TBS TV

Category: ምስላዊ ዜና

🔴TBS TV| ዳግም ንብዓት ኣዶ መን ይኽእሎ? | ማሕበረሰባዊ ሓላፍነት ሚዲያ | መጥቃዕቲ ሞርታር መራሕቲ ሶማልያ | ዜናታት 26 መጋቢት 2018

ኣንደበት ፕረዚደነት
ሕቶ ትግራይ ንክምለስ ተጋሩ ኣብ ሓደ ክንዓስል ይግባእ ።

ሕማም ዕቡድ ከልቢ
ሕማም ዕቡድ ከልቢ ኣብ ወረዳ ኣስገደን ራያ ዓዘቦን ከምዝተረኣየ ተሓቢሩ።

ማሕበረሰባዊ ሓላፍነት ሚዲያ

ሕማማት ንምክልኻል ሚዲያታት ሓበሬታ ብምቕላሕ ሞያዊ ግዴተአን ክዋፀኣ ይግባእ ተባሂሉ።

ብሩራዊ እዮቤልዮ እኖታት ንእኖታት

ትካል ገባሪ ሰናይ እኖታት ንእኖታት ፀገም ማሕበረ ቁጠባ እኖታት ንምፍታሕ 25 ዓመት ተጊሃ።

ሓደጋ ፕሮጀክት ል/እንስሳ

ዘመናዊ ፕሮጀክት ሃለቃ ሞጎስ ራንች ብስንኪ ቀረብ ነዳዲ ኣብ ሓደጋ ይርከብ።

መጥቃዕቲ ሞርታር መራሕቲ ሶማልያ

ፕረዚደንት ሶማልያን መሳርሕቱን መጥቃዕቲ ሞርታር ከምዝበፅሖም ተገሊፁ።

ኣለሻ ፖይለት ኣሜሪካ

ኣብ ግዝኣት ኢራን ተወቒዓ ዝወደቐት ነፊሪት ውግእ ኣሜሪካ ንምርካብ ወታደራት ኢራንን ኣሜሪካን ኣብ ኣለሻ ኣለዉ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ መጋቢት
ናህሪ ኩናት ንምክልኻልን ባይታ ሰላም ንምስፋሕን ኣብ ኣገዳስነት መጠሻ ሓዱሽ መንግስትነት ትግራይ ምስራሕ የድሊ።

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴TBS TV| ኣብ “ሳልሳይ መንገዲ” ምእካብ | ዝቐፀለ ወጥሪ ኢራን | “ሓካይምና ይፀገሙ ኣለው” | ዜናታት 24 መጋቢት 2018

መልእኽቲ ቲቢኤስ
ሰላም ትግራይ ይኹን ኢትዮጵያ ዝረጋገፅ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ምፍፃም እንትከኣል እዩ።

ፈተና 12 ክፍሊ
ኣብ ዘመነ ትምህርቲ 2018 ዓ.ም ንዝዋሃብ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ዝተዳለው ዓይነታት ትምህርቲ ዕላዊ ኾይኑ።

ኣንደበት ኣብርሃም ተኸስተ

ትግራይ ዝተፈለየ መማረፅታት ክተናዲ ኣብ ዘገድድ ኩነታት ኣላ ክብል ገሊፁ።

“ሓካይምና ይፀገሙ ኣለው”

ክልከላ መሃያን ክፍሊት ትርፊ ሰዓትን ደው ብምባሉ ሓካይምና ኣብ ከቢድ ፀገም ኣለው።

“ሳልሳይ መንገዲ”

መዋፅኦ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ብተጋሩ ዝምእዘንን ተጋሩ ዝሓቑፍን ክኸውን ይግባእ።

ትራኦሬን ዲሞክራሲን

ብዕልዋ ወታሃደራዊ መንግስቲ ስልጣን ዝተቐፃፀረ መራሒ ብርኪናፋሶ ትራኦሬ ንዜጋታቱ ዲሞክራሲ ረስዕዎ ክብል ገሊፁ።

ዝቐፀለ ወጥሪ ኢራን

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ትሕቲ ቕርፂ ኢራን ዝፈፀመቶ መጥቓዕቲ ሞራላዊ ምንቁልቋል ክብል ሚኒሰተር ጉዳያት ወፃኢ እታ ዓዲ ገሊፁ።

ገበን ክሲ ንኢራን
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንኢራን ብገበን ኲናት ከምዝኸሰሰ ተሓቢሩ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ መጋቢት
ናህሪ ኩናት ንምክልኻልን ባይታ ሰላም ንምስፋሕን ኣብ ኣገዳስነት መጠሻ ሓዱሽ መንግስትነት ትግራይ ምስራሕ የድሊ።
#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴TBS TV| ቁልፊ ኣብ ትግራይ ዶ ሸዋ? | ዝተረሰዐ ኣጀንዳ ተመዛበልቲ | ደብዳበ ኢራን ናብ ኣሜሪካ | ዜናታት 24 መጋቢት 2018

ምዕፃው ኣብያተ ትምህርቲ

ብሰንኪ ዘይተኸፈለ መሃያ ኣብያተ ትምህርቲ ይዕፀዋ ኣለዋ።

ምቁራፅ ኣገልግሎት ጥዕና

መሃያ ደው ምባሉ ስዒቡ

ሰራሕተኛታት ጥዕና ንምሕካም ሓደሽቲ ሕሙማግ ከምዝፅገሙ ተገሊፁ።

ዝተረሰዐ ኣጀንዳ ተመዛበልቲ

ሕቱኽቱኽ መሪሕነት ትግራይን ኢ ሰብኣውነት መንግስቲ ፌዴራልን ጉዳይ ተመዛበልቲ ካብ ኣጀንዳነት ወሪዱ።

ግንባር ሳወትን ናፅነትን

ጥምረት ክልቲአን ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ንክዕርይን ዝሓሸት ትግራይ ንክትህሉን ዝዓለመ እዩ ተባሂሉ።

መዋፅኦ ትግራይ

ትግራይ ካብቲ ገጢምዋ ዘሎ ፀገም ንክትናገፍ ደቃ ብሄራውነት ኣብ ዘሰስን ስሙር ቃልሲ ክኣትዉ ኣለዎም።

መድረኽ ዘቋረፀ ባይቶና

ካልኣይ መዓልቱ ዝሓዘ ሃገራዊ ምኽክር ዘተ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ውድብ ባይቶና ዝነበሮ ተሳትፎ ከምዘቛረፀ ተገሊፁ።

ወጥሪ ግብፅን ሱዳንን

ኣብ ሱዳን ዝግበር ምስረታ መንግስትነት ተቐባልነት ኣይብሉን ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ገሊፁ።

ደብዳበ ኢራን ናብ ኣሜሪካ

እስራኤል ክሳብ ናይ መወዳእታ ደም ወተሃደር ኣሜሪካ ክትቃለስ ትደለይ እያ ክብል ፕረዚደንት ኢራን ማሱድ ገሊፁ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ መጋቢት
ናህሪ ኩናት ንምክልኻልን ባይታ ሰላም ንምስፋሕን ኣብ ኣገዳስነት መጠሻ ሓዱሽ መንግስትነት ትግራይ ምስራሕ የድሊ።

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴TBS TV| ትርጉም ዳስ ኣዲስ ኣበባ | “ምኽክር” ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ | ምውዳእ ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ | ዜናታት 23 መጋቢት 2018

መልእኽቲ ቲቢኤስ

ሰላም ትግራይ ይኹን ኢትዮጵያ ዝረጋገፅ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ምፍፃም እንትከኣል እዩ።

“ምኽክር” ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ መድረኽ ምኽክር ተጋሩ ሕቶ ሕጋውነትን ቅቡልነት ገጢምዎ።

“ትግራይ ክትመክር ኣለዋ”

ኣብ ትግራይን ብደቂ ትግራይን ክኸውን ዝግብኦ ዝነበረ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ሕቶ ቅቡልነት ኣልዒሉ።

ቅዋም ናፅነት ኣብ ምኽክር ኮምሽን

ንህዝቢ ወኪሎም ዝርከቡ ኣካላት ኣብ ዘይብሉ መድረኽ ምኽክር ኣይንሳተፍን ክብል ውድብ ናፅነት ገሊፁ

ቅዋም ዓረና ኣብ ምኽክር ኮምሽን

ብዛዕባ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምኽክር ምክያዱ ንዲሞክራሲ ላእላውነት ትግራይ ዝፃባእ እዩ ክብል ውድብ ዓረና ገሊፁ።

ምጅማር ስራሕ ባጃጃት መቐለ

ብኤልክትሪክ ዝሰርሓ ባጃጃት ንከተማ ንክኣትዋ ተባሂሉ ዝተወሰነ ውሳነ ከም ብሓዱሽ ተራእዩ ንክጅምራ ተወሲኑ።

ፃውዒት ጉባኤ ሃይማኖታት ትግራይ

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ፍትሒ ንክረክብ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ፀዊዑ።

ኣርጀንቲ ኣብ ጉዳይ ኢራን

ኣርጀንቲና ንሓለዋ ሰውራ ኢራን ግብረ ራዕዳዊ ትካል እዩ ክትብል ገሊፃቶ።

ምውዳእ ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ

ኲናት ኢራን ድሕሪ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰሙን ክዛዘም ይኽእል እዩ ክብል ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ገሊፁ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ መጋቢት
ናህሪ ኩናት ንምክልኻልን ባይታ ሰላም ንምስፋሕን ኣብ ኣገዳስነት መጠሻ ሓዱሽ መንግስትነት ትግራይ ምስራሕ የድሊ።

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴TBS TV| ስሙር ግንባር ንሓርነት | ተኸላ መንግስትነት | መጥቃዕቲ ኢራን ኣብ ዱባይ |ዜናታት 22 መጋቢት 2018

መልእኽቲ ቲቢኤስ

ሰላም ትግራይ ይኹን ኢትዮጵያ ዝረጋገፅ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ምፍፃም እንትከኣል እዩ።

ውዕሎ መጋባእያ

ብገበን ቕትለት ህፃን ናኦድ ዝተኸሰሱ ውልቀሰባት ፍርዲ ከምዝተበየነሎም ኮምሽን ፖሊስ ፀብፂቡ።

ስሙር ግንባር ውናትን ሳወትን

ክልቲኤን ውድባት ዝገበርኦ ሓበራዊ ስምምዕ ሓደጋ ገጢምዎ ዘሎ ብሄራውነት ትግራይ ንምምዕርራይ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ተኸላ መንግስትነት

ትግራይ ክትዕርይን ናብ ዝሓሸ ብራኸ ክትሰጋገርን ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስትነት ክትከል ይግባእ።

ነዳዲ ኣብ ኢትዮጵያ

ቀረብ ነዳዲ ንናይ ሰደድ ኩባንያታት፣ ንሕርሻን ህዝባዊ መጓዓዝያን ቐዳምነት ሂብካ ክዕደል እዩ።

መጥቃዕቲ ኢራን ኣብ ዱባይ

ኣብ ወደብ ዱባይ ዝዓረፈትን ዋንነታ ናይ ኲዌት ዝኾነትን ዘይተፃረየ ነዳዲ ዝፀዓነት መርከብ ብኢራን ከምዝተወዐቐዐት ኲዌት ገሊፃ።

ዘተ ሰብ መዚ ኢራንን ፈረንሳይንን

ክልቲኦም ሰብ መዚ ኣብ ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ ከምዝዘተዮ ተገሊፁ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ መጋቢት
ናህሪ ኩናት ንምክልኻልን ባይታ ሰላም ንምስፋሕን ኣብ ኣገዳስነት መጠሻ ሓዱሽ መንግስትነት ትግራይ ምስራሕ የድሊ።

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴TBS TV| እናኣስሐቐ ዝወስድ ውሕጅ | “ምኽክር” ኣብ ዝተመለሰት ትግራይ | ፃውዒት ሕብረት ኣፍሪካ |ዜናታት 21 መጋቢት 2018

መልእኽቲ ቲቢኤስ

ሰላም ትግራይ ይኹን ኢትዮጵያ ዝረጋገፅ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ምፍፃም እንትከኣል እዩ።

ኣንደበት ንጉስ ኣረፈ
ፀገም ህዝቢ ትግራይ ዝፍታሕ ብህዝቢ ዝምረፅ መንግስትነት ክትከል እንከሎ እዩ።

መዋፅኦ ሳልሳይ መንገዲ

ትግራይ ንክትድሕን እታ እንኮ መፍትሒት ኣብ ሳልሳይ መንገዲ ብዘሎ ኩሉ ዝኸስበሉ መዋፅኦ እዩ።

ኤልክትሪክ ባጅጅ ንከተማ

ሕፅረት ነዳዲ ስዒቡ ብኤልክትሪክ ዝሰርሓ ባጃጃት ንከተማ ንክኣትዋ ሰፊሕ ዕድል ኣሎ ተባሂሉ።

“ምኽክር” ኣብ ዝተመለሰት ትግራይ

ሃገራዊ ኮምሽን ዘተ ኢትዮጵያ ምኽክር ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከካየድ ምሕሳቡ ተቛውሞ ገጢምዎ።

ገስጋስ ዕቋርን ልቓሕን ዘመን

ትካላት ዕቋርን ልቓሕን መርኣያ ምንቕቓሕ ፋይናንስ እየን ተባሂሉ።

መዓልቲ ሓኻይም

ዓለም ለኸ መዓልቲ ሓኻይም ሎሚ ዕለት ይኽበር ኣሎ።

ፃውዒት ሕብረት ኣፍሪካ

ኣብ መንጎ ዞባ ደቡባዊ ምዕራብ ሶማልያን መንግስቲ ፌዴራልን ዝርአ ዘሎ ወጥሪ ንክሃድእ ዘተን ምኽክርን የድሊ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ መጋቢት
ናህሪ ኩናት ንምክልኻልን ባይታ ሰላም ንምስፋሕን ኣብ ኣገዳስነት መጠሻ ሓዱሽ መንግስትነት ትግራይ ምስራሕ የድሊ።

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴TBS TV| ዘይተዘረበሉ ክባን ዕፅዋን | መፍትሓት ሕፅረት ነዳዲ | ስርሒት ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ |ዜናታት 19 መጋቢት 2018

መልእኽቲ ቲቢኤስ

ሰላም ትግራይ ይኹን ኢትዮጵያ ዝረጋገፅ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ምፍፃም እንትከኣል እዩ።

ኣንደበት ፕረዝደንት ታደሰ

ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት መናእሰይ ናብ ኣመራርሓ ክመፁ ምግባሩ ንለውጢ ዘለዎ ቅሩብነት መርኣያ እዩ::

መፍትሓት ሕፅረት ነዳዲ

ኣብ ሰብ ንብረትን ተሳፋራይ ሕብረተሰብን ዝፍጠር ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ፅንዓት ዝተመስረተ ዳህሳስ ይካየድ ኣሎ::

ምፍፃም መምርሕታት

ብሰንኪ ሕፅረት ቐረብ ነዳዲ ዝወፀ ታሪፍ ተግባራዊ ንክኸውንን ተጋልጋላይ ግቡእ ግልጋሎት መጓዓዝያ ንክረኽብን ርብርብ የድሊ::

ስርሒት ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ

ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣውዲቖም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክስደቱ ኣብ ቆርቆሮ ተዓፅዮም ዝነበሩ ልዕሊ 90 መናእሰይ ከምዝተታሓዙ ተገሊፁ::

ዘተ ዩክሬንን ኢማራትን

ዩክሬንን ኢማራት ዓረብን ብዛዕባ ምትሕብባር ፀጥታን ምክልኻልን ከምዝዘተዩ ተገሊፁ;:

ቅልውላው ሆርሙዝ

ንግዲ መፃብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ሓድሽ ሓይሊ ዕማም ከምዝተጣየሽ ሕብራት ሃገራት ገሊፁ።

ዓለም ለኸ ምንጋዕ ነዳዲ

መንግስቲ ሩስያ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ሰደድ ነዳዲ ከምዝእገድ ኣፍሊጡ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ መጋቢት
ናህሪ ኩናት ንምክልኻልን ባይታ ሰላም ንምስፋሕን ኣብ ኣገዳስነት መጠሻ ሓዱሽ መንግስትነት ትግራይ ምስራሕ የድሊ።

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

🔴TBS TV| ትግራይ ድሕሪ ታደሰ | “ትግራይ ኣይትፀንሐኩምን”| መድረኽ ምኽክር ኣብ ኣዲስ ኣበባ|ዜናታት 18 መጋቢት 2018

መልእኽቲ ቲቢኤስ

ሰላም ትግራይ ይኹን ኢትዮጵያ ዝረጋገፅ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ምፍፃም እንትከኣል እዩ።

መድረኽ ምኽክር ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ሃገራዊ ኮምሽን ዘተ ኢትዮጵያ ኣጀንዳ ትግራይ ንምእካብ ዘኽእል መድረኽ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ትግራይ ድሕሪ ታደሰ

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናይ ስልጣን ግዜኡ ምግብዳዱ ምምሕዳር ዘመዓራሪ ሓዱሽ ካውንስል ክምስረት እዩ ተባሂሉ።

“ትግራይ ኣይትፀንሐኩምን”

ህዝቢ ትግራይ ብምኽንያት ስሱዕ ናይ ስልጣን ባህጊ መራሕቱ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ::

ፈተናተት ፖል ካጋሜ

ፕረዚደንት ሩዋንዳ፡ መንግስቱ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ትካላት ዝገብሮ ዘሎ ጭፍጨፋ፡ መጥቃዕቲ ሃይማኖት ኣይኮነን ክብል ገሊፁ::

ትእዛዝ ዶናልድ ትራምፕ

ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳድን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ኢራን ዝፍፀም ዘሎ መጥቃዕቲ ን10 መዓልታት ደው ንክብል ኣዚዙ::

ኢራንን ሆርሙዝን

ኢራን መራኽብ ብመፃብቦ ሆርሙዝ ብውሑስ መንገዲ ንኽሓልፋ “ክፍሊት ምሕታታ” ተገሊፁ::

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ መጋቢት
ናህሪ ኩናት ንምክልኻልን ባይታ ሰላም ንምስፋሕን ኣብ ኣገዳስነት መጠሻ ሓዱሽ መንግስትነት ትግራይ ምስራሕ የድሊ።

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ