TBS TV

Category: ምስላዊ ዜና

🔴TBS TV| ሃይማኖትን ፖለቲካን እንትዳቐሉ | በዓል ስላሴ ጨለቖት | ፀርፍን ፀለመን ከም ፖለቲካ || ዜናታት 07 ጥሪ 2018

🔴 ዜናታት እዚ ዕለት

ተነፅሎታት ቲቢኤስ ቲቪ

ቲቢኤስ ቲቪ ኣብ በዓል ስላሰ ከተማ ሽረ ከይተዓደመ ምትራፉ ኣመልኪቱ ቕርታ ገሊፁ

በዓል ስላሴ ጨለቖት

በዓል ስላሴ ጨለቖት ኣመንቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ኣብ ዝተረኽብሉ ብድምቀት ተኸቢሩ።

ተኸላ መንግስትነት

ትግራይ ፀገማታ ንክትፈትሕ መንግስትነት ክትተክል ይግባእ።

ፀርፍን ፀለመን ከም ፖለቲካ

ትግራይ ብደቂ ብሄራ ክትኽበርን ክትድሕንን እንተተደልዩ ፀለመን ምድፍፋኣትን ጠጠው ክብሉ ይግባእ።

ደሃይ ሑመራ

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሑመራ ሰብ ኣብ ከቢድ ስቓይን መከራን ከምዘሎ ኣረጋጊፀ ኢሉ።

ክልከላ ቪዛ ኣሜሪካ
ኣሜሪካ ንዜጋታት 75 ሃገራት ናይ ስደተኛታት ቪዛ ምሃብ ንዘይተወሰነ እዋን ደው ከምዘበለቶ ዕላዊ ገይራ ኣላ።

ርብርብ ኣብ ግሪንላንድ

ሃገራት ኤውሮጳ ሰራዊተን ናብ ግሪንላንድ ይልእኻ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

ታሪኽ ኣብዚ ዕለት

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ከምዚ ዕለት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተጋሩ ነበርቲ ዝባን ገደና፣ፅጌሬዳን ኮረምን ብጥሙር ብሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ግፍዒ ተፈፂሙ::

እዱብ ኣንደበት
ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ ወርሒ ጥሪ ዘይእዱብ ኣንደበታት ንትግራይ ዋጋ ከየኽፍሉ ጥንቃቀ ይጠልብ::

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴TBS TV| መረፃ ሎሚ ዘበን ዝሓዘሎ | ቅዋም ውድባት ኣብ መረፃ | ኣዘራራቢ መረፃ ዩጋንዳ || ዜናታት 06 ጥሪ 2018

🔴 ዜናታት እዚ ዕለት

ኣንደበት ፕረዚደንት

ፕረዚደነት ታደሰ ዕደና ስነ-ምህዳር ከባቢ ብዘይጎድእን ብዘመናዊ መንገዲን ኣብ ረብሓ ንምውዓል ክስራሕ ይግባእ ኢሉ።

ማይ መቐለ

ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ መቐለን ባንኪ ወጋገንን ተገልገልቲ ክፍሊት ዝፈፅምሉ መስርሕ ኣመቻችዮም።

መረፃ፡ ሓዱሽ ረስኒ ፖለቲካ

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መፃኢ ግንቦት ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ኣብ ትግራይ እውን ከካይድ እዩ ኢሉ።

ቅዋም ውድባት ኣብ መረፃ

ኣብ ትግራይ መረፃ ክካየድ ዝኽእል ተመዛበልቲ ናብ መረፃ ጣብዮኦም እንትምለሱ እዩ ተባሂሉ።

ኣዘራራቢ መረፃ ዩጋንዳ

መንግስቲ ዩጋንዳ መረፃ ንምክያድ ቆፀራ ኣብ ዝተተሓዘሉ መዓልቲ ኢንተርኔት ከምዘቋርፅ ዕላዊ ገይሩ።

ኢራንን ሰልፈኛታታን

ኢራን ተተኣነግዶ ኣብ ዘላ ሰልፊ ንዝወፁ ሰልፈኛታት ፍርዲ ንምሃብ ትሸባሸብ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

እዱብ ኣንደበት
ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ ወርሒ ጥሪ ዘይእዱብ ኣንደበታት ንትግራይ ዋጋ ከየኽፍሉ ጥንቃቀ ይጠልብ::

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴 TBS TV| ብኽነት መንገዲ ድኽነት | ኢንቨስትመንትን መቐለን | ሱዳንን ሕድሕድ ኲናትን || ዜናታት 04 ጥሪ 2018

🔴 ዜናታት እዚ ዕለት

ተግባር ዝዓቀቦም ቃላት

ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ኣብ ምምላስ ቃል መራሕትን ተግባሮምን ኣይተመጣጠነን።

ብሉፅነት ሪል እስቴት ዋሕስ

ኣብ ምቕራፍ ሕፅረት መንበሪ ኣባይቲ ዝነጥፍ ዋሕስ ሪል እስቴት ተሸላሚ ብሉፅነት ኮይኑ።

ኢንቨስትመንትን መቐለን

ንኢንሸስትመንት ዝተዋሃቡ ቦታታት ከይለምዑ እንትተርፉ ካብ ሰብ ዋናታቶም እናተሓደጉ ንዘልምዑ ይውሃቡ ኣለዉ።

ባይታ ኢንቨስትመንት ትግራይ
ማሕበር ኣክስዮን ኮንስትራክሽን፣ ንግድን ኢንዳስትርን ሆርን ኣፍሪካ ኢንቨስትመንት ትግራይ ንምዕባይ ክሰርሕ እየ ኢሉ።

ሓገዝ ናውቲ መድሓኒት

ማሕበር ነርስታት ኢትዮጵያ ካብ ዳይሬክት ሪሊፍ ዝተበሃለ ትካል ዝረኸቦም መድሓኒታት ንሆስፒታል ዓይደር ኣብርኪቱ ።

ብኽነት፡ ካልእ ፍልፍል ድኽነት

ማሕበራዊ ጉዳያት ፀጋታት ዘየባኽኑን መጠኖምን ልክዖምን ዝተፈለጠን ክኾኑ ይግባእ።

ሱዳንን ሕድሕድ ኲናትን

መንግስቲ ሱዳን ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመት ሕድ ሕድ ኲናት ናብ ካርቱም ከምዝተመለሰ ተፈሊጡ።

እዱብ ኣንደበት

ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ ወርሒ ጥሪ ዘይእዱብ ኣንደበታት ንትግራይ ዋጋ ከየኽፍሉ ጥንቃቀ ይጠልብ::

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴 TBS TV| ዓብይቲ ጉዳያት ባሕቲ ጥሪ | ትኹረት ንሓርበኛታትን | ፈተነ ቅትለት ትራኦረናን || ዜናታት 01 ጥሪ 2018

🔴 ዜናታት እዚ ዕለት

መልእኽቲ ቲቢኤስ

ቲቢኤስ ቲቪን ኣባላቱን ንሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና እንኳዕ ንብርሃነ ልደቱ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብጸሐና ይብል።

ኣገዳስነት መንግስትነት

ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብ ስራሕ ጥሜትን ናይሓድነት ክፍተትን ዋጋ የኽፍል ኣሎ::

ምጥንኻር ሓድነት

ኣብ ውሽጢ ዓድን ደገን ዘሎ ትግራዋይ ሓድነቱ ብምጥንኻር ንሰላም ጠጠው ክብል ይግባእ::

ትኹረት ንሓርበኛታት

ኮምሽን ሓርበኛታት ተጋደልቲ ኣብ ወፃኢ ሃገር ንክሕከሙ ዘኽእል ዕድል የመቻችው ኣሎ።

ፈተነ ቅትለት ትራኦረ

ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሃገረ ቡርኪናፉሶ ትራኦረ ዝተገብረ ናይ 125 ሽሕ ዶላር ክፍሊት ፈተነ ቅትለት ከምዝፈሸለ ተገሊፁ።

ቅድመ ክፍሊት ቪዛ

ኣሜሪካ ቪዛ ንምርካብ ገንዘብ ከትሕዛ ኣለወን ዝበለተን ዝርዝር ሃገራት ኣፍሪካ ዕላዊ ገይራ።

ታሪኽ እዚ ዕለት
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ከምዚ ዕለት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተጋሩ ነበርቲ ዝባን ገደና፣ ሸራሮን ፣ዓዲ ዝባን ካራ ጅወርግስን ብብጥሙር ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ግፍዒ ተፈፂሙ::

እዱብ ኣንደበት

ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ ወርሒ ጥሪ ምብርትታዕ እዱብ ኣንደበትን ስልጡን ቃልን ሊሂቃን እዩ።

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴 TBS TV| ካብ በዓላትና እንምሃሮ | ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢሚራት ዓረብን | ውጥጥ ኣሜሪካን ቻይናን || ዜናታት 30 ታሕሳስ 2018

🔴 ዜናታት እዚ ዕለት

መልእኽቲ ቲቢኤስ
ቲቢኤስ ቲቪን ኣባላቱን ንሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና እንኳዕ ንብርሃነ ልደቱ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብጸሐና ይብል።

ፃውዒት ከንቲባ
ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ ዘሎ ምፅራይ ገበን መሬት ተጠናኺሩ ንክቕፅል ኩሉ ሕብረተሰብ ዝከኣሎ ጥቆማ ንክህብ ተፀዊዑ።

ኣገዳስነት ዘተ

ቁልፊ መፍትሕ ፀገም ትግራይ ዘተን ምርድዳእን እዩ ተባሂሉ።

ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢሚራት ዓረብን

እተን ሃገራት ቁጠባዊ ረብሓታተን ንምዕቃብ ዘለወን ሽርክና ደጊመን ኣሐዲሰን።

ሶማሊላንድን ኣሜሪካን
ክሪስ ስሚዝ፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ ዝድገፍን ካልኦት ሃገራት እውን ክኸተለኦ ዝግባእን ውሳነ እዩ ኢሉ።

ውጥጥ ኣሜሪካን ቻይናን
ኣሜሪካ ኣብ ኣሁጉራዊ ማያት ዝረአ ዘሎ ጥሕሰት፡ ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕጊ እዩ ኢላ።

ታሪኽ ኣብዚ  ዕለት
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ከምዚ ዕለት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተጋሩ ነበርቲ ዓምደ ውሃ፣ዕደጋ በርሀን ሹሕ ታቦክን ብብጥሙር ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ግፍዒ ተፈፂሙ::

ትግራይ ምቕዳም
ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ እዚ ወርሒ  ለበዋ ንትግራይ ዘቐድም ስልቲ ቃልሲ እዩ።

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴 TBS TV| ድባብ ልደት ሎምዘበን | መልእኽቲ ፕረዚደነት | ቃል ኣፅብሃ ገብረእግዛብሄር || ዜናታት 29 ታሕሳስ 2018

🔴 ዜናታት እዚ ዕለት

መልእኽቲ ቲቢኤስ

ቲቢኤስ ቲቪን ኣባላቱን ንሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና እንኳዕ ንብርሃነ ልደቱ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብጸሐና ይብል።

መልእኽቲ ፕረዚደነት

በዓል ልደት ክኸብር እንከሎ ንዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝን ብምድግጋፍን ክኸውን ይግባእ ።

ልደት ኣብ ኣፅቢ

በዓል ልደት ሃይማኖታውን ባህላውን ትሕዝትኡ ሓልዩ ብድምቀት ክኸብር ምውዓሉ ተገሊፁ።

ቃል ኣቡነ መርሃ ክርስቶስ
ፀገም ትግራይ ዝእለ ተጋሩ ክንሓብርን ክንመክርን እንከለና ጥራሕ እዩ።

ቃል ኣፅብሃ ገብረእግዛብሄር
ሁራ ሰለስተ ምልክት ሓድነትን ስምረትን ተጋሩ ብምዃኑ ክዕቀብን ክሰጋገርን ይግባእ።

ታሪኽ ኣብዚ ዕለት
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ከምዚ ዕለት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተጋሩ ነበርቲ ዳያ ዓለቴና፣ሃገረ ለኩማ ፣ታሕታይ ሎጎምቲ፣ሑመራን ተፈናቐልቲ ደደቢትን ብጥሙር ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ግፍዒ ተፈፂሙ::

ትግራይ ምቕዳም
ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ እዚ ወርሒ  ለበዋ ንትግራይ ዘቐድም ስልቲ ቃልሲ እዩ።

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴 TBS TV| ኣርብዓ ዓመት ሓንቲ ልደት | ከየንቲ ኣብ በዓል ልደት | ሓልዮት ክብሮም ደስታ || ዜናታት 28 ታሕሳስ 2018

🔴 ዜናታት እዚ ዕለት

መልእኽቲ ቲቢኤስ
ቲቢኤስ ቲቪን ኣባላቱን ንሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና እንኳዕ ንብርሃነ ልደቱ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብጸሐና ይብል።

ሓልዮት ዙም ኣካዳሚ
ዝተመዛበሉ ወገናት ምሕጋዝ ናይ ኩሉ ክፋል ማሕበረሰብ ዋኒን ክኸውን ይግባእ ተባሂሉ።

ሓልዮት ክብሮም ደስታ

ኣብ ዝኸፈአ ኹነታት ዘለዉ ተመዛበልቲ ክሳብ እቲ ዘላቒ ፍታሕ ዝርከብ ሰብኣዊ ክብሮም ዝሓለወ ሓገዝ የድሊ።

ከየንቲ ኣብ በዓል ልደት

ሰላም ትግራይ ንምድልዳልን ልምዓት ህዝኒ ንምርግጋፅን ሕብረት ተጋሩ ከምዘድሊ ተገሊፁ::

ድሕሪ 40 ዓመት እውን ሞት

ቅድሚ 40 ዓመት ዝተዘየመ “Do they know it’s Christmas? ሕዚ እውን ይሰርሕ ኣሎ።

ትግራይ ምቕዳም
ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ እዚ ወርሒ  ለበዋ ንትግራይ ዘቐድም ስልቲ ቃልሲ እዩ።

ታሪኽ ኣብዚ ዕለት
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ከምዚ ዕለት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተጋሩ ነበርቲ ሽረ፣እንዳባኖን ደብረማርያምን ብጥሙር ብሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ግፍዒ ተፈፂሙ::

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴 TBS TV| ልደት ሓራ ትግራይ መዓዝ? | ማሕበረ ካህናት ሰሜን ኣሜሪካ | ትግራይ ምቕዳም || ዜናታት 27 ታሕሳስ 2018

🔴 ዜናታት እዚ ዕለት

ልእኽቲ ቲቢኤስ
ቲቢኤስ ቲቪን ኣባላቱን ንሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና እንኳዕ ንብርሃነ ልደቱ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብጸሐና ይብል።

ማሕበረ ካህናት ሰሜን ኣሜሪካ
እቲ ማሕበር ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝፈርምኩም ኣካላትን ሃገራትን ንተፈፃሚነቱ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ተጊህኹም ስርሑ ኢሉ።

ሰናይ ተግባር እኖታት ንእኖታት
እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል እኖታት ንእኖታት ጠዋሪ ንዘይብለን ኣረጋዊያን እኖታት ናይ ልደት ሓገዝ ሂቡ።

ቃል ኣሸናፊ ኣስመላሽ
ኣብ በዓላት ደቂ ኣነስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ኣብ ስራሕን ናይ ስራሕ ጽዕንቶን ይውዕላ::

ሰናይ ትምኒት
በዓል ልደት እንትኽበር ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ዘለዉ ወገናት ብምሕጋዝ ክኸውን ይግባእ

ተለዋጢ ቖፀሮ
ውዕሎ መጋባእያ ዉዙፍ መሃያ መምህራን ትግራይ ተለዋጢ ቖፀሮ ከምዝተዋሃበ ተሓቢሩ።

ሱዳንን ኤርትራን
ፕረዚደንት ኢሳያስ ምስ ሰብ መዚ ሃገር ሱዳን ኣብ ዛዕባ ቐይሕ ባሕሪ ከምዝዘተየ ተሓቢሩ።

ታሪኽ እዚ ዕለት
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ከምዚ ዕለት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተጋሩ ነበርቲ ጉሎ መኸዳ፣ገረዓልታ ፣ሓየሎምን ዳዕሮ ሓፉሽን ብጥሙር ብሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ግፍዒ ተፈፂሙ::

ትግራይ ምቕዳም
ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ እዚ ወርሒ  ለበዋ ንትግራይ ዘቐድም ስልቲ ቃልሲ እዩ።

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ