TBS TV

🔴TBS TV|ለውጢ፡ “ዓለም ንቕደሚት ንሕና ንድሕሪት” | ደሃይ ፍሩዳት ሞት|”ደገፍ ቻይና ኣይንደልን” |ዜናታት05ግንቦት 2018#tigraytoday#ህወሓት

ኣንደበት ሓዱሽ ፕረዚደንት

ምድንፋዕ ማእቶት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን መሰረት ኩለ መዳያዊ ቃልሲ ህልውናናን ድሕንነትናን እዩ ተባሂሉ።

ደሃይ ፍሩዳት ሞት

ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ሞት ዝተፈረዶም ወገናት ፍርዶም ንክስረዝ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ፊልም “ምድረ ሓቂ ” ኣብ ፖላንድ

ኣመፃፅኣን ፍሉይ ክብርን መስጊድ ኣል -ነጃሺ ዝሰነደ ሰነዳዊ ፊልሚ “ምድረ ሓቂ” ኣብ ፖላንድ ንምርኢት ተሓርያ።

ዝሕደስ ዘሎ ርክብ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝነበራ እገዳ ኣጽዋር ከምዘልዓለቶ ተገሊፁ።

“ደገፍ ቻይና ኣይንደልን”

ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ኢራን ደገፍ ቻይና ኣይድልየንን እዩ ክብል ገሊጹ።

ፈተና ዝገጠሞ ፅዋዕ ዓለም 2026

ስታድዮም ኣዝቴካ መኽፍቲ ፅዋዕ ዓለም ንምክያድ ኣብ ዝተቖረፀሉ እዋን ምጥሓል መሬት ኣጋጢምዎ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ግንቦት

ምስሳን ብሄራዊ ተረኽ ንዝተማለአ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ኣድላዪ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *