TBS TV

Category: ምስላዊ ዜና

🔴TBS TV| ለካቲት ንመኸተ ዶ ንልዝብ? | 11ለካቲት ብውድብ ህወሓት | “ግጭታት ጠጠው ይበሉ ” | ዜናታት 11 ለካቲት 2018

#tbstv
11ለካቲት ብቲቢኤስ
11 ለካቲት እንትነኽበር ህላወ ህዝቢ ትግራይ በዘውሕስ መንገዲ ዳኣምበር ብሸፈጣትን ቅጥፈታትን ክኸውን ኣይግባእን።

11ለካቲት ብውድብ ህወሓት
11 ለካቲት እንትኸብር ዝተደጎለ ሓዊ በሰላም ንምፍታሕን ግቡእና ብምፍፃምን ክኸውን ኣለዎ።

11ለካቲት ብውድብ ሳወት
11 ለካቲት መላምል ደቂ ህዝቢ ዝተሰውእላን ናብ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝቕየረላን ዕለት ክትኸውን ኣለዎ።

11ለካቲት ብውድብ ባይቶና
11 ለካቲት ህዝቢ ትግራይ መነባብርኡ ዘደንፍዐሉን እፎይ ኢሉ ዝሰርሐሉን ዕለት ብዘምፅእ ክኸውን ኣለዎ።

11ለካቲት ብውድብ ማዕርነት
11 ለካቲት እንትኸብር ዝረኣዩ ዘለው ሕቱኽቱኻት ብሰላም ዝፍተሑላ ክኸውን ኣለዎ።

“ግጭታት ጠጠው ይበሉ ”
ቱርክዬ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደሽቲ ግጭታት ክትርኢ ከም ዘይትደሊ ፕረዚዲነት ተርክዬ ጣይፕ ኤርጋዶን ገሊፁ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ለካቲት
ስግኣት ኩናት ኣብ ምንካይ፡ ዓቕሚ ብሄር ኣደልዲልካ ባላ ሰላም ኣብ ምድልደል ድፍኢት ክግበር ይግባእ::

#tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴TBS TV| ካብ ፀድፊ ንምድሓን | ኣሜሪካን ኢራንን | ሓገዝ ንኣካል ጉዳኣት | ዜናታት 10 ለካቲት 2018

#tbstv
መልእኽቲ ቲቢኤስ
ፀገም ትግራይ ኣብ ትግራይን ብደቂ ትግራይን ንምፍታሕ ኩሉ ከካብ ዝኸዶ ጽንፊ መልሲ ክገብር ኣለዎ።

ፅምብል ለካቲት
ክብርታት ለካቲት ዓቂብና ሰላማዊን ፖለቲካዊን ቃልስና ክነሐይል ይግባእ ክብል ቢሮ ጕዳያት ኮምዩኒኬሽን ሓቢሩ።

ሓገዝ ንኣካል ጉዳኣት
ኣብ ጂዛንን ከባቢኣን ዝርከቡ ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን ን 45 ሓርበኛታት ጉድኣት ኲናት ሓገዝ ሞተር ሳይክል ተበርኪቱ።

መግለፂ ሳወት
ኣብ ትግራይ ዘንፀላሉ ዘሎ ደበና ኲናት ንምትራፍ ልዝብን ዘተን ወሳኒ እዩ።

መዋፅኦ ትግራይ
ትግራይ ናብ ንቡራ ክትምለስ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ምትግባርን ኣፈለላያት ብምፅብባን የድሊ።

‎ኣንደበታ ሰላም
ትግራይ ሰላማ ክትረክብ ደቃ ክትእክብ ይግባእ።

ኣሜሪካን ኢራንን
ትራምፕ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝካየድ ልዝብ ክልቲኤን ሃገራት ቅድሚ ምጅማሩ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ከምዝሳተፍ ገሊፁ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ለካቲት
ስግኣት ኩናት ኣብ ምንካይ፡ ዓቕሚ ብሄር ኣደልዲልካ ባላ ሰላም ኣብ ምድልደል ድፍኢት ክግበር ይግባእ::

#tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴TBS TV| ምፅኣት ዘይትቕበል ትግራይ | “ኣይፋል ንኲናት ” | ዓለምለኻዊ ወጥሪን ድኻ ዓድታትን | ዜናታት 09 ለካቲት 2018

#tbstv
መልእኽቲ ቲቢኤስ
ፀገም ትግራይ ኣብ ትግራይን ብደቂ ትግራይን ንምፍታሕ ኩሉ ከካብ ዝኸዶ ጽንፊ መልሲ ክገብር ኣለዎ።

ኣንደበት ፕረዚደንት
ኣብ ሕርሻ ኢንቨስት ንዝገብሩ ሰብሃፍቲ መንግስቲ ግቡእ ጠመተ ክህቦም እዩ።

“ኣይፋል ንኲናት ”
ውድብ ናፅነት ኣብ ትግራይ ኲናት ከይድገም ፍሉይ ቆላሕታ ዝተፈላለዩ ኣካላት ከምዝጠልብ ገሊፁ።

ቃል ኣሰፋ ኣብርሃ
ኣብ ትግራይ ከጋጥም ዝኽእል ኲናት ጠጠው ክነብሎ ዋላ እንተዘይከኣልና ትግራይ ማእኸል ዓውደ ኲናት ከይትኸውን ምግባር ግን ይከኣል እዩ ።

ኣንደበታት ሰላም
ትግራይ ሰላማ ክትረክብ ደቃ ክትእክብ ይግባእ።

ኦቻ ዛዕባ ደቡብ ሱዳን
ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ መንጎ ተናሓናሕቲ ሓይልታት ዳግማይ ውግእ ምክያዱ ስዒቡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደጋ ኣለው።

ዓለምለኻዊ ወጥሪን ድኻ ዓድታትን
ዓለምለኻዊ ፀጥታዊ ኲነታት ንድኻ ዓድታትን መለኽቲ መራሕተንን ዕዳ እዩ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ለካቲት
ስግኣት ኩናት ኣብ ምንካይ፡ ዓቕሚ ብሄር ኣደልዲልካ ባላ ሰላም ኣብ ምድልደል ድፍኢት ክግበር ይግባእ::

#tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴TBS TV| ክብርታት በዓል ሓየሎም ዝሓንሸሸ | ህዝባውነት ሓየሎም | ምሕዳስ ምሕዝነት | ዜናታት 06 ለካቲት 2018

ዜናታት እዚ ዕለት

መልእኽቲ ቲቢኤስ
ፀገም ትግራይ ኣብ ትግራይን ብደቂ ትግራይን ንምፍታሕ ኩሉ ከካብ ዝኸዶ ጽንፊ መልሲ ክገብር ኣለዎ።

ዝኽሪ ሓየሎም ኣርኣያ
ሜ/ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ልክዕ ከምዛ ዕለት 6 ለካቲት 1988ዓ/ም ተሰዊኡ።

ህዝባውነት ሓየሎም
ጅግና ተጋዳላይ ሓየሎም ዝንተ እለት ክዝከር ዝገበሮ ህዝባውነቱ እዩ::

ትግራይን ገድልን
ጅግንነትን ህዝባውነትን ሓየሎም ካብ ህያው መግለፅታቱ ሓደ ተጠቀስቲ እቶም።

ዕውት መራሒ
ሜ/ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ መሪሕ ዓወትን ኣያ ፅንዓትን ነይሩ::

ፃዊዒት “GSTS”
መሪሕነት ኣፍሪካውያን ሃገራት ዳግም ክውላዕ ኣብ ምሽብሻብ ዘሎ ኩናት ትግራይ ደው ኣብ ምባል ግዲኦም ክፃወቱ ይግባእ::

ምሕዳስ ምሕዝነት
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ዋናፃሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ምሕዝነቶም ኣሐዲሶም ::

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ለካቲት
ስግኣት ኩናት ኣብ ምንካይ፡ ዓቕሚ ብሄር ኣደልዲልካ ባላ ሰላም ኣብ ምድልደል ድፍኢት ክግበር ይግባእ::

#tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴TBS TV| ናይ መሃያ ፖለቲካ ተጀሚሩ | ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ትግራይ | ዋዕላ ቤት ምክሪ ሕብረት ኣፍሪካ | ዜናታት 04 ለካቲት 2018

ዜናታት እዚ ዕለት

መልእኽቲ ቲቢኤስ

ፀገም ትግራይ ኣብ ትግራይን ብደቂ ትግራይን ንምፍታሕ ኩሉ ከካብ ዝኸዶ ጽንፊ መልሲ ክገብር ኣለዎ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ትግራይ

ኣብ ክልል ትግራይ ክፍጠር ዝኽእል ወጥሪ ንምህዳእ ኩሎም ወገናት ህፁፅ ጎንፂ ናይ ምውጋድ ስጉምትታት ክወስዱ ይግባእ ተባሂሉ።

ጥርዓን ሰብ ሞያ ጥዕና እንደርታ

ሰብ ሞያ ጥዕና ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝሰራሕናዮ ክፍሊት መሃያ ብዘይምኽፋልና ህይወትና ኣብ ሓደጋ ኣሎ ኢሎም።

ፍትሒ ንሰብ ሞያ ጥዕና

ማሕበር ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ ንሰብ ሞያ ጥዕና ፍትሒ ክወሃቦም ብደብዳበ ሓቲቱ።

ኣንደበታት ሰላም

ዋዕላ ቤት ምክሪ ሕብረት ኣፍሪካ
መበል 48 ዙር ኣፈፃፅማ ስራሕ ፈፃሚት ቤት ምክሪ ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

ኣሜሪካን ንእስራኤል
ጉዳይ ኒክዩለር ኢራን ማአከል ብምግባር ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልንድ ትራምፕ ቢንያም ኒተንያየሁን ተዘራሪቦም::

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ለካቲት
ስግኣት ኩናት ኣብ ምንካይ፡ ዓቕሚ ብሄር ኣደልዲልካ ባላ ሰላም ኣብ ምድልደል ድፍኢት ክግበር ይግባእ::
#tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴TBS TV| ኣብ ኢድ ሰብ እትጠፍእ ብሄር | ክሲ ጌታቸው ረዳ ንፕረዚደንት ታደሰ | ልጓም ኲናት ትግራይ | ዜናታት 03 ለካቲት 2018

ዜናታት እዚ ዕለት

መልእኽቲ ቲቢኤስ

ፀገም ትግራይ ኣብ ትግራይን ብደቂ ትግራይን ንምፍታሕ ኩሉ ከካብ ዝኸዶ ጽንፊ መልሲ ክገብር ኣለዎ።

ልጓም ኲናት ትግራይ

ኣብ ትግራይን ኣብ ልዕሊ ትግራይን ዘንፀላሉ ዘሎ ፀጥታዊ ኩነታት ልጓም ክግበሩ ይግባእ ተባሂሉ

ሓላፍነቶም ዘይዋፅኡ ኣህጉራውያን ትካላት

ኣጀንዳ ፖን ኣፍሪካ ኢኒስትቲዩት: ሕብረት ኣፍሪካን ባይቶ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካን ትካላዊ ቁመናኦም ከመዓራርዩ ኣተሓሳሲቡ።

ግደ ዘተን ልዝብን
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵየ ክህልዉ ዝኽእሉ ፀጥታዊ ፀገማት ብኣጋ እንተዘይተአሪሞም እቲ ዞባ ናብ ሓደገኛ ፀገም ክኣቱ እዩ።

ምጥንኻር መደባት ጥዕና

ኣብ ወረዳ ሓውዜን ዝተጀመሩ ዘተባብዑ ስራሕቲ መደባት ጥዕና ፣ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ ።

ክሲ ጌታቸው ረዳ ንፕረዚደንት ታደሰ

ጌታቸው ረዳ ኣብ ትግራይ ኣብ መሪሕነት ንዘለዉ ናይ ቀደም ብፆቱን መሳርሑቱን ብውድቀት ፖለቲካ ትግራይ ኸሲሱ::

ዓለም ኣብ ዘይትሰምዐካ ኣይትዋጋእ

ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ይኹን ሃገራት ክህሉ ዝኽእል ጎንጺ ዓለም ክትሰምዖ ኣብ እትኽእለሉ መድረኽ ክኸውን ኣለዎ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ለካቲት
ስግኣት ኩናት ኣብ ምንካይ፡ ዓቕሚ ብሄር ኣደልዲልካ ባላ ሰላም ኣብ ምድልደል ድፍኢት ክግበር ይግባእ::
#tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ