TBS TV

🔴TBS TV| ኣብ መቕሎ ቀርኒ ኣፍሪካ | “ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣይፈረሰን” | ስምምዕነት ሓማሰን እስራኤልን | ዜናታት 24 ሓምለ 2018

መልእኽቲ ቲቢኤስ
ካብ ምምላስ ተመዛበልቲ ንላዕሊ ዝኸውን ኣጀንዳ ብዘይምህላዉ ኩሎም ሓይልታት ኣብዚ ከድህቡ ንፅውዕ።

ሰሙናዊ ትንበያ ዝናብ
ኣብ ዝቕፅል ዝህሉ ዝናብ መሰረት ገይርካ ቕድመ ምድላው ክግበር ፃውዒት ቐሪቡ።

ኣንደበት ኣስፋ ኣብርሃ

ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ክፍፀም ብዘይምኽኣሉ ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ክጋድድ ክኢሉ ኢሉ።

“ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣይፈረሰን”

ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ንክምለስ ኩሉ ገዲፍካ ናብ ምፍፃም ስምምዕ ፕሪቶርያ ምምላስ የድሊ ተባሂሉ።

ኢጋድ ኣብ ሱዳን

ኢጋድ ንዘላቒ ሰላምን ሕውየትን ሱዳን ኣብርቲዑ ከምዝስርሕ ገሊፁ።

መጥቃዕቲ ሓይሊ ኣየር ሱዳን

ሓይሊ ኣየር ሱዳን ኣብ ሰሜንን ምዕራብን ኰርዶፋን
መጥቓዕቲ ፈፂሙ።

ስምምዕነት ሓማሰን እስራኤልን

ሓማስ ኣፅዋር ንክፈተሑን እስራኤል ካብ ጋዛ ንክውፁን ዘኽእል ሰምምዕነት ከምዝተኻየደ ዕላዊ ኾይኑ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ሓምለ
ኩሎም ሓይልታት ኣብ ምህዳእ ወጥሪ ኣድሂቦም ብምስራሕ ህዝቢ ትግራይ ካብ ካልእ ዙር ፀገም ከድሕኑ ይግባእ ተባሂሉ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *