

ማእሰርቲ ሸዊት

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህርን ኣባል ፓለቲካዊ ውድብ ሳወትን ሸዊት ውዳሰ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፓሊስ ዝወዓለሉ መንገዲ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።

ምዝማን ግልጋሎት መጓዓዝያ

ዘመናውን ቑልጡፍን ግልጋሎት መጓዓዝያ ንክህልው ኣብ ምትእትታው ኤሌክትሪካል ተሸከርክርትን ህንፀት ሓይሊ ሰብን ምስራሕ የድሊ ተባሂሉ።

ቖላሕታ ንመምሃራን ትግራይ

መማህራን ትግራይ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ሕቶኦም ክምለሰሎም ይግባእ።

ሕፅረት ጥረ ገንዘብ

ኣብ ባንክታት ጥረ ገንዘብ ብዘይ ምህላው ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዘለዉ ገሊፆም::

ማሕበረሰባዊ ቁፅፅር ዘሕጋዊ ነጋዶ

ማሕበረሰብ ልክዕ ከም ናይ መንግስቲ መሓውር ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊ ነጋዶ ፅልዋ ክፈጥር ይክእል እዩ።

ኲናትን ምምዝባልን

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውግእ ማ/ይ ምብራቕ ልዕሊ 4.1 ሚልዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም ኢሉ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ መጋቢት
ናህሪ ኩናት ንምክልኻልን ባይታ ሰላም ንምስፋሕን ኣብ ኣገዳስነት መጠሻ ሓዱሽ መንግስትነት ትግራይ ምስራሕ የድሊ።

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴TBS TV| ዕፃ ጀ/ል ታደሰን ትግራይን | ነዳዲ ኣብ ኢትዮጵያ | ክሲ ዘቋረፀ ውድብ ስምረት | ዜናታት 03 መጋቢት 2018

#tbstv
መልእኽቲ ቲቢኤስ
ፀገም ትግራይ ዝብዳህ ብብሄራዊ ስምምዕነት ኣቢልካ ብዝውለድ መንግስትነት እዩ።

ክሲ ዘቋረፀ ውድብ ስምረት

እቲ ውድብ ንግልፂ ናይ ፖለቲካ ውሳነ ግልፂ ናይ ፖለቲካ ምላሽ እምበር ቤት ፍርዲ ብይን ኣይደልዮን ብምባል ክሱ ኣቋሪፁ።

“ልምሰት መንግስትነት”

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ልምሰት መንግስትነት ኲናት ንከይለዓል ስግኣት ኾይኑ ኣሎ።

ሕለ ያ ዘይበልዎ ነኸራይስ….?

ትግራይ ኣብ ወጥሪ ኢትዮ-ኤርትራ ክህልዋ ዝግባእ ቅዋም “ዝተገበጠ መንጎኝነት” እዩ ተባሂሉ።

ሓዱሽ ሕማም ደርሆ

ሓዱሽ ሕማም ደርሆ ተራእዩ ስለዘሎ ናብ ትግራይ ከይኣቱን ሓደጋ ከየብፅሕን ግቡእ ክትትል ክግበር ኣለዎ።

ዘይደቀሰ ኣጀንዳ መሃያ መማህራን

ብሰንኪ ምቁራፅ መሃያ መማህራን ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ጠጠው ንከይብል ህፁፅ ፍታሕ ይጠልብ ።

ሕፅረት ነዳዲ ዝወለዖ ዓመፅ ሶማልያ
ሶማልያውያን ገናሕቲ መካይን ኣብ ዓዶም ንዝተረኣየ ወሰኽ ነዳዲ ስዒቡ ተቓውሞኦም የስምዑ ኣለዉ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ መጋቢት

ናህሪ ኩናት ንምክልኻልን ባይታ ሰላም ንምስፋሕን ኣብ ኣገዳስነት መጠሻ ሓዱሽ መንግስትነት ትግራይ ምስራሕ የድሊ።

#tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴TBS TV| ግርማ ኣቦኦም ዘየተዓረቖም | ነዳዲ ኣብ ኢትዮጵያ | ንመስራቲኣ ምዝካር ዝጀመረት መቐለ | ዜናታት 02 መጋቢት 2018

#tbstv
መልእኽቲ ቲቢኤስ
ፀገም ትግራይ ዝብዳህ ብብሄራዊ ስምምዕነት ኣቢልካ ብዝውለድ መንግስትነት እዩ።

ዝኽረ-ሃፀይ
02 መጋቢት 1881 ዓ/ም ኣብ ታሪኽ: ቅድሚ 137 ዓመት ከምዚ ዕለት ንክብሪ ሃገሮም ዝወደቑ ሃፀይ ዮሃንስ ንዝክር።

ንመስራቲኣ ምዝካር ዝጀመረት መቐለ
ዕለት መስዋእቲ ሃፀይ ዮሃንስ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ቐፅሪ ቤት መንግስቲ እቶም ሃፀይ ብዝተፈለላዩ ምድላዋት ተኸቢሩ።

መንግስታዊ ማእኸልነትን ሃጸይ ዮሃንስን
ንመቐለ ማእኸል ገይሮም ን ኢትዮጵያ ዝመርሑ ሃጸይ ዮሃንስ ምልክት ሓርበኝነት ወለዶታት ኮይኖም ዘሊቖም።

ኣንደበታት ሰላም
ትግራይ ሰላማ ክትረክብን ውሕስቲ ክትኸውንን ደቃ ክትእክብ ይግባእ።

ነዳዲ ኣብ ኢትዮጵያ
ነዳዲ ካብቲ ዝተተመነሉ ዋጋ ወፃኢ ዝሸጡ ኣካላት ስጉምቲ ከውስድ ምዃኑ ሚኒሰተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

ማዕጸውቲ “መስጊድ ኣል ኣቅሳ ”
መስጊድ ኣልኣቅሳ ን 11 መዓልታት ምዕፃው ስዒቡ ሃማስ ንእስራኤል ኣጠንቂቁ።

መልእኽቲ ቤንጃሚን ኔታንያሁ ንህዝቢ ኢራን
ኣብ ኢራን ዘሎ ኢስላማዊ ስርዓት ካብ ስልጣን ንምእላይ ህዝቢ ኢራን እዚ ታሪኻዊ ዕድል ክጥቀምሉ ኣተሓሳሲቡ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ መጋቢት
ናህሪ ኩናት ንምክልኻልን ባይታ ሰላም ንምስፋሕን ኣብ ኣገዳስነት መጠሻ ሓዱሽ መንግስትነት ትግራይ ምስራሕ የድሊ።

#tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴TBS TV| ስኽ ዝበለ ሓይሊ ትግራይ | ስግኣት ኲናት ትግራይ | ስግኣት ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ | ዜናታት 01 መጋቢት 2018

#tbstv
መልእኽቲ ቲቢኤስ

ፀገም ትግራይ ዝብዳህ ብብሄራዊ ስምምዕነት ኣቢልካ ብዝውለድ መንግስትነት እዩ።

ስግኣት ኲናት ትግራይ

ትግራይ መናእሰይ ገዲፎምዋ ዝኸዱ ንምንባር ከባድን መፍርሒትን ክትከውን ምኽኣላ ንመሪሕነት ከደንግፆ ይግባእ።

ኣንደበታት ሰላም
ትግራይ ሰላማ ክትረክብን ውሕስቲ ክትኸውንን ደቃ ክትእክብ ይግባእ።

ወጥሪ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ስርሒት ከምዘካይድ ኣፍሊጡ።

ስግኣት ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ወሳኒ ትሕተ ቅርፂ ዝፍፀም ዘሎ መጥቃዕቲ እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎ ገሊፁ:

ባህሪ ኲናት ኢራን

ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ቴክሎኖጂ-ሓገዞ ውግእ ፅልዉኡ ዓለም ለኻዊ ይኸውን ኣሎ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ መጋቢት

ናህሪ ኩናት ንምክልኻልን ባይታ ሰላም ንምስፋሕን ኣብ ኣገዳስነት መጠሻ ሓዱሽ መንግስትነት ትግራይ ምስራሕ የድሊ።::

#tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴TBS TV| ልዕሊ ፅምዶን ምድማርን | “ህዝቢ ኣብ ፍርሒ ኣሎ” | ሆርሙዝ ካብ ኢራን ክሳብ ትግራይ | ዜናታት 30 ለካቲት 2018

#tbstv
ብሄራዊ ውሳነ
ህልው ኩነታት ትግራይ ዝብዳህ ብሄራዊ ሰምምዕነት ሃኒፅካ መንግስትነት እንትመዓራረ እዩ።

ምረቓ መፃረዪ ዘርኢ
መፃረዪ ዘርኢ ኣብ ከተማ መቐለ ብኢድ ፕረዚደነት ታደሰ ወረደ ተመሪቑ።

መግለፂ 8 ሲቪል ማሕበራት
ኣብ ትግራይ ኲናት ንከይውላዕ ኣፈለላያት ብልዝብን ዘተን ምፍታሕ ከምዘድሊ ተገሊፁ።

“ህዝቢ ኣብ ፍርሒ ኣሎ”
ብሰንኪ ዘይሃደአ ወጥሪ ፖለቲካ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ይርከብ።

ኣንደበታት ሰላም
ትግራይ ሰላማ ክትረክብን ውሕስቲ ክትኸውንን ደቃ ክትእክብ ይግባእ።

ደገፍ ንሃገራት ዓረብ
ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ሱዳን ፣ሃገራት ዓረብ ላኣላውነተን ንምሕላው ዝወስደኦ ዘለዋ ስጉምቲ ከምዝድግፍ ገሊፁ።

ሓድሽ መንፈሳዊ መራሒ ኢራን
ቅትለት ኣያቶላህ ዓሊ ስዒቡ ካልኣይ ወዱ ሞጅታባ ካሜነይ ሓድሽ መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ኾይኑ ተሸይሙ።

ሆርሙዝ ካብ ኢራን ክሳብ ትግራይ
ኣብ ኢራን ኣጋጢሙ ዘሎ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ኲናት ኣዕናዋይነቱ ይዓዝዝ ኣሎ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ለካቲት
ስግኣት ኩናት ኣብ ምንካይ፡ ዓቕሚ ብሄር ኣደልዲልካ ባላ ሰላም ኣብ ምድልደል ድፍኢት ክግበር ይግባእ::

#tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴TBS TV| ትግራይን ኣብ ዘላቶ ዘፅንሕ ፖለቲካን | ኢትዮጵያን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን | “ወሰኽ ታሪፍ ታክሲ” | ዜናታት 27 ለካቲት 2018

#tbstv

መልእኽቲ ቲቢኤስ

ፀገም ትግራይ ኣብ ትግራይን ብደቂ ትግራይን ንምፍታሕ ኩሉ ከካብ ዝኸዶ ጽንፊ መልሲ ክገብር ኣለዎ።

መረረት ቢሮ ጥዕና

ቢሮ ጥዕና ትግራይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግቡእ ኣቕርቦት ብዘይምሃቡ ኣብ ስርዓት ጥዕና ትግራይ ከቢድ ማህሰይቲ ይገጥመኒ ኣሎ ኢሉ።

“ወሰኽ ታሪፍ ታክሲ”
ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ኣብ ታሪፍ ታክሲ ከተማ መቐለ ወስኽ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

መግለፂ ውድብ ወለዶ

ኣብ ትግራይ ኣንፀላሊዩ ዘሎ ሓደጋ ስግኣት ኲናት ጠጠው ንክብል ፃውዒት ቐሪቡ።

ባህጊ ሰላም ትግራይ
ኣብ ትግራይ ክመፅእ ዝኽእል ኲናት ንክተረፍ ተጋሩ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ክዓስሉ ይግባእ ተባሂሉ።

ኢትዮጵያን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን
ምስ ጥሕሰት መሰል ብዝተዛመደ 41 ሃገራት ንኢትዮጵያ መጠንቀቕታ ሂበንኣ።

ኣንደበታት ሰላም
ትግራይ ሰላማ ክትረክብን ውሕስቲ ክትኸውንን ደቃ ክትእክብ ይግባእ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ለካቲት
ስግኣት ኩናት ኣብ ምንካይ፡ ዓቕሚ ብሄር ኣደልዲልካ ባላ ሰላም ኣብ ምድልደል ድፍኢት ክግበር ይግባእ ::

🔴TBS TV| ስቕታን ፅንታን ትግራይ | ኣንደበት ፕሮፌሰር ገላዲዎስ | ጎነፅ ማእኸላይ ምብራቕ | ዜናታት 26 ለካቲት 2018

#tbstv

መልእኽቲ ቲቢኤስ
ፀገም ትግራይ ኣብ ትግራይን ብደቂ ትግራይን ንምፍታሕ ኩሉ ከካብ ዝኸዶ ጽንፊ መልሲ ክገብር ኣለዎ።

ዝኽሪ መስዋእቲ ሃፀይ ዮሃንስ
ዝኽሪ እቲ ሃፀይ ካብ ማይ በሓ ጀሚሩ ክሳዕ ከተማ መቐለ ከምዝኽበር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣንደበት ፕሮፌሰር ገላዲዎስ
ሰላም ትግራይ ንክረጋገፅን ዕረቀ ሰላም ንክህልውን ፈላማ ፍትሒ ክሕተት ይግባእ ።

ሃገራዊ መረፃ 2018
ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምዝገባ መራፅቲ 28 ለካቲት ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ ።

ኣንደበታት ሰላም
ትግራይ ሰላማ ክትረክብን ውሕስቲ ክትኸውንን ደቃ ክትእክብ ይግባእ።

ጎነፅ ማእኸላይ ምብራቕ
ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርአ ዘሎ ግጭት ጠጠው ንክብል ናይ ሽምግልና ፃውዒት ኣቕሪባ።

ኢራን ብሲኣይኤ
ኢራን ኲናት ንምቁራጽ ምስ ሲኣይኤ ክትዘራረብ ከምእትደሊ ተገሊፁ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ለካቲት
ስግኣት ኩናት ኣብ ምንካይ፡ ዓቕሚ ብሄር ኣደልዲልካ ባላ ሰላም ኣብ ምድልደል ድፍኢት ክግበር ይግባእ::