መልእኽቲ ቲቢኤስ
ሰላም ትግራይ ይኹን ኢትዮጵያ ዝረጋገፅ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ምፍፃም እንትከኣል እዩ።
ኣንደበት ንጉስ ኣረፈ
ፀገም ህዝቢ ትግራይ ዝፍታሕ ብህዝቢ ዝምረፅ መንግስትነት ክትከል እንከሎ እዩ።
መዋፅኦ ሳልሳይ መንገዲ
ትግራይ ንክትድሕን እታ እንኮ መፍትሒት ኣብ ሳልሳይ መንገዲ ብዘሎ ኩሉ ዝኸስበሉ መዋፅኦ እዩ።
ኤልክትሪክ ባጅጅ ንከተማ
ሕፅረት ነዳዲ ስዒቡ ብኤልክትሪክ ዝሰርሓ ባጃጃት ንከተማ ንክኣትዋ ሰፊሕ ዕድል ኣሎ ተባሂሉ።
“ምኽክር” ኣብ ዝተመለሰት ትግራይ
ሃገራዊ ኮምሽን ዘተ ኢትዮጵያ ምኽክር ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከካየድ ምሕሳቡ ተቛውሞ ገጢምዎ።
ገስጋስ ዕቋርን ልቓሕን ዘመን
ትካላት ዕቋርን ልቓሕን መርኣያ ምንቕቓሕ ፋይናንስ እየን ተባሂሉ።
መዓልቲ ሓኻይም
ዓለም ለኸ መዓልቲ ሓኻይም ሎሚ ዕለት ይኽበር ኣሎ።
ፃውዒት ሕብረት ኣፍሪካ
ኣብ መንጎ ዞባ ደቡባዊ ምዕራብ ሶማልያን መንግስቲ ፌዴራልን ዝርአ ዘሎ ወጥሪ ንክሃድእ ዘተን ምኽክርን የድሊ።
ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ መጋቢት
ናህሪ ኩናት ንምክልኻልን ባይታ ሰላም ንምስፋሕን ኣብ ኣገዳስነት መጠሻ ሓዱሽ መንግስትነት ትግራይ ምስራሕ የድሊ።
#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ