TBS TV

🔴TBS TV| ውግእ ዘሕበጦም ጁባታት | ኣንደበት ስየ ኣብርሃ | መግለፂ ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ | ዜናታት 25 ጥሪ 2018

🔴ዜናታት እዚ ዕለት

መልእኽቲ ቲቢኤስ
ፀገም ትግራይ ኣብ ትግራይን ብደቂ ትግራይን ንምፍታሕ ኩሉ ከካብ ዝኸዶ ጽንፊ መልሲ ክገብር ኣለዎ።

ብዋሕስ ክፍታሕ ተወሲኑ

ብ/ጀነራል ጉዕሽ ገብረ ድሕሪ ማእሰርቲ 16 መዓልቲ ሎሚ ብዋሕስ ክፍታሕ ተወሲኑ።

መግለፂ ውድብ ወለዶ

ውድብ ወለዶ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ዘይበለን ህዝባዊ ደገፍ ዘይብሉን እዩ ኢሉ።

መግለፂ ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ

እቲ ምንቅስቃስ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ኲናት ዝፍታሕ ብዘተን ልዝብን እዩ ክብል ገሊፁ።

ኣንደበት ስየ ኣብርሃ

ስየ ኣብርሃ ኣብ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ኲናት ምውላዕ ማለት ንዛ ዝተረፈትና ትግራይ ምስኣን ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ተስፋታት ሰላም ሱዳን

ኣብ ሱዳን ብዘሎ ኲናት ሕድሕድ ተቛሪፁ ዝነበረ ጉዕዞ መገዲ ኣየር ከምዝተጀመረ ተሓቢሩ።

እዱብ ኣንደበት
ቐንዲ ትኹረት ቲቢኤስ ወርሒ ጥሪ ዘይእዱብ ኣንደበታት ንትግራይ ዋጋ ከይኽፍሉ ጥንቓቀ ይጥልብ።

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *