መልእኽቲ ቲቢኤስ
ሰላም ትግራይ ይኹን ኢትዮጵያ ዝረጋገፅ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ምፍፃም እንትከኣል እዩ።
ውዕሎ መጋባእያ
ብገበን ቕትለት ህፃን ናኦድ ዝተኸሰሱ ውልቀሰባት ፍርዲ ከምዝተበየነሎም ኮምሽን ፖሊስ ፀብፂቡ።
ስሙር ግንባር ውናትን ሳወትን
ክልቲኤን ውድባት ዝገበርኦ ሓበራዊ ስምምዕ ሓደጋ ገጢምዎ ዘሎ ብሄራውነት ትግራይ ንምምዕርራይ ከምዝኾነ ገሊፀን።
ተኸላ መንግስትነት
ትግራይ ክትዕርይን ናብ ዝሓሸ ብራኸ ክትሰጋገርን ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስትነት ክትከል ይግባእ።
ነዳዲ ኣብ ኢትዮጵያ
ቀረብ ነዳዲ ንናይ ሰደድ ኩባንያታት፣ ንሕርሻን ህዝባዊ መጓዓዝያን ቐዳምነት ሂብካ ክዕደል እዩ።
መጥቃዕቲ ኢራን ኣብ ዱባይ
ኣብ ወደብ ዱባይ ዝዓረፈትን ዋንነታ ናይ ኲዌት ዝኾነትን ዘይተፃረየ ነዳዲ ዝፀዓነት መርከብ ብኢራን ከምዝተወዐቐዐት ኲዌት ገሊፃ።
ዘተ ሰብ መዚ ኢራንን ፈረንሳይንን
ክልቲኦም ሰብ መዚ ኣብ ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ ከምዝዘተዮ ተገሊፁ።
ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ መጋቢት
ናህሪ ኩናት ንምክልኻልን ባይታ ሰላም ንምስፋሕን ኣብ ኣገዳስነት መጠሻ ሓዱሽ መንግስትነት ትግራይ ምስራሕ የድሊ።
#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ