TBS TV

🔴TBS TV| ኣሸንዳ ማይ ንጉሆ | መልክዕ ኣሸንዳ እዚ ዓመት | ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪካ | ዜናታት 30 ሓምለ 2018

መልእኽቲ ቲቢኤስ
ዋጋ ሰላም ዝርዳእ ኣብ ሓድነታዊ ቁመና ሓይልታት ብሄር ይሰርሕ።

“ኣሸንዳ ማይ ንጉሆ “
ብኣተሓባባሪነት ቪ ኣይፒ ኢቨንትስ፣ ቪ ኣይፒ ክለብን ሆቴል ሚላኖን ምስ ትካልና ቲቢኤስ ቲቪ ብምውዳድ ኣሸንዳ 2018 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብድምቀት ክኸብር እዩ።

መልክዕ ኣሸንዳ እዚ ዓመት
ኣሸንዳ 2018 ካብ 16-18 ነሓሰ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኮንቬንሽን ሴንተር ክካይድ እዩ።

ጉዳይ ዘውዱ ሃፍቱ
ብመቕተልቲ ዘውዱ ሃፍቱ ተጠርጢሮም ዝተፈረደሎም ወገናት ናፃ ምውፀኦም ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ቁጠዐ ፈጢሩ።

ተወልደ ገብረማርያም ኣየር መንገዲ ህንድን
መንገዲ ኣየር ህንዲ ንተወልደ ገብረማርያም ሓድሽ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ገይሩ ምሻሙ ዕላዊ ገይሩ።

ቅዋም ግብፅን ኢትዮጵያን
ኢትዮጵያ ኣብ ማይ ኣባይ ተወሳኺ ግድባት ክትሃንፅ ከምዘይትፈቅድ ሚኒስትር ሃፍቲ ማይን መስኖን ግብፂ ገሊፁ።

ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪካ
ኣሜሪካ ንኻልእ መሓዛ ቀርኒ ኣፍሪካ ዒላማ ንምግባር ምስ ኤርትራ ምስጢራዊ ስምምዕ ትገብር ኣላ ዝብል ወረ ነጺጋ።

ውሽጣዊ ውግእ ሶማልያ
ኣብ መንጎ መንግስቲ ሶማልያን ሓይልታት ፑንትላንድን ብዝተኻየደ ውግእ ሓይልታት ፑንትላንድ ሚዛን ምድፋኦም ተገሊጹ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ሓምለ
ኩሎም ሓይልታት ኣብ ምህዳእ ወጥሪ ኣድሂቦም ብምስራሕ ህዝቢ ትግራይ ካብ ካልእ ዙር ፀገም ከድሕኑ ይግባእ ተባሂሉ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *