TBS TV

🔴TBS TV| ሓንቲ ጥይት ሽሕ መልእኽቲ | “ኣብ ልዕሊ ቡፁኣነይ ፈተነ ቕትለት ተኻይዱ” | ዘይሃደአ ወጥሪ ኣሜሪካን ኢራንን | ዜናታት 30 ሓምለ 2018

መግለፂ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦ.ተ.ቤ.ት

እታ ቤተ ክርስትያን ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ቡፁኣነይ ፈተነ ቕትለት ተኻይዱ ኢላ።

መግለፂ ርክብ ህዝብን መንግስትን ከተማ ኣክሱም

ኣብ ግቢ መንበረ ሰላማ መንበሪ ቡፅኣን ኣቦታት ዝበፀሐ ፍፃመ ናይ ፀጥታ ኣካል ምፅራይ የካየድ ከምዘሎ እቲ ቢሮ ገሊፁ።

መግለፂ ቕዋም ትካላት ሚዲያን ኣንቃሕትን

ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓደጋ ናብ ናይ ህላወ ሓደጋ ምስግጋሩ ስዒቡ ትካላት ሚዲያን ኣንቃሕቲን ታሪኻዊ ግቡኦም ክዋፅኡ ኣለዎም ተባሂሉ።

ፀብፃብ “Middle East Eye”

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ሞት ዝተፈረደሎም ወገናት ድምፂ መንግስትን ዝተፈለላዩ ዲፕሎማስያኛታትን ይጠልቡ ኣለው።

ዘይሃደአ ወጥሪ ኣሜሪካን ኢራንን

ወጥሪ ክልቲኤን ሃገራት ምቁራጽ ተኹሲ ዝጥሕስን ንመራኽብ ሓደጋ ዝፈጥርን’ዩ ተባሂሉ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ሓምለ

ኩሎም ሓይልታት ኣብ ምህዳእ ወጥሪ ኣድሂቦም ብምስራሕ ህዝቢ ትግራይ ካብ ካልእ ዙር ፀገም ከድሕኑ ይግባእ ተባሂሉ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *