TBS TV

🔴TBS TV| ብውግእ ዝድሕን የለን | ክሲ መንግስቲ ትግራይ | ተርእዮታት ሓደጋ ጥሜት | ዜናታት 25 ሓምለ 2018

መልእኽቲ ቲቢኤስ

ዋጋ ሰላም ዝርዳእ ኣብ ሓድነታዊ ቁመና ሓይልታት ብሄር ይሰርሕ።

ክሲ መንግስቲ ትግራይ
መንግስቲ ፌዴራል ሎሚ ብኣንፈት ሸረሪና ቅሉዕ ውግእ ጀሚሩ ኣሎ ክብል መንግስቲ ትግራይ ከሲሱ።

ፈተና 12 ክፍሊ ተዛዚሙ
ካብ 22 ሓምለ ጀሚሩ ክካየድ ዝፀነሐ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2018 ዓ.ም ምዝዛሙ ተገሊፁ።

ተርእዮታት ሓደጋ ጥሜት
ክራማት ሎሚ ዘበን ሓደጋ ድርቂ ተዓጂቡ ብምኻድ ደገፍ ኣካላት ይጠልብ ተባሂሉ።

ምምሕያሽ ኣገልግሎት ትራንስፖርት

ብሓይሊ ኤሌትሪክ ዝሰርሓ ዉልቀ ተሸከርከርቲ ኮድ 2ን 3ን ንህዝቢ ግልጋሎት መጓዓዝያ ንክህባ ተፈቒዱ።

ለበዳ ኢቦላ

ለበዳ ኢቦላ ኣብ ዓለም ካልኣይ ዝዓበየ ብርኪ ተስፋሕፋሒ ለበዳ ከምዝኾነ ብመረዳእታ ኣዲገፉ መንግስቲ እታ ዓዲ ኣፍሊጡ።

ሕማም ካላ-ኣዛር
ውድብ ጥዕና ዓለም ካላ-ኣዛር ዝተበሃለ ሕማም ብዝምልከት ሓድሽን ጽፉፍን መምርሒ ሕክምና ከምዘውፅአ ዕላዊ ገይሩ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ሓምለ
ኩሎም ሓይልታት ኣብ ምህዳእ ወጥሪ ኣድሂቦም ብምስራሕ ህዝቢ ትግራይ ካብ ካልእ ዙር ፀገም ከድሕኑ ይግባእ ተባሂሉ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *