TBS TV

🔴TBS TV| ኣገኘሁ ተሻገር ዶ ጌታቸው ረዳ? | ሓይልታት ትግራይ ዘቖጠዐ ዉሳነ | ዕድጊት ነፈርቲ ውግእ | ዜናታት 16 ለካቲት 2018

🔴ዜናታት እዚ ዕለት🔴

ብሄራዊ ሓደጋ
መረፃ ክልል ፀለምትን ራያ ኣላማጣን ካብ ክልል ትግራይ ወፃኢ ንክኸውን ውሳነ ምምሕልላፉ ብሄራዊ ሓደጋ እዩ ተባሂሉ።

ሓይልታት ትግራይ ዘቖጠዐ ዉሳነ

ሎሚ ዕለት ብቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዝተወሰነ ውሳነ ሕገመንግስታዊ ሉኣላውነት ህዝብታት ዝጠሓሰ እዩ ተባሂሉ።

“ኣሉታዊ ሰላም”
ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ምትግባር ዝተራእዩ መሰረታዊ ክፍተታት እቲ ከባቢ ዳግም ድባብ ኩናት ከፅልሎ ምኽንያት ኮይኑ

መድኽ ሽልማት ኪነጥበብ
ማሕበር ባህሊ ትግራይ ንልዕሊ 80 ሰብ ሞያ ባህልን ኪነጥበብን ሽልማት ክትህብ እያ።

ኣንደበታት ሰላም
ትግራይ ሰላማ ክተረክብ ደቃ ክትእክብ ይግባእ።

ሓዱሽ ዞባዊ ፍፃመ
ኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ዞባዊ ጸጥታ ናይ ሓባር ግንባር ይፈጥራ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

ክሲ ጀነራል ኣል ብሩሃን

ኣልቡርሃን፡ መንግስቲ ኡጋንዳ ንመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝገበሮ ኣቀባብላ ብትሪ ንኹንኖ ክብል ገሊፁ።

ዕድጊት ነፈርቲ ውግእ
ሶማልያ ምስ ፓኪስታን 24 ‘JF-17’ ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ብ900 ሚልዮን ዶላር ንምግዛእ ትዘራረብ ከምዘላ ተሓቢሩ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ለካቲት
ስግኣት ኩናት ኣብ ምንካይ፡ ዓቕሚ ብሄር ኣደልዲልካ ባላ ሰላም ኣብ ምድልደል ድፍኢት ክግበር ይግባእ::
#tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *