መልእኽቲ ቲቢኤስ
ካብ ምምላስ ተመዛበልቲ ንላዕሊ ዝኸውን ኣጀንዳ ብዘይምህላዉ ኩሎም ሓይልታት ኣብዚ ከድህቡ ንፅውዕ።
ምጅማር ፈተና 12 ክፍሊ
ብወረቐት ዝዋሃብ ፈተና 12 ክፍሊ ሎሚ ዕለት ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣክሱምን ኣዲስ ኣበባን ምሃብ ተጀሚሩ።
ፍርዲ ሞት ኣብ ስዑዲ ዓረብ
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ሞት ዝተፈረደሎም ወገናት ከምዝተቐተሉ ሂዮማን ራይትስ ዎች ፀብፂቡ።
ልቓሕ ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ
ብኲናት ንዝተሃሰያ ክልላት ትግራይ ኣምሓራን ዓፋርን ልቓሕ ከምዝህብ እቲ ባንኪ ገሊፁ።
ምትላል ገበን ኢንተርኔት
ብኢንተርኔት ተታሊሎም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዝርከቡ ዜጋታት ቑፅሪ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ክብል “IOM”ገሊፁ።
እኽሊ ዝሰረቐ ኮሎኔል
ዕቑር እኽሊ መንግስቲ ዝሰረቐ ኮሎኔል ብሞት ተቐፂዑ።
መጥቃዕቲ ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ
ኣሜሪካን ሱዑዲ ዓረብን ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ መጥቃዕቲ ፈፆሞም።
ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ሓምለ
ኩሎም ሓይልታት ኣብ ምህዳእ ወጥሪ ኣድሂቦም ብምስራሕ ህዝቢ ትግራይ ካብ ካልእ ዙር ፀገም ከድሕኑ ይግባእ ተባሂሉ።