
ሓደ: ስትራቴጂካዊ መበገስን ራእይን እቲ መራሄ ካርታ
ድሕሪ ውግእ ዝግበር ናይ ትግራይ ናይ ስግግር መስርሕ፡ ብቐሊሉ ንሓደ ክልላዊ ምምሕዳር ብኻልእ ምምሕዳር ናይ ምትካእ ጉዳይ፡ ወይ ከኣ ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ፖለቲካዊ ስርዓት ብኻልእ ትካላዊ ስያመን ብርክን ናብ ቦታኡ ናይ ምምላስ ጉዳይ ተገይሩ ክውሰድ የብሉን። እዚ መስርሕ እዚ፡ ካብቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ናይ ብረት ቃልሲ፡ ፖለቲካዊ ምልኪ፡ ብረት ሓገዞ ምምሕዳር፡ ሰብኣዊ ሓደጋን ትካላዊ ፍርሰትን፡ ናብ ሰላማዊ፡ ሲቪላዊ፡ ብዙሕነታዊ፡ ተሓታቲ ከምኡ’ውን ኣብ ሕጊ ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ስርዓት ዝግበር ታሪኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ናይ ስግግር መስርሕ ተገይሩ ክረኣይ ኣለዎ። ስለዚ፡ እቲ ናይ ስግግር መስርሕ ነቶም ናይ ውግእ ቅሪታት፣ ነቶም ፖለቲካዊ ምልኪ ሓቑይፎም ዘጽንሑ መሓውራት፣ ብሰሪ ዕጡቓት ኣካላት ዝተፈጠሩ ዘይምትእምማናት፣ ምፍራስ ህዝባዊ ትካላት ከምኡ’ውን ዕንወት መሰረተ-ልምዓት፣ ምንግልታዕ ህዝቢ፣ ጾራት መነባብሮ፣ ዱሩዕ ግፍዒ ዝወለዶም ስነ-ልቦናዊ ሳዕቤናት፣ ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ፖለቲካዊ ትካላት ዝነበረ ዓሙይቕ ናይ ህዝቢ እምነት ናይ ምፍራስ ሓደጋታት ብሓደ ግዜ ዝኣሊ ክኸውን ኣለዎ።
ቀንዲ ዕላማ እዚ ናይ ስግግር ዕማም፡ ተጋሩ ካብ ናይ ሃለዋት ፖለቲካ ናብ ናይ ዜግነት ፖለቲካ ክሰጋገሩ ዝኽእሉሉ ናይ ስግግር ኣንፈት ክሕብርን ክመርሕን እዩ ክኸውን ዝግባእ። እዚ ማለት ከኣ፡ ንኣገዳዲ ፖለቲካዊ መስርሕ ብወለንታዊ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ምትካእ፣ ንወታደራዊ ብረት ሓገዞ ፖለቲካ፡ ብሲቪላዊ ስልጣን ምትካእ፡ ንፖለቲካዊ ምልኪ ብብዙሕነት ምትካእ፣ ንናይ ሰብኣዊ ጽግዕተኛነት ብሰረታዊ ናይ መነባብሮ ለውጢ ምትካእ፣ ንምንግልታዕ ተመዛበልቲ ብክብሩ ዝሓለወ ምልሰት ምትካእ፣ ከምኡ’ውን ነቶም ናይ መኸተ ትካላት ብተሓታትነት ዘለዎም ሕገ-መንግስታዊ ትካላት ምትካእ ዝሓቖፈ እዩ። ናይዚ መስርሕ እዚ ናይ መወዳእታ ናይ ዓወት መዓቀኒ ድማ፡ ሓደ ፖለቲካዊ ሓይሊ ንኻልእ ምስዓሩ ንምርግጋጽ ዘይኮነስ፡ ትግራይ እቲ ዝሓለፈቶን እተሕልፎ ዘላን ፖለቲካዊ ልቋምን ንሱ ዝወለዶ ግፍዒን ደጊሙ ከይፍጠር ምግባር እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዜጋታት ፖለቲካዊ መጻኢኦም ብሰላማዊን ዲሞክራሲያዊን መንገዲ ክውስኑ ዕድል ምፍጣር ዝኽእላ ትካላት ወኒና ምውጻእ እዩ።
ስለዚ፡ እቲ ናይ ስግግር መስርሕ ብሓደ እዋን ዝካየድ ኣጽዋር ናይ ምውራድ ወይ “ዴሚሊታራይዜሽን” ስራሕ ሓዊሱ፣ ትግራይ ናብ ሲቪል ፖልቲካ ምእታው (ሲቪላይዜሽን)፣ ትካላዊ ሕውየት ምርግጋጽ፣ ፖለቲካዊ ምድህሃል ደው ምባል፣ ማሕበራዊ ሕወየትን ዲሞክራሲያዊ ለውጥን ናይ ምምጻእ መስርሕ ተገይሩ ክውሰድ ኣለዎ። እዚ መራሄ ካርታ እዚ ነቲ ናይ ስግግር መስርሕ ዘድልዩ ሽዱሽተ ህጹጻትን ብሓደ ዝተኣሳሰሩን ሓላፍነታት የነጽር። ንሳቶም ድማ ምርግጋጽ ሰላምን ጸጥታን፣ ምጅማር ህዝባዊ ኣገልግሎት፣ ኣቕርቦትን ምሕደራን ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ምጅማር ስርሓቲ ሕወየትን ዳግማይ ህንጸትን፣ ምዕማም ናይ ውሽጢ ተፈናቐልቲ ብክብሪ ናይ ምምላስን እግሪ ናይ ምትካልን ስርሓቲ፣ ከምኡ’ውን ንነጻን ፍትሓዊን ህዝባዊ መረጻ ዝኽውን መሰረት ናይ ምንባር ስርሓቲ እዮም። እዚኦም ከም ዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ክረኣዩ የብሎምን። እኳ ዳኣ እዚኦም ንሓደ ናይ ስግግር መስርሕ ተደጋጊፎም ዝቖሙ ኣካላትን ወፍርታትን እዮም።
ስለዚ እቲ ስትራቴጂያዊ ራእይ፡ ናይ ህዝቢ እምነት ክረክብ ዝኽእል እኹል ሕጋውነት ዘለዎ ኣካል ናይ ምፍጣር እዩ። ፖለቲካዊ ምግላልን ተነጽሎን ፍልፍል ሓድሽ ግጭት ከይኸውን ዝከላኸል ብቑዕን ኣካታቲን ዝኾነ ኣካል ናይ ምፍጣር ጉዳይ እዩ። ዕጡቓት ኣካላት ነቲ መስርሕ ከየማራስሕዎ ዝከላኸል እኹል ጸጥታ ዘለዎ ኣካል ናይ ምፍጣር ጉዳይ እዩ። ከምኡ’ውን እቲ ሕዚ ዝፍጠር ምምሕዳር ናብ መረጻ መጸጋገሪ ምዃኑ ተሪፉስ፡ ናብ ካልእ ናይ ዘይተወሰነ እዋን ፖለቲካዊ ምምሕዳር ከይቕየር ሓለዋ ናይ ምግባር ዋኒን እዩ። እዚ ከይኾን ዝከላኸል እኹል ግን ጊዝያዊ ዝኾነ ናይ ስግግር ስርዓት ምምራሕ ዕማሙ ዝገበረ ኣካል ክፍጠር ኣለዎ። እቲ ናይ ስግግር መስርሕ ካብ መጀመርትኡ፡ ድሕሪ ዉሱን ዕማማት ብገዛእ ባዕሉ እውን ዘየድልየሉ ኩነታት ንምፍጣር ብዘኽእል መንገዲ ዝተነደፈ ክኾን ኣለዎ፡፡ ትካላዊ ዕላምኡ ክኾን ዝግባእ፡ ህዝቢ ሕጋዊን ሕገ-መንግስታዊን መንግስቲ ብነጻነት ዝመረጸሉን ብሰላም ስልጣን ዝሰጋገረሉን ኩነታት ምፍጣር ክኾን ይግባእ።
ናይዚ ኣቀራርባ እዚ ኣገዳስነት ልዑል ዝገብሮ፡ ብፍላይ ትግራይ ብሓደ እዋን ኣብ ፍሉያት ናይ ስግግር መስርሓት ትሕልፍ ከምዘላ ስለዝእመን እዩ። ካብ ውግእ ናብ ሰላም፣ ካብ ወታደራዊ ፖለቲካ ናብ ሲቪላዊ ፖለቲካ፣ ካብ ሰብኣዊ ሓደጋ ናብ ሕወየት፡ ካብ ፖለቲካዊ ምልኪ ናብ ብዙሕነት፡ ከምኡ’ውን ካብ ትካላዊ ፍርሰት ናብ ሕገ-መንግስታዊ ሕውየት ትሰጋገር ኣላ። ወይ ንሱ ትጠልብ ኣላ። ስለዚ እቲ ናይ ስግግር መስርሕ ብቐሊሉ ሓደ ምምሕዳር ብኻልእ ምምሕዳር ናይ ምቕያር ወፍሪ ዘይኮነስ፡ ነቲ ብተደጋጋሚ ህዝቢ ግዳይ ግፍዒን ቀጻሊ ጎንጽን ክኾን ዝገበረ ፖለቲካዊን ትካላዊን ኩነታት ንምቕያር ዝገብር ፈተነ እዩ ክኾን ዝግባእ።
ክልተ፡ ገዛእቲ መትከላት ስግግር
ቀዳማይ ገዛኢ መትከል እዚ ናይ ስግግር ወቕቲ እዚ፡ ንስምምዕ ምቁራፅ ተኹሲ ማለት እውን “ኮሃ”ን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ቃል ኪዳናትን ብሓድሽ መንፈስ ምሕዳስን ምሉእ ብምሉእ ንምትግባር እኹል ተበግሶ ምውሳድን ክኸውን ይግባእ። በዚ ድማ እቶም ተሰማማዕቲ ወገናት ከምኡ’ውን ዝምልከቶም ነዚ ስምምዕ ውሕስና ዝሃቡ ኣካላት ብዝተኣመመንሉ ፖለቲካዊ መስርሕ ኣቢሎም እቶም ዝድለዩ ኣፈፃፅማታት ምስ ሕዚ ዝተለወጡ ኩነታት ከላምዱ፡ ንቲ ዋና ሸቶ ድማ ተዋሲቦም ክሰርሑሉ ዘኽእል ኩነታት ክፍጠር ይግባእ። ዕላማ እዚ ገዛኢ መትከል፡ ነቲ ገዚፍ ኲናት ዘኽተመ መሰረታዊ ስምምዕ ብሓድሽ መንገዲ ምኽፋት ዘይኮነስ፣ ነቶም ዘይተወደኡ ወይ ዘይተተግበሩ ፖለቲካዊ፣ ፀጥታውን ሰብኣውን ጉዳያት ምፍጻም ክኸውን ኣለዎ። እዚ ናይ ስግግር መስርሕ እዚ፡ እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ዝሓዞም ኣገደስቲ ጉዳያት ኣብ ክንዲ ምትግባር ብከይዲ ሰላሕታዊ ግዜ፡ እቲ ስምምዕ ፖለቲካዊ ኣገዳስነቱ ዘጥፍእ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ከይኸውን ጥንቃቐ የድሊ። እኳ ዳኣ ተመጋጊቡ፡ ናይቲ ሕዚ ዝጥለብ ዘሎ ስግግር መሰረት ኮይኑ ከገልግል ኣለዎ። ነቲ ተኩሲ ናይ ምቁራፅ ስምምዕ ማለት እውን “CoHA” ኣካል እዚ ናይ ሕዚ ናይ ስግግር መስርሕ ምግባር ጥቕሙ ዓብዪ እዩ።
ካልኣይ ገዛኢ መትከል፡ ኩሉ ዘጠቓልል ፖለቲካዊ ሕቑፊ ማለት እውን ‘ፖሊቲካል ኣኮመደሽን’ እዩ። ዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ: ዓመፅን ጎንጽን ክሳብ ዝኾነነ፡ ድልየቱ ብሕጋውን ዲሞክራሲያውያንን መገድታት ኣቢሉ ንምፍጻም ፍቓደኛ ዝኾነ ኣብዚ ናይ ስግግር መስርሕ ናይ ምስታፍ ዕድል ክህልዎ ኣለዎ። እዚ መትከል እዚ ተግባራዊ ክኾን ዝግባእ፡ ዝሓለፈ ውድባዊ ወይ ታሪኻዊ ኣባልነት ከይሓሰብካ፣ ፖለቲካዊ ቅሪት ከይተጸባጸብካ እዩ። ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝመረጹን ሲቪላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ንዝቕበሉን ናይ ህወሓት ደገፍትን ኣካላትን እውን ዝኸውን ዕድል ክኸውን ኣለዎ። ዕላማ እዚ ስግግር ግን ናይ ዝኾነ ይኹን ናይ ቀደም ፖለቲከኛ ወይ ፖለቲካዊ ውድብ ፖለቲካዊ በሓታይነት ብሓድሽ ምፍጣር ወይ ህይወት ምስራዕ ዘይኮነስ፡ ነቶም ቅድም ኢሎም ኣብ ጎነጽ ዝነበሩ ወገናት ናብ ሰላማውያን ፖለቲካውያን ደጋፍነት ምልዋጥ ክኸውን ኣለዎ። ኣብዚ ናይ ስግግር ወቕቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ትግራይ ዝርከቡ ፖለቲካውያን ሓይልታት ማዕረን ትርጉም ዘለዎን ተሳትፎ ክህልዎም ምግባር ኣድላዪ እዩ። ዓመፅ ዝነፀጉን ዲሞክራሲያዊ ሕገ-መንግስታዊ መገዲ ዝተቐበሉን ናይ ህወሓት ኣካላት እውን ክኣትው ምግባር ነዚ ናይ ስግግር መስርሕ ስሉጥ ይገብሮ።
ሳልሳይ ገዛኢ መትከል፡ ንፖለቲካዊ ቁመና ናብ ሲቪላዊ ኣሰራርሓ ናይ ምቕያር ማለት እውን “Civilianization of politics” ዝምልከት ጉዳይ እዩ። እቲ ስግግር ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ስልጣንን ወታደራዊ ስልጣንን ንፁር ዝኾነ ትካልዊ ዶብ ክተክል ኣለዎ። ዝኾነ ይኹን ዕጥቂ ዝሓዘ ውድብ ብሰንኪ ወታደራዊ ዓቕሙ ፖለቲካዊ ስልጣን ክሕዝ እንተዘይፍቀዶ፡ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ እውን ኣገልጋሊኡ ዝኾነ ወታደራዊ መዋቕር እንተዘይህልዎ እቲ ስግግር ጥዕና ዘለዎ ይኸውን። መሓውር ፀጥታ ኣብ መወዳእታ መሳርሒ ውድባዊ ፖለቲካ ካብ ምዃን ዲሒኖም፣ ኣገልገልቲ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ህዝባዊ መንግስቲን ክኾኑ ኣለዎም። እዚ መትከል እዚ ብፍላይ ሕዚ ኣገዳሲ ዝከውን ዘሎ መንእሰይ ኣብ ኣገዳዲ ዕስክርናን ውጽለትካ ዝሰድድ ስደትን ተሸሚሙ ብምጽንሑ እዩ። እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ጉዳይ ፖለቲካዊ ሓርነት ናይ ጸጥታ ትካላት ኣዝዩ ህፁፅ እዩ። ንፖለቲካዊ ውድብ ዝተዓሰበ ኣካል ጸጥታ፡ ወይ ብወታደራዊ ሓይሊ ዝምራሕ ብረት ሓገዞ ፖለቲካዊ ወፍሪ፡ ኣብ ድሕሪ ኲናት ዝህሉ ስግግር፡ ሓደጋ ኣለዎ። ስለዚ ፖለቲካኻ ሲቪል ምግባር ኣዕርዩ ህጹጽን ኣገዳስን እዩ።
ራብዓይ ገዛኢ መትከል፡ ናይ ፀጥታ ሴክተር ብሲቪል ሓይሊ ምቁፅፃርን ብሞያዊ መንገዲ ምውዳብን ዝምልከት እዩ። ዕላማ እዚ መትከል፡ ሓደ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልጊስካ ብካልእ ዕጡቕ ጉጅለ ምትካእ ክኸውን የብሉን። እኳ ዳኣስ ዕላሙኡ ብሕጊ ዝሰርሑ፣ ሰብኣዊ መሰላት ዘኽብሩ፣ ንሲቪላዊ ሰልጣን ዝግዝኡን ህዝባዊ ተቐባልነት ዘለዎምን ናይ ፀጥታ ትካላት ምፍጣር ክኸውን ኣለዎ። ስለዚ እቲ ስግግር፡ ናይ ፀጥታ ትካል ንፖለቲካዊ ስልጣን መሳልል ኮይኑ ዘገልግል ዘይኮነስ፣ ፖለቲካዊ ስልጣን ንናይ ፀጥታ ትካል ዘመሓድር ሕጋዊ ስልጣንን ጉልበትን ዘለዎ ሓይሊ ኽከውን ኣብ ምግባር ትኹረት ክገብር ኣለዎ።
ሓሙሻይ ገዛኢ መትከል እዚ ስግግር፡ ንግዳያት ማእከል ዝገበረን ንጎነጽ በዓል ረቂቕ ቆርበት ማለት እውን “conflict-sensitive” ዝኾነን ናይ ህንጸት መስርሕ ዝተኸተለን ክኸውን ኣለዎ። ዳግመ-ህንጸት ኣብ ጎደናታት፣ ህንጻታት፣ ኤሌክትሪክን መሳርዕ ዕዳጋን ጥራሕ ዝሕጸር ክኸውን ኣይኽእልን። እቲ ኲናት ንትካላት፣ ማሕበረሰባት፣ ስደራ ቤታት፣ መንነታት፣ መነባብሮትታ፣ ማሕበራዊ ምትእስሳራት እንኮላይ ናይ ውልቀሰባት ስነ-ልቦናዊ ምንጋዓት ዘሳጥሐ እዩ። ስለዚ “ዝበለፀ ገይርካ ምህናፅ” ማለጥ እውን “Build Back Better” ዝብል ገዛኢ መትከል ሒዙ ኣብ ባይታ ክትርጎም ኣለዎ። ዳግመ-ህንጸት ካብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ንላዕሊ ዝበለፀ ሕጋውነትን ኩሉ ዘጠቓልል ሕደሳን የድሊ። ፈተና ዝጻወርን ትካላት ዝፈጥርን ማሕበራዊ ሕዳሰ ክፈጥር ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ። እዚ መስርሕ እዚ ሰብ ማእከል ዝገበረ፣ ንተጎዳእቲ ይኹን ንግዳያት ተጻቦኦ ረቂቕ ቆርበት ዝተላበሰ ማለት እውን ‘ቪክቲም ኤንድ ኮንፍሊክት ሰንተርድ’ ዝኾነ ከይዲ ዳግመ ህንጸት ይሓትት።
ሽዱሽይ ገዛኢ መትከል፡ ጉዳይ እቲ ብሕውየትን ዕርቀ-ሰላምን ዝተሰነየ ምርግጋጽ ተሓታትነት እዩ። ተሓታትነት ብቕጽዓት ጥራሕ ክርአ የብሉን። ዕርቂ እውን ኣብ ክንዲ ምርግጋጽ ፍትሒ ዝመጽእ መታካእታ ክኸውን የብሉን። ትግራይ ሓቂ ዘውፅእ፣ መጉዳእቲ ግዳያት ዝኣምን፣ ንዓበይቲ ጥሕሰታት መሰል ዝፍውስ፣ ግቡእ ተሓታትነት ዘመቻችው፣ ካሕሳታት ዝህብን ናብ ማሕበራዊ ምሕዋይ ዝወስዱ መገድታት ዘአንፍትን ናይ ስግግር ፍትሒ ማለት እውን “transitional justice” ትደሊ። እዚ ናይ ስግግር ወቕቲ እዚ ብኣግብቡ ክፍጽም ናጽነት፣ ግቡእ ናይ ሕጊ መስርሕን ምስ ሃገራውን ኣህጉራውን መትከላት መሰል ሰብ ዝኸይድ ምንቅስቃስን ምትእትታው ኣገዳሲ ይኸውን። ዓለም ለኻዊ ባእታት ስግግር ፍትሒ ምስ ኣብ በብ ከባቢኡ ዘለዉ ኣሰራርሓታት ኣናቢብካ ምስራሕ ከም ስልቲ ምጥቃም ክተባባዕ ኣለዎ።
ሽብዓይ ገዛኢ መትከል፡ “ሱብሲዲያሪቲ” ማለት እውን ስልጣን ናብ ታሕቲ ምውራድን ናይቲ ከባቢ በዓል ዋንነት ማለት እውን ‘ሎካል ኦውነርሽፕ’ ዝተረጋገጸሉ ክኸውንን ኣለዎ። ምሉእ ብምሉእ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈነወ ስግግር፡ ነቲ ጎነጽ ምኽንያት ዝኾነ ናይ ፖለቲካ ጓንነት ማለት እውን “alienation” ብሓድሽ ናይ ምፍጣር ሓደጋ ዳኣ የምጽእ እምበር ሞፋ ስግግር ክህልዎ እዩ ኣይብሃልን። ብተፃራሪኡ ድማ፡ ኣብ ትግራይ ብሓደ ፖለቲካዊ ደንበ ጥራሕ ዝመሓደር ስግግር እውን ነቲ ናይ ፖለቲካ ገባታይነት ነባር ጸገም ብሓድሽ ደኣ ክደግሞ ዕድል ይኸፍት እምበር መስኮት ስግግር ክህልዎ ኣይኽእልን። ስለዚ እቲ ዝግባእ ባህርያዊ ሞዴል ምኽታል፡ ማለት እውን ናይ ፌደራል ትካላት፣ ናይ ትግራይ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ሲቪልን ሲቪክን ማሕበራት፣ ሃይማኖታውያንን ትካላት፣ ናይ ሞያ ማሕበራት፣ ደቂ ኣነስትዮ፣ መንእሰያት፣ ግዳያት፣ ዝተመዛበሉ ማሕበረሰባትን ኣህጉራውያን መሻርኽትን ብንጹር ብዝተወሰነን ዝፍለጥን ትካላዊ ሓላፍነት መሰረት ዝሳተፉሉ መድረኽ ክኾን፡ እዚኦም ኩሎም ድማ ብምይይጥ ብዝፈጥርዎ ናይ መደምደምታ ሽርክነት ወይ “partnership” ክምራሕ ምግባር ነቲ ስግግር ምዕሩይ ይገብሮ።
ሻምናይ ገዛኢ መትከል፡ እቲ ስግግር ብግዜ ዝተወሰነ ክኸውን ናይ ምግባር ጉዳይ እዩ። ዕድመ ግዜያዊ ምምሕዳር ወይ “caretaker administration” ቀዋሚ ፖለቲካዊ ባይታ ኣንጋሕጢጥካ ኣብ ምሓዝ ክምስረት የብሉን። ሓላፍነት እዚ ኣካል፡ ብንጹር ኣብ ዝተቐመጡ ዋኒናት ማለት እውን ምውሓስ ፀጥታ፣ ምህናጽ ትካላት፣ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት፣ ምፍምጻ መደባት ዳግመ-ህንጸት፣ ሕደሳ ዝተሰበሩ ቀላጽም ልምዓት እቲ ክልል፡ ከምኡ እውን ምንጻፍ ባይታ ህዝባዊ መረጻታት ኣብ ዝብሉ ዝተወሰነ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ትክክለኛ ንውሓት ግዜ ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እዚ ኣብ ምፍጻም ክምስረት ኣውዎ። ብንጹር ዝተቐመጡ ናይ ስግግር ዕማማት ሒዝካ ነቲ ትካል ምምዛን ከምዘለዎ እንከሎ ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመት ዝኣክል ግዜ ግን ክሰርሕ ይኽእል።
ሰለስተ፡ ምስረታ ሓቛፊ ግዝያዊ ምምሕዳር
ምምስራት ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ናይቲ ስግግር ማእከል ትካላዊ ስሕበት ክኸውን ኣለዎ። እዚ ነቲ ናይ ቀደም ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ምምላስ ወይ ድማ ኣብ መጀመርታ እቲ ስግግር እቲ ናይ ፀጥታ ኩነታት ዝተቖፃፀረ ሓይሊ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ዘጠናኽረሉ መሳርሒ ገይርካ ምውሳድ ከይኸውን ፍሉይ ስራሕ ይደሊ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ነባር ብሓዱሽ ናይ ምቕያር ወፍሪ ክኸውን የብሉን። ንህዝባዊ ኣገልግሎት ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ ቦታታት ነባር ቅርጺ ምምሕዳር ምቕፃል ከምዘለዎ እናሃለወ፡ ግን ነቲ ዝጸንሐ መዋቕር ናብ ረብሓ ንምውዓል ዘኽእል ፖለቲካዊ ምድላዋት የድልዩ እዮም። ተኸታተልቲ ምይይጣት ኣካይድካ ካብቲ ዝነበረ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ዝውሰድ ምውሳድ ናይ በላሕቲ እዩ።
ስለዚ እቲ ሓድሽ ምምሕዳር፡ ሕጋውነቱ ኣብ መንጎ እቶም ቀንዲ መሻርኽቲ ካብ ዝግበር ንፁር ናይ ስግግር ስምምዕ ዝውለድን ብንፁር ዝተወሰነ ሕጋዊ ሓላፍነት ሒዙ ዝሰርሕን ክኸውን ኣለዎ። መዋቕሩ ንፖለቲካዊ ውድባት፣ ሲቪል ማሕበራት፣ ናይ ሞያ ማሕበራት፣ ደቂ ኣነስትዮ፣ መንእሰያት፣ ግዳያትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ትርጉም ዘለዎ ውክልና ዝህብ ክኸውን ኣለዎ። ውክልና ብብዝሒ ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ ስግግር ናይ መላእ ማሕበረሰብ ከም ዝኾነ ንምእማን ኣብ ዘኽእል ተፈጥሮ ዝተመሰረተ ክኸውን ኣለዎ።
ኣብዚ ሓይሊ ፌደራል ምስታፍ እውን ማዕረኡ ኣገዳሲ እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ተሳትፎ ብጥንቃቐ ዝተወደበ ክኸውን ይግባእ። መንግስቲ ፌደራል ካብቲ ስግግር ኢዱ ኣውጺኡ ኩሉ ነገር ነቶም ናይ ትግራይ ፖለቲካውያን ተዋሳእቲ ሓይልታት ሂቡ፡ ኩሉ ባዕሎም ክፈትሕዎ ክሓድጎም የብሉን። ወይ ድማ ናይ ሓደ ወገን ምምሕዳራዊ ምድላውን ድልየትን ክጸዓን የብሉን። ሓይሊ ፌደራል: ከም ሓደ ናይቲ ናይ ሰላም መስርሕ ተደላዪ ኣካል መጠን፡ ብዛዕባ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት፣ ምኽባር ፀጥታ፣ ትግበራ ህዝባዊ ምምሕዳርን ምትግባር ናይ ሰላም ስምምዕን ዝምልከት ሕጋዊ ሓላፍነት ኣለዎ። ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ ምስታፍ ሓይሊ ፌደራል ብግልፅነት ክምራሕ: እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር መፈጸሚ ድልየት ፌደራልን መሳርሒ ፖለቲካዊ ቁጽጽርን ተገይሩ ከይውሰድ፡ ብኣሰራርሓታትን ሕግታትን ዝተሰነየ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ኣብ ፈላማይን ካልኣይን ግዝያዊ ምምሕዳራት ዝነበረ፡ ነቲ መስርሕ ንውሽጣዊ ፖለቲካውያን ተዋሳእቲ ጥራሕ ዝሓደገ ኣካይዳ ዝኣረመ ክኸውን ምእንታን ሕዚ ናይ ፌደራል ውክልና ኣድላዪ ይኸውን።
ዓመፅ ዝነፀጉ ናይ ቀደም ናይ ህወሓት ኣመራርሓን ደገፍቲን ናብዚ ወፍሪ ስግግር ምእታው ካልእ ኣገዳሲ ነጥቢ እዚ ናይ ስግግር ከይዲ እዩ። ፖለቲካዊ ጓንነት ምፍጣር ሓደ ዝተሰዓረ ፖለቲካዊ ውድብ ኽህልዎ ዝኽእል ፅልዋ ንምጥፋእ ብሉጽ መገዲ ይመስል ይኸውን። እንተኾነ ግን ተጻራሪ ውጺኢቱ እዩ ዝፈጥር። ዓበይቲ ደገፍ ህዝቢ ኣለዎም ዝብሃሉ ፖለቲካዊ ኣካላት “መድረክ ተዓፅይዎም እዩ” ዝብል መደምደምታ እንተደኣ ተፈጢሩ ሓደጋ እዩ። ዝነበረ ኩሉ ምጥፋእ ኣብ ስግግር፡ ስግግር ዘይኮነስ ተፃራሪ ውፅኢት ክፈጥር ይኽእል እዩ። ስለዚ እቲ ስትራቴጂካዊ ዕላማ እዚ ስግግር ክኸውን ዘለዎ፡ ንዕጡቓት ወይ ዕጡቓት ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ንዘለዎም ፖለቲካውያን ደገፍቲ፡ ብረት ሓገዞ ፖለቲካ ገዲፎም፡ ናብ ሰላማውያን ፖለቲካውያን ሓይልታት ምልዋጥ ክኸውን እዩ። ክሰሓት ዘይብሉ ሓቂ ግን፡ ነዚኦም ናብ መስርሕ ምእታው፡ ኣብ ሓደ መሰረታዊ ነጥቢ ክምስረት ኣለዎ። ንሱ እውን፡ ናይቶም ሓይልታት ንሕገ-መንግስታዊ ፖለቲካ ዘለዎም ቅሩብነት፣ ንፖለቲካዊ ዓመፅ ዘለዎም ነጻጋይነት፣ ንሲቪላዊ ስልጣንን ናይ ዲሞክራሲያዊ ውድድር ሕግታትን ዘለዎም እምነት ዝተወሰነ ክኸውን ኣለዎ።
እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ግዝያዊ ስራሕ ፈጻሚ ኮሚቴ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘይኮነስ ናይ መንግስቲ ትካላዊ መዋቕር ክህልዎ ምግባር ነዚ ስግግር ወሳንነት ኣለዎ። ንስግግር ዝስከም ኣፈፃሚ ኣካል፣ ተወካሊ ሕጊ ዘውፅእ ኣካልን ነፃ ዝኾነ ናይ ፍትሒ መዋቕርን ክተክል ኣለዎ። ስልጣን እዞም መንግስቲ-መሲል ኣካላት፡ ብንፁር ዝተወሰነ፣ ብናይ ሓደ እዋን ስልጣን ዝግደብን ንህዝቢ ተሓታቲ ዝኾነን ክኸውን ኣለዎ። ብግቡእ ካብ ዝተዋደዱ ሲቪላዊ ሕጊ መኽበሪን ናይ ፀጥታ ትካላትን ወፃኢ፡ ዝኾነ ይኹን ወታደራዊ ኣካል ኣብ ውሽጢ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ፖለቲካዊ ኢድ ክህልዎ የብሉን።
ፕሮግራም ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ብተና ስልጣንን ማለት እውን “Democratization and Decentralization Reform Programme” ከም ሓደ ካብቶም ቀንዲ ትካላዊ መሳርሕታት ስግግር መጠን፡ ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ክጅመር ኣለዎ። ዕላማኡ ነቲ ናይ ሓደ ሕብሪ ፖለቲካ ትካላዊ ቅሪት ምፍራስ፡ ኣብ ክንዱኡ ድማ ፖለቲካዊ ብዙሕነት ምስሳን፣ ትርጉም ዘለዎ ናይ ከባቢ ተሳትፎ ምርግጋጽ፣ ስልጣን ናብ ታሕተዋይ ጸፍሒ ምምሕዳር ምውራድ፣ ተሓታትነት ዘለዎም ህዝባዊ ትካላትን ተወዳዳሪ ፖለቲካዊ ውድብን ክህሉ መሰረት ምንጻፍ ክኸውን ኣለዎ። “Democratization and Decentralization Reform Programme” ንናይ መረፃ ግዜ ክመሓላለፍ ዘለዎ ዋኒን ኣይኮነን። መረፃታት ኣብ መወዳእታ ትርጉም ዘለዎም ዝኾኑ፡ ነዚኦም ዝኸውን ትካላዊ ስቡሕ ግራት ክዳሎ እንተሎ ጥራሕ እዩ።
ኣርባዕተ፡ ምርግጋጽ ውሑስ ሰላም፣ ፀጥታን ምፍጣር ሲቪላዊ ፖለቲካን
እቲ ናይ ሓጺር ግዜ ፀጥታ ናይ ምውሓስ ዕላማ፡ ዜጋታት ካብ ዕጡቓት ኣካላት ምሕላው፣ ፖለቲካዊ ሕነ-ምፍዳይ ምትራፍ፣ ብግደታ ዝግበር ግፋ ወይ ዕስክርና ደው ምባል፣ ዘይሕጋዊነትን ዓመፅን ምቛም፣ ውሑስ ናይ ሲቪል ኸባቢ ምፍጣር ክኸውን ኣለዎ። ስለዚ ሰላም ናይ ምውሓስን ፀጥታ ናይ ምርግጋእን ዋኒን፡ ብወታደራዊ ቅልጽም ክፍታሕ ምፍቃድ ኣይግባእን። ጸገም ጸጥታ በዚ መገዲ እዚ ካብ ምፍታሕ፡ ኣብ ማሕበረሰብ ዘሎ ደረጃ እምነት ክብ ክብል ዘግብር ህንጸት ምኽታል ኣማራጺ ዘይብሉ ሕርያ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ናይ ስራሕ መገዲ ወይ “roadmap” ናይ ማሕበረሰብ ተሳትፎ፣ ናይ ከባቢ ምምሕዳርን ናይ ማሕበረሰብ ፖሊስን ከም ቀንዲ ኣካላት ናይቲ ናይ ቀረባ ግዜ ዓዲ ናይ ምርግጋእ ሓኽልታት ገይሩ የቐምጦም።
ሰላምን ጸጥታን ንምርግጋጽ፡ እቲ ቀደማይ ክውሰድ ዘለዎ ስጉምቲ፡ ሞያውን ብፖለቲካ ዘይተኾኩኰዐን ሕጊ ዘኽብር ኣካል ምምላስ ክኸውን ኣለዎ። ፖሊስን ካልኦት ናይ ሲቪል ፀጥታ ትካላትን ክምርመሩ፣ ሓድሽ ስልጠና ክወሃቦምን ኣብ ዘድልየሉ ቦታታት ድማ ሓደሽቲ ኣባላት ጸጥታ ክምልመሉን ኣለዎም። ምልመላ፡ ንሞያዊ ብቕዓትን ንሓቅነትን ዋጋ ዝህብ ክኸውን ይግባእ። ብተወሳኺ ኣብ በብከባቢኡ ህዝባዊ ተቐባልነት ዘለዎም ክኾኑ ይግባእ፡፡ እቲ ምልመላ ናይ ፆታ ውክልና ዘለዎ ምዃኑ ምርግጋጽ እውን የድሊ። እቶም ተመልመልቲ ንሰብኣዊ መሰላት ዘለዎም ኣኽብሮት ከም ቀዳምነት ዝውሰድ ረቋሒ ኽኸውን ኣለዎ። ኣብ እዋን ስግግር፡ ሓይልታት ፀጥታ ዝወሃቦም ስልጠና፡ ኣብ ናይ ሲቪል ፖሊስ ኣሰራርሓ፣ ናይ ህዝቢ ጸጥታ ኣመሓዳድራ፣ ሓለዋን ጥብቅናን ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ፆታ ዝተመሰረተ ዓመፅ ምክልኻል፣ ሓለዋ ቆልዑን ጉዱኣት ኣካልን፣ ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ ዕርቅን ኣለያ ጎንጽን ወዘተ ዘድሃበ ክኾን ይግባእ።
እቲ ስግግር ብተማሳሳሊ መንገዲ ንኣለያ ዘይሕጋዊ ኣጽዋርን ዕጥቅን እኹል ግምት ክህብ ኣለዎ። እቲ ስግግር እዚኦም ኣብ ምምዝጋብ፣ ምእካብን ምምሕዳርን ሓጋዛይ ግደ ዘለዎ ዝጸፈፈ መደብ ክህልዎ ኣለዎ። ዕላማ እዚ ተግባር፡ ኣፈላላይ ዘይብሉ ኣልማሚት ምግፋፍ ዕጥቂ ንምክያድ ዘይኮነስ፣ ብዘእምን ናይ ፀጥታ ውሕስና ዝተሰነየ፣ ብስርዓት ዝግበር ናይ ሲቪል ምፍታሕ ዕጥቂ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ክፋላት ማሕበረሰብ ዕጥቆም ዝህቡ ኣብ እቲ ዕጥቆም ዝህብዎ መንግስቲ እምነት እንትህልዎም እዩ። እቲ ዕጥቂ ምስ ኣረከቡ ዝድቅሱ፡ ድሕሪኡ እቲ ዘረከብዎ ኣካል ክሕልዎም ዝኽእል ምዃኑ፡ እንተኣሚኖም ጥራሕ እዩ። ስለዚ ምምሕዳር ኣጽዋርን ዕጥቅን ምስ ምህናፅ እምነት ኣብ መንግስትን ሕደሳ እቲ ናይ ፀጥታ መሓውርን ብሓደ ተኣሳሲሩ ዝርኣይ እዩ።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ስግግር እዋን ብግደታ ንዝግበር ምምልማል ወይ ዕስክርና ፍሉይ ትኹረት ክወሃብ ይግባእ። መንእሰያት ብግደታ ናብ ወታደራዊ ኣገልግሎት እናመላመልካ፣ ዝኾነ ናይ ድሕሪ ኲናት ስግግር ናብ ሲቪላዊ ህይወት ይስጉም ኣሎ ኢልካ ብኣእማኒ መንገዲ ክትዛረብ ኣይትኽእልን። ሰበ ስልጣን ብግደታ ንዝግበር ምልመላ ወይ ግፋ ዘይፈቅድ ንፁር ከልካሊ ሕጊ ክተኽሉን፣ ዜጋታት ብዛዕባ ዘጋጥሙ ናይ ምምልማል ወፅዓታት ብዘይፍርሓት ዝሕብሩሉ ኣሰራርሓ ክፈጥሩ ኣለዎም። ናይ ቀደም ተዋጋእቲ ድማ ከም ቀዋሚ መኽዘን ወታደራዊ ሓይሊ ከይርኣዩ፡ መንገድታት ሕውየት ሲቪል ናብራ ክመቻቸወሎም ኣለዎ።
እቲ ሕዚ ዘሎ ናይ መንእሰያት ስደት ነዚ ቅድም ኢልና ዘልዓልናዮ ኣገዳሲ ነጥቢ ስግግር፡ ህፁፅ ይገብሮ። ኣብቲ ዝፍጠር ፖለቲካዊ ስልጣን ወይ መንግስትነት ርግጸኛ ዘይምዃን ናይ መንእሰያት ስደት ይፈጥር። ስደት መንእሰያት ድማ ዕንወት ዓቕምን ሰብኣዊ ሃብትን የስዕብ። ዕንወት ሰብኣዊ ሃብቲ ነቲ ጉልበትን ናህርን ኢኮኖሚያዊ ሕውየት የዳኽሞ። ድኹም ጉልበትን ዝሕቱል ናህርን ኢኮኖሚ ድማ ዕድል ስራሕ ይቐትል። መቕተልቲ ናይ ስራሕ ዕድላት ከኣ ንስደት ተወሳኺ ምኽንያት ኮይኑ የገልግል። ስለዚ ነዚ ዑደት እዚ ምብጣስ ማዕረ እቲ ናይ ኢኮኖሚ ውሳነ፡ ናይ ፀጥታ ውሳነ እውን ተገይሩ ክውሰድን ብዕቱብ ክሰርሓሉን ኣለዎ።
እቲ ናይ ስግግር ወፍሪ፡ ከም ማእኸላት ክትትል ማለት እውን ‘ሰርቪላንስ’ ወይ ናይ ምልዕዓል መሳርሒ ኮይኖም ዝሰርሑ ፖለቲካዊ መዋቕራት ከፍርስ ኣለዎ። እዚኦም ብወለንታውነት ዝንቀሳቐሱ ናይ ማሕበረሰብ ትካላት ክትእኦም ይግባእ። እዚ ናይ ስራሕ መገዲ ወይ “roadmap” ነቲ ናይ ቀደም ሓደ-ንሓሙሽተ ፖለቲካዊ መረብ፡ ብሓቀኛ ማሕበራዊን ሲቪካውን ዕላማታት ብዝተዋቐሩን ኣብ ማሕበረሰብ ብዝተመሰረቱን ዘይፖለቲካውያን ትካላት ምትካእ ከምዘድሊ ይመክር። ዕላማኡ ተጎራባቶ ትካላት፣ ናይ ሞያ ማሕበራት፣ ናይ ደቂ ኣነስትዮ ማሕበራት፣ ናይ መንእሰያት ውዳበታት፣ ሃይማኖታዊ ትካላትን ናይ ማሕበረሰብ ጉጅለታትን ካብ መጋበርያነት ፖለቲካዊ ውድብ ነፃ ኮይኖም ዝሰርሑሉ ናይ ሲቪክ ባይታ ምፍጣር ክኸውን ኣለዎ።
መደብ ሪፎርም ትካላት ፀጥታ ማለት እውን “Security Sector Reform Programme” እዞም ዝተጠቐሱ ለውጥታት እዚኦም ብትካል ደረጃ ዝተኸልሉሉ ቀንዲ መሳርሒ ኮይኑ ከገልግል ኣለዎ። እቲ ሪፎርም ንመዋቕር፣ ኣቃውማ፣ ኣዘዝቲ፣ ተሓታትነት፣ ሞያዊ ብቕዓትን ናይ ሲቪል ቁጽጽርን እዞም ናይ ፀጥታ ትካላት ብዘላቕነት ክፈትሕ ኣለዎ። እቲ ስግግር ዕጡቕ ዓቕሚ ካብ ሓደ ትካላዊ ቦታ ናብ ካልእ ብቐሊሉ ከየመሓላልፎ፣ ምስ ምፍታሕ ዕጥቂ፣ ምብታን ተዋጋእትን ምሕዋይን ማለት እውን “DDR” ዝተኣሳሰረ ክኸውን ኣለዎ። “Security Sector Reform Programme” ኣብ መወዳእታ፡ “ናይ ፀጥታ ትካላት ንፖለቲካዊ ውድባት ዘይኮነስ፡ ንድሕንነት ዜጋታትን ንሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ይሕልዉ” ንዝብል ገዛኢ መትከል ደው ይብል።
ሪፎርም ስርዓተ ፍትሒ ማለት እውን “Justice System Reform Programme” ካልእ ኣብ እዋን ስግግር ዝድለ ቁልፊ ዋኒን እዩ። እዚ ሪፎርም ምስ ሪፎርም ስርዓት ጸጥታ ማለት እውን “Security Sector Reform Programme” ብጎኒ ንጎኒ ክሰራሕ ኣለዎ። ምኽንያቱ ብቐሊሉ ዝርከብ ፍትሒ ዘይብሉ ስርዓት ፀጥታ፡ ኣብቲ ምሕደራ ዘላቒ ህዝባዊ እምነት ክፍጠር ኣይገብርን። ኣብ ፖሊስ፣ ኣብ ዓቃቢ ሕጊ፣ ኣብ ናጽነት ቤት ፍርዲ፣ ኣብ ቤት ህንጸት ወዘተ ዝህልዉ ናይ ሪፎርም ስርሓቲ፡ ምስ ናይ ፍትሒን ፀጥታን መዋቕር ክተኣሳሰሩ ኣለዎም። እዚ ናይ ስራሕ መገዲ ወይ “roadmap” ንክልቲኦም ዓውድታት ከም ቀንዲ ኣካላት ናይቲ ስግግር የቐምጦም።
ሓሙሽተ፡ ምጅማር ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ምክያድ ሪፎርም ሲቪል ሰርቪስን
ምምላስ ህዝባዊ ኣገልግሎታት፡ እቲ ስግግር ንተራ ዜጋታት ብግብሪ ዝርአ ናብ ህይወቶም ዝቐረበ ዋኒን ምዃኑ ይነግር። እዚ: እቲ ስግግር ዋጋ ከም ዘለዎ ዝሕብር ዝቐልጠፈ መርኣያ ኮይኑ ዘገልግል እዩ። ሕጋውነት ሓደ መንግስቲ ብፖለቲካዊ መግለጽታት ጥራሕ ኣይረጋገፅን። እንታይ ዳኣ: ዜጋታት ነቲ ሓድሽ ስርዓት “ስርዓትና እዩ” ዝብልዎ: ኣብያተ-ትምህርቲ እንተኸፊትሎም፣ ሆስፒታላት እንተሰሪሕሎም፣ ማይን ኤሌክትሪክን ብዘተኣማምን መንገዲ እንተሂብዎም፣ ናይ ሲቪል ሰነዳት እንተመሊስሎም፣ ደመወዝ እንተኸፊልዎምን ኣብ ቀረባ ከባቢኦም ብቑዕ ምምሕዳር እንተሂብዎምን እዩ።
ስለዚ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ምምላስ ብኡንብኡ ክጅምር ከሎ፣ ብተማሳሳሊ መንገዲ ድማ መዋቕራዊ ሕደሳታት ወይ ሪፎርምስ ክጅመሩ ኣለዎም። ዕላማ እዚ ትግበራ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ቢሮክራሲ ከም ዝነበሮ ምምላስ ክኸውን የብሉን። ምኽንያቱ ካብ ብዙሓት ድኽመታቱ እቲ ሓደ እቲ ሕሉፍ ቢሮክራሲ ኣብ ፖለቲካ ብዝተኣለኸ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝምራሕ ስለዝነበረ እዩ። ኣብ ክንድኡ፣ ኣገዳሲ ኣገልግሎት ብቐጻልነት ምሃብ እዚ ድማ ምስ ምሕዳስ እቶም ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ኣጣሚርካ ምፍላም ከም ቁልፊ መደብ ክተሓዝ ኣለዎ።
ካብዚ ዛዕባ እዚ ከይወጻና፡ ዘይተኸፈለ ደመወዝን ፔንሽንን ምኽፋል መሰል ዜጋታት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ከም ህፁፅ እምነት ናይ ምህናፅ ስልቲ ክወሰድ ኣለዎ። እዚ ናይ ስራሕ መገዲ ወይ “roadmap” ዝተኣከቡ ናይ ደመወዝን ፔንሽንን ዕዳታት ምኽፋል፡ ዜጋታት ኣብ ህዝባዊ ትካላት ዝነበሮም እምነት ክመልስ ዝኽእል፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ክፍጸም ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ የቐምጥ። ንዓመታት ዝዘለቐ ጸገም ተፃዊሮም ዝጸንሑ ሰራሕተኛታት ሲቪል ሰርቪስ፡ መነባበሮም ኣብ ኣብ ሓደጋ እንከሎ ህዝባዊ ትካላት ከስተኻኽሉ ትጽቢት ምግባር ዝከኣል ኣይኮነን።
ስርዓት ሲቪል ሰርቪስ ካብ ፖለቲካዊ ኩርኲዒት ነፃ ምግባር ናይዚ መስርሕ እዚ ማእኸል ነጥቢ ክኸውን ኣለዎ። ናይ መንግስጥን ውድብን መዋቕራት ብትካል ደረጃ ክፈላለዩ ኣለዎም። ምምልማልን ዕብየትን ሰራሕተኛታት ብንጹር መለክዕታት ክስርሑ ኣለዎም። ላዕለዎት ናይ ምምሕዳር ቦታታት ብፖለቲካዊ ተኣመንቲ ምምላእ ገዲፍካ፡ ሰባት ብብቕዓቶም ዝሽየምሎም ክኾኑ ኣለዎም። እዚ ድማ ካብቲ ናይ ቀደም ፖለቲካዊ ስርዓት መለለዪኡ ዝነበረ ናይ ውድብን መንግስቲን ምትሕውዋስ ዘድሕን ይኸውን። እዚ፡ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ትካላዊ ንጽህና መሐለዊ መንገድታት ክኸውን እዩ። ናይ ሲቪል ሰርቪስ ሕደሳ ፕሮግራም እቲ ዝነበረ ንምልዋጥ ዘኽእሎ ትካላዊ መዋቕር ክነድፍ ኣለዎ። ኣብ ብቕዓት ዝተመሰረተ ምልመላ፣ ሞያዊ ስነ-ምግባር፣ ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ፣ ክእለት ምምሕዳር፣ ምምሕዳራዊ ተሓታትነትን ናይ ህዝባዊ ኣገልጋላይነትን ከም ቁልፊ መዐቀንታት ክውሰዱ ይግባእ።
እዚ ናይ ሲቪል ሰርፊስ ሪፎርም፡ ምስ ስልጣን ናብ ታሕቲ ምውራድ ማለት እውን “decentralization” እውን ክተኣሳሰር ኣለዎ። በብከባቢኡ ዘሎ ኣካል መንግስቲ ወይ ምምሕዳር፡ ናይ ማእከላይ ፖለቲካዊ ስልጣን መቐጸልታ ኮይኑ ካብ ምግልጋል ክነጽህ ኣለዎ። የግዳስ ነቲ ህዝቢ ኣገልግሎት ናይ ምሃብ ምምሕዳራዊ ዓቕሚ ክህልዎ ኣለዎ።
መወዳእታ ዕላማ እዚ ነጥቢ፡ ዜጋታት ንትካላቶም ከም ማእኸል ፖለቲካዊ ክትትል ወይ ‘ሰርቪላንስ’ ወይ እውን ከም ትካላት ውድባዊ ህንጸትን ናይ ቁጽጽር መሳርሒን ገይሮም ካብ ምራኣይ ክናገፉ ምግባር እዩ። የግዳስ፡ እዘን ትካላት ሲቪል ሰርቪስ ከም ናይ ኣገልግሎት ትካላት፡ ዝተኣመነሉ ህዝባዊ ምምሕዳር ከም ዝውሃበለን ጽላታት ገይሩ ክወስደን ዘኽእል መንፈስ ምፍጣር ኣድላዪ እዩ።
ብተወሳኺ፣ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ምምላስ ኣብ መንጎ ተጋሩን መንግስቲ ፌደራልን ከም ናይ እምነት ምህናፅ መሳርሒ ኮይኑ ክኣቱ ኣለዎ። ክፍሊት ዉዙፍ ደመወዝ፣ ምጅማር ኣገልግሎታት ጥዕናን ትምህርትን፣ ምምላስ መሰረተ-ልምዓታት፣ ምኽፋት ምምሕዳራዊ ስርዓታትን ሕገ-መንግስታዊ መንግስቲ ብግብሪ ናይ ምትካል ኣንፈታትን እቲ ስግግር መንግስቲ ኣብ ምትካል እኹል ስጉሚ ይኸይድ ከምዘሎ ዝነግር ተግባራዊ ምንቅስቃስ ተገይሩ ይውሰድ። ብዚ ኣረኣእያ እዚ እንትዕቀን፡ ኣገልግሎት ምሃብ ምምሕዳራዊ ስራሕ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ናይ ሰላም ምህናፅን ሕጋውነት ናይ ምፍጣር ስጉምን እቲ ዝዓበየ ኣካል እዩ።
ሽድሽተ፡ ምሕደራ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ፍትሒ፣ ሕውየትን ማሕበራዊ ምልሰትን
ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ኩሎም ኣብ ፀገም ዝርከቡ ማሕበረሰባት፣ ብፍላይ ድማ ናብቶም ካብ ሓገዝ ሪሒቖም ዝጸንሑ ኣካላት ኣቐዲሞም ክበፅሑ ክግበር ኣለዎ። እንተኾነ ግን እቲ ስግግር ቀዋሚ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኢኮኖሚ ሃኒጽካ ተተኮባይ ማሕበረሰብ ካብ ምፍጣር ክቑጠብ ኣለዎ። የግዳስ ቀንዲ ዕላማኡ ክኸውን ዘለዎ፡ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ነቲ ናይ ህፁፅ እዋን ሓገዝ ምስ ዘላቒ ሕውየት፣ ምምሕያሽ መነባበሮን ምጅማር ልምዓትን ምጥማር እዩ። እዚ ናይ ስራሕ መገዲ ወይ “roadmap” ዘይተገደበ ዝግርሐ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ብተሳትፎ ዝምልከቶም ሰብኣውያን ትካላት፡ ብትክክል ዝተረጋገፀ ናይ ተጠቀምቲ መዝገብ ማለት እውን “beneficiary master list” ክምራሕ ምግባር የድሊ። እዚ ድማ ናይ ከባቢ ትካላት ምብቃዕን ናይ ህፁፅ እዋን፣ ሕውየትን ልምዓትን ምንቅስቃሳት ኣካል እቲ ከይዲ ክኾና ምግባርን ይሓትት።
እዚ ተግባራዊ ንምግባር ተሳትፎ መንግስቲ፣ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ሲቪል ማሕበራትን ነጻ ናይ ክትትል ኣካላትን ዘረጋገጸ ብግልፅነት ዝቖመ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ሓይሊ ዕማም ክትከል ኣለዎ። ምእንቲ እዚ፡ ብትክክል ዝተረጋገፀ ናይ ተጠቀምቲ “ዳታቤዝ” ክስራሕን ብግዜኡ ክሕደስን ኣለዎ። ብተወሳኺ ድማ ፖለቲካዊ ምጥቕቓዕ ወይ ኣፈላላይ ዝገብር ናይ ሓገዝ ምድልዳል ንምክልኻል ጽኑዕ ናይ ሓለዋ መገድታት ክህልዉ ኣለዎም። ናይ ከባቢ ትካላት ማለት እውን ካብ ደገ ዝመፁ ኣካላት ዘይብሎም ናይ ማሕበረሰብ ውዳበታት፡ ፍልጠት ተኣፋፍነትን ባህላዊ ኣሰራርሓታትን ስለዘለዎም፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝበለፀ ብናይ ከባቢ ትካላት ክመሓደር ኣለዎ። እንተኾነ ግን ናይ ከባቢ ትካላት ምብቃዕ፡ ስርሓተን እውን ብድልዱል ናይ ተሓታትነት ኣሰራርሓ ዝተሰነየ ክኸውን ምግባር ነቲ ናይ ስግግር መስርሕ ጥዑይ ኣብ ምግባር ሓጋዛይ እዩ።
ሰብኣዊ ሓገዝ ምስ ናይ መነባበሮ ተጸዋርነት እውን ክተኣሳሰር ኣለዎ። ዕላማ እዚ እታወት ስግግር፡ ብሕውየት ዓውደ- ሕርሻን ብምኽፋት በሪ ገንዘብን ምፍላም፣ ናይ መነባበሮ ሓገዛት ብምሃብ፣ ምጅማር ሞያዊ ስልጠናን ናይ ከባቢ ኢኮኖሚ ብምኹስኳስን ኣቢልካ ንስደራቤታት ካብ ናይ ሓገዝ ተተርኣስነት ናብ ዓርሰ ምርኮሳ ምልዋጥ ዕላማኡ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ድሕረ ኩናት ኣብ ዝህልው ናይ ስግግር ወቕቲ፡ ናይ ኣእምሮ ጥዕናን ስነ-ልቦናዊ ሓገዝን ኣብ ምሉእ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝን ምሕዋይን ስርዓት ክኣቱ ይግባእ። እዚ ድማ ኣብ ውጻእ መዓት ወገናት ወይ ‘ሰርቫይቨርስ’፣ ኣብ ናይ ቀደም ተዋጋእቲ፣ ኣብ ቆልዑን ሰገናትን፣ ብኲናት ዝተኣሳሰረ ፆታዊ ዓመፅ ኣብ ዝበጽሐን ደቂ ኣነስትዮ፣ ኣብ ኣካለ-ጉዱኣት፣ ኣብ ዝተመዛበሉ ህዝብታትን ብሓዘን ኣብ ዝተሰበሩ ስደራቤታትን ዘድህብ ክኸውን ኣለዎ። ኣብዚ ፍሉይ ተመክሮታት ብምቕማርን ብባህላዊ መገዲ ብምምርኳስን ተፈጻሚ ክኸውን ኣለዎ።
ምስ’ዚ ፈሊኻ ዘይርአ ካልእ ነጥቢ ስግግር፡ ፍትሕን ሕውየትን ናይዚ ሰፊሕ ናይ ማሕበረሰብ ምድሓን መስርሕ ኣካል ክኾኑ ናይ ምግባር ኣገዳስነት እዩ። ካብ ገዚፍ ዓመፅ ዝወጸ ማሕበረሰብ ኣብ ዘለሉ፣ ተጎዳእቲ መጉዳእቶም ኣፍልጦ ኣብ ዘይረኸቡሉ፣ ገበነኛታት ካብ ዝኾነ ናይ ተሓታትነት መስርሕ ወፅኢ ኣብ ዝኾኑሉን ማሕበረሰባት ዓመፅ ክድገም ድዩ ወይስ ኣይድገምን ርግጸኛታት ኣብ ዘይኾኑሉ ኩነታት ኮይንካ ዘላቒ ሰላም ክሕለም ኣይከኣልን። ስለዚ እቲ ስግግር ሓቂ ኣብ ምእላሽ፣ ተሓታትነት ኣብ ምርግጋጽ፣ ካሕሳታት ኣብ ምሃብ፣ ትካላዊ ሕደሳን ዕርቅን ዘጣመረ ምሉእ ናይ ስግግር ፍትሒ ማለት እውን “transitional justice” ክትክል ኣብ ምግባር ዝረባረብ ክኸውን ኣለዎ።
እዚ ብዝተፈለየ ኣሰራርሓ ክሓልፍ ኣለዎ። እንታይ ማለት እዩ? ናይቲ ግጭት ዝተሓላለኸ ባህሪ ክኣምንን ሓላፍነቱ ድማ ናብ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ደጋፊ ጥራሕ ካብ ምልጋብ ክቑጠብን ኣለዎ። ብኩሎም ተዋሰእቲ ዝተፈፀሙ ዓበይቲ ጥሕሰታት መሰል ደቂ ሰብ ብግልፅን ብዘይወገናዊ ኣሰራርሓን ክምዝገቡን ፍትሒ ክረከበሎምን ኣለዎም። ተሓታትነት ብቕጻዕት ጥራሕ ክርአ የብሉን፡ ዕርቂ እውን ኣብ ክንዲ ፍትሒ ዝትካእ ክኸውን ኣይግባእን።
ስለዚ ሪፎርም ስርዓት ፍትሒ ካብ ኣብያተ-ፍትሒን ዓቐብቲ ሕጊን ንላዕሊ ብምስፋሕ፣ ናይ ስግግር ፍትሒ ትካላት ብምህናጽ፣ ንግዳያት ዝግበር ሓገዝ ብምስሳን፣ ናይ ማሕበረሰብ ዕርቅን ናይ ሕጊ ሕደሳን ብምትእትታው ዝፍጸም ክኸውን ኣለዎ። ናይ ፍትሒ ነጻነት ክጠናኸር እንተሎን፡ ልማዳውያንን ኣብ ማሕበረሰብ ዝተመስረቱን ኣሰራርሓታት ድማ ምስ መሰረታዊ መሰላት ደቂ ሰብ ዝሰማምዑ ክኾኑ እንተለዉን ፍትሒ ትርጉም ይህልዎ።
እቲ ስግግር ነቲ ናይ ዓመፅ ትካላዊ ውፅኢት ጥራሕ ዘይኮነ ክሕክም ዝግባእስ፡ ነቲ ብኡ ዝተፈጠረ ማሕበራዊን ስነ-ልቦናውን ቑስልን በሰላን እውን እዩ ክፍውስ ዝግባእ። ስለዚ ስነ-ልቦናዊ ሕውየት ኣብ መስርሕ ምንጋስ ፍትሒን ምጅማር ዕርቅን ክኣቱ ኣለዎ።
ሸውዓተ፡ ሕውየት፣ ዳግመ-ህንጸትን ኢኮኖሚያዊ ስግግርን
ዕማም ዳግመ-ህንጸት ትግራይ እቲ ዝጠፍአ ብኣካል ካብ ምትካእ ንላዕሊ እዩ። ሕዚ ዝግበር ናይ ዳግመ ህንጸት ዕማም፡ ከም ሓደ ዕድል መዋቕራዊ ለውጢ ገይርካ ክውሰድ ኣለዎ። ብኩናት ዝፈረሱ ጎደናታት፣ ኣብያተ-ትምህርቲ፣ ሆስፒታላት፣ ናይ ሕረሻ መሰረተ-ልምዓታት፣ ዕዳጋታትን ህዝባዊ ህንጻታትን መሊስካ ክህነፁ ኣለዎም:: እንተኾነ ግን ዳግመ-ህንጸት ብተማሳሳሊ መንገዲ ዝጠልቦ ካልእ ዓውዲ እውን ኣሎ። ንሱ እውን፡ ነቲ ብኲናት ዝበፅሐ ትካላዊን ማሕበራዊን ዕንወት ክፈትሕ ይግባእ። እዚ ናይ ስራሕ መገዲ ወይ “roadmap” ንክልቲኦም ብዓይኒ ዝርኣዩን ዘይርኣዩን ናይ ኲናት ዕንወታት ትኹረት ክወሃቦምን ዳግመ-ህንጸት ድማ ሕውየት ትካላትን ሕውየት ፖለቲካዊን ምምሕዳራዊን ህይወት ህዝብን ኣጣሚሩ ክሕዝ ብንፁር ይሓትት።
ስለዚ እቲ ናይ ዳግመ-ህንጸት ፕሮግራም ኣብ ሰለስተ ዝተኣሳሰሩ ደረጃታት ኮይኑ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡ ንሳቶም ድማ ቁሳዊ ዳግመ-ህንጸት፣ ትካላዊ ህንጸትን ማሕበራዊ ሕደሳ ባህልን እዮም። ቁሳዊ ወይ ኣካላዊ ዳግመ-ህንጸት ነቲ ናይ ህይወት ቁሳዊ መሰረት ይመልስ። ትካላዊ ህንጸት ወይ ውህደት ድማ ሲቪል ትካላት ንፖለቲካዊ ውድባት ካብ ምግልጋል ወጺኤን፡ ንዜጋታት ከገልግላ ዝኽእላሉ ህዝባዊ ቁመና ኣብ ምፍጣር የድህብ። ማሕበራዊ ሕደሳ ባህሊ ድማ ሓደሽቲ ናይ ፖለቲካዊ ባህልታት ኣብ ምትእትታው፣ ማለት እውን ተሳትፎ ኣብ ምዕዛዝ፣ ተጻዋርነትን ምክእኣልን ኣብ ምብራኽ፣ ተሓታትነትን ሰላማዊ ሓቢርካ ናይ ምንባር ሃዋህዋትን ኣብ ምትካል የድህብ።
ኢኮኖሚያዊ ሕውየት እንትሕሰብ ንመንእሰያት ኣብ ስራሕ ናይ ምእታው ጉዳይ ብፍሉይ ትኹረት ምዕማም ቅድሚት ይመጽእ። ስግግር ቁጠባ፡ ብርኪ መንእሰይ ብምትራር ክረጋገጽ ኣለዎ። ንመንእሰያት ብዘይስራሕ እናሓደገ መሰረተ-ልምዓት ዝሃንጽ ናይ ዳግመ-ህንጸት መደብ፡ ንሓድሽ ምልዕዓል፣ ንስደት ምኽንያትን ንፖለቲካዊ ተስፋ ምቁራፅ ካልእ በርን ዝኸፍት እዩ። በዚ ምኽንያት እቲ ቁጠባዊ ስግግር ዕዳ ኮይኑ ይትርፍ። ስለዚ ህዝባዊ ስራሕቲ፣ ሕውየት ሕርሻ፣ ምትብባዕ ኣናኣሽትን ማእከለዎትን ኢንተርፕራይዛት፣ ናይ ሞያ ስልጠና፣ ዲጂታል ስራሕቲ፣ ምስ ዳግመ-ህንጸት ዝተኣሳሰሩ ኢንዱስትሪታትን ናይ ውልቀ ኢንቨስትመንትን ብግልጺ ምስ ናይ መንእሰያት ስራሕ ዕድል ክተኣሳሰሩ ኣለዎም።
ኣብዚ ናይ ስግግር መስርሕ ንናይ ቀደም ተዋጋእቲ ፍሉይ ትኹረት ምሃብ ኣገዳሲ እዩ። መንገዲ ሕውየት እዞም ወገናት ብመዳያት ናይ ሞያ ስልጠና፣ ኣብ ትምህርቲ፣ ኣብ ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ፣ ኣብ ናይ መነባበሮ ሓገዝን ናይ ማሕበረሰብ ዕርቅን ክርአ ኣለዎ። ነዚኦም ምሕዋይ ከም ናይ ክፍሊት ፕሮግራም ዝቖፀር ኣካይዳ ክህሉ ኣይግባእን። የግዳስ ናይ ቀደም ተዋጋእቲ ናብ ናይ ሲቪል መንነቶምን መነባበሮኦምን ዝመልሱሉ ናይ ነዊሕ ግዜ መስርሕ እዩ ክኸውን ዘለዎ። እዚ ድማ ካብ ትኽክለኛ ትርጉም “DDR” ክብገስ ይግባእ። “ዲዲኣር” ማለት ነበር ተዋጋእቲ ካብ ናይ ኲናት ፖለቲካዊ ኢኮኖሚ ናብ ናይ ሰላም ፖለቲካዊ ኢኮኖሚ ብናይ ሓቂ መንገዲ ናይ ምስግጋር መስርሕ ምዃኑ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።
ካልእ ኣገዳሲ ናይ ስግግር ባእታ ተሳትፎ ዲያስፖራ እዩ። እዚ ሓይሊ እዚ ብኢንቨስትመንትን ፍሉይ ኣሰራርሓታትን፣ ብናይ ሞያ ቕማረታትን ናይ ፍልጠት ውርርሳትን ኣቢልካ ኣካል ዳግመ-ህንጸት ክኸውን ክስራሕ ኣለዎ። ዕላማ እዚ እታወት፡ ናይ ዲያስፖራ ፖለቲካ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ኣፈላላይ ብሓድሽ ክውላዕን ዋልታውነት ክደግስን ካብ ምግባር ተቖጢቡ፡ ናይ ዲያስፖራ ሃብቲ ንዳግመ-ህንጸት ዝኸውን ዓቕሚ ኮይኑ ክህነጽ ናይ ምግባር ዋኒን እዩ ክሕዝ ዘለዎ።
ዳግመ-ህንጸት ተጻቦኦ ተዃሳሓይ ማለት እውን “conflict-sensitive” ክኸውን ኣለዎ። ናይ ልምዓት ኢንቨስትመንታት ናይ ኣከባቢ ምብልላጻት ካብ ምፍጣር፣ ንፖለቲካዊ ታኣማንነት ካብ ምውዓልን ኣብ ውሑዳት ሰብ ሃብቲ ዘሎ ውድድር ካብ ምብራኽን ዝተቖጠቡ ኽኾኑ ኣለዎም። ፈሰሳት ሃፍቲ ኣብ ግልጺ ናይ ኣድላይነት ገምጋማት ዝተመሰረቱ ኽኾኑ ነቶም ዝዓበየ ዕንወትን ተኣፋፍነትን ዘጋጠሞም ማሕበረሰባት ድማ ቀዳምነት ክህቡ ኣለዎም።
ሸሞንተ፡ ክብርን ውሕስነትን ዘለዎ መልሲ ተመዛበልቲን ስደተኛታትን ምርግጋጽ
ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተመዛበሉ ወገናት ምምላስን ምሕዋይን ናይቲ ስግግር ተኣማኒነት ካብ ዝረኣየሎም ቀንዲ ኣጀንዳታት እቲ ሓደ ተገይሩ ክወሰድ ኣለዎ። ምምላስ ማለት ንዝተመዛበሉ ወገናት ናብቲ ዝተሰጎጉሉ ቦታታት ብኣካል ምምሕልላፍ ማለት ኣይኮነን። ብደሓን ክነብሩሉ፣ ንብረቶም ክመልሱሉ ወይ ግቡእ ካሕሳታት ክረኽቡሉ፣ ኣገልግሎታት ክረኽቡሉን ኣብ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ህይወት ማሕበረሰቦም ክሳተፉሉን ዝኽእሉሉ ኩነታት ምምችቻው ማለት እዩ፡ ተመዛበልቲ ምምላስ ማለት።
እዚ ናይ ስራሕ መገዲ ወይ “roadmap” ነዚ ነገር እዚ ናይ ትግራይ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንምምላስ ዘሎ ቆራፅነት ክንደየናይ ከም ዝኮነ መረጋገጺ ገይሩ የቐምጦ። ብተወሳኺ ድማ ናይ ፀጥታ ውሕስነታት፣ ምስ ተቐበልቲ ማሕበረሰባት ዝግበሩ ምይያጣት፣ ንንብረትን ቤትን ትኹረት ምህብ፣ ማሕበራዊ ዕርቂ፣ ናይ ስግግር ፍትሒ ማለት እውን “transitional justice” ምርግጋጽ፣ ናይ ዝተፈላለዩ ዝተመዛበሉ ወገናት ፍሉይ ኣድላይነታት ኣብ ግምት ምእታውን ይሓትት። እዞም ገዛእቲ መትከላት እዚኦም፡ ናብ ምሉእ ናይ ምልሰት ዓቕሚ ክውዕሉን መንገድታት ምምላስ ንብረትን ቤትን ኮይኖም ከገልግሉን ኣለዎም።
ምምላስ ተመዛበልቲ ብፍቓደኝነት፣ ብግልጺ ሓበሬታ፣ ብውሕስነትን ክብርን ዝተሰነየ ክኸውን ኣለዎ። ዓበይቲ ናይ ምምላስ ስራሕቲ ቅድሚ ምጅማሮም፡ ተቐበልቲ ማሕበረሰባት ክመያየጡን ክዳለዉን ኣለዎም። ናይ ንብረት ሕቶታት ክመዝገቡን ብቐሊሉ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኣሰራርሓታት ተጠቂምካ እቶም ንብረታት ክምለሱን ኣለዎም። ንብረት ምምላስ ዘይከኣል ኣብ ዝኾኑሎም ቦታታት፡ ግቡእ ናይ ምትካእ ወይ ናይ ካሕሳ ኣሰራርሓታት ክሕሰቡ ኣለዎም። መራሕቲ ስድራ ዝኾና ኣዴታትን በይነንይ ናብራ ዘመሓድራ ኣንስቲን ከምኡ እውን ቆልዑ፣ ኣረጋውያን፣ ኣካለ-ጉዱኣትን ናይ ዓመፅ ግዳያትን ፍሉይ ትኹረት ክወሃቦም ኣለዎ።
ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት፡ ምምዝባል፣ ናይ መሬት ናይ ይግበኣኒ ሕቶታት፣ ናይ ህዝቢ ቁፅሪ ምልዋጥን ዓበይቲ ናይ ዓመፅ ክስታትን ኣዝዮም ዝተኣሳሰሩ ስለዝኾኑ፡ ብፍሉይ ጥንቃቐ ክምራሕ ኣለዎ። ምዕራብ ትግራይ፡ ብፍሉይ ዝጥመት ፖለቲካዊን ናይ ስግግር ፍትሕን መስርሕ ይሓትት። ስለዚ ዝኾነ ይኹን መፍትሒ፡ ናይ መሬትን ሕገ-መንግስትን ሕቶታት ምስ ናይ ፀጥታ ውሕስነታት፣ ምስ ናይ ምምላስ ኣሰራርሓታት፣ ምስ ናይ ንብረት መፍትሒታት፣ ምስ ተሓታትነትን ናይ ማሕበረሰብ ዕርቅን ኣጣሚርካ ክርአ ኣለዎ። ብዘይ ማሕበራዊ ዕርቂ ዝግበር ናይ ምምሕዳር ውሳነ፡ ፍልፍል ሓድሽ ግጭት ካብ ምዃን ንድሕሪት ዝብል ኣይኮነን።
እዚ ተመሳሳሊ ገዛኢ መትከል፡ ኣብ ወፃኢ ሃገራት፣ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ሓዊሱ፡ ኣብ ካሎኦት ከባብታት ንዝርከቡ ስደተኛታት እውን ክሰርሕ ኣለዎ። ናቶም ምምላስ ብፍቓደኝነትን ብድሕንነትን ክፍጸም ግድን ክኸውን ዘለዎ ኮይኑ፡ ብስሩ እውን እዚ ኣጀንዳ እዚ ኣካል እቲ ሰፊሕ መፍትሒ ሰብኣዊን ፖለቲካዊን ሕቶ ክኸውን ኣለዎ። ናይ ምምላስ መስርሕ፡ ስደተኛታትን ዝተመዛበሉን ወገናት ሰብኣዊ ሓገዝ ጥራሕ ዝጽበዩ ገይርካ ምውሳድ ዘይኮነስ፡ ናይ ፖለቲካ፣ ንብረትን ማሕበራዊ መሰልን ሕቶ ዝሓዘ ክኸውን ኣለዎ። እዞም ወገናት እዚኦም ኩሎም ሰብኣዊ ክብርታት ዝግበኦም ዜጋታት ምዃኖም ዝኣመነ ስግግር ክኸውን ኣለዎ።
ክብሪ ዘለዎ ምምላስ ብተወሳኺ ምስ ዳግመ-ህንጸት ክተኣሳሰር ኣለዎ። ዝተመዛበሉ ስደራቤታት ናብ ዝፈረሱ ኣብያተ-ትምህርቲ፣ ትካላት ጥዕና፣ ዝዓነዉ መትረባት ማይ፣ ጽጉም መነባበሮን ዘይውሑስ ፀጥታን ዘለዎም ከባብታት ምምላስ፡ ነቲ ምምዝባል ብካልእ መልክዕን ብሓድሽ መንገድን ምቕጻል እዩ ዝኸውን። ስለዚ ምምላስ ምስ ናይ መሰረተ-ልምዓት ዳግም ምህናፅ፣ ናይ መነባበሮ ምምላስ፣ ናይ ማሕበረሰብ ዕርቅን ናይ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምሕዋይን ተዋሃሂዱ ክስራሕ ዘለዎ ናይ ስግግር ኣካል እዩ።
ትሸዓተ፡ ንነጻን ፍትሓውን መረፃን ዲሞክራሲያዊ ሕገ-መንግስታዊ መንግስቲን ዝኸውን ባይታ ምድላው
ናይቲ ስግግር ናይ መወዳእታ ዕላማ፡ ብነጻ፣ ፍትሓውን ተኣማኒን ብዝኾነ መረፃ ኣቢልካ ሕጋዊን ሕገ-መንግስታዊን መንግስቲ ምጣሽ ክኸውን ኣለዎ። እንተኾነ ግን መረፃታት ናይ ትካላዊ ለውጢ ውፅኢት እምበር: ናይ መጅመርታ መበገሲ ክኾኑ የብሎምን። ሴክተር ፀጥታ፣ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ናይ ሚዲያ ከባቢ፣ ሲቪል ሰርቪስን ኣካላት ፍትሒን ብዝግባእ ቅድሚ ምሕዳሶም መረፃ ምክያድ፡ ነቲ ናይ ቀደም ገባታይ ባህሊ ፖለቲካ ብሓድሽ ናይ መረፃ ስም ንሱ ባዕሉ ምድጋም ጥራሕ እዩ ዝኸውን።
ስለዚ ናይ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ምውራድ ስልጣንን ናይ ሕደሳ ፕሮግራም ማለት እውን “Democratization and Decentralization Reform Programme” ንማሕበረሰብን ንግዝያዊ ምምሕዳርን ንዲሞክራሲያዊ መረፃ ካብ ዘዳለዉ ቀንዲ መሳርሕታት ሓደ ኮይኑ ክኣቱ ኣለዎ። እቲ ፕሮግራም ፖለቲካዊ ብዙሕነት ክተክል፣ ናይ ከባቢ ተሳትፎ ክሃንፅ፣ ስልጣን ከባብያዊ ምምሕዳራት ከሐድስ፣ ናይ ሲቪክ ትምህርቲ ክስፋሕፋሕን ናይ ፖለቲካ በሓትነት ተመሊሱ ካብ ምምጻእ ዝሕልዉ ትካላዊ መገድታት ክፈጥርን ኣለዎ።
ሪፎም ትካላት ፀጥታ ማለት እውን “Security Sector Reform Programme” ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ዝኾነ ዕጡቕ ዓቕሚ ሒዙ ናብ መረፃ ከይኣቱን ናይ ፀጥታ ትካላት ድማ ቅድሚ መረፃ፣ ኣብ እዋን መረፃን ድሕሪ መረፃን ብፖለቲካ ዘይድገፉ ኮይኖም ከም ዝቕፅሉን ንምርግጋፅ ክሰርሕ ኣለዎ። ሪፎርም ስርዓት ፍትሒ፡ ፖለቲካዊ ውድድር ኣብ ትሕቲ ነጻ ናይ ፍትሒ መዋቕርን ብቐሊሉ ዝርከቡ ሕጋዊ ትካላትን ምምሕዳር ምኽኣሉ ምርግጋፅ ይግባእ። ሪፎርም ሲቪል ሰርቪስ ድማ መረፃታት ዘካይድን ህዝባዊ ኣገልግሎታት ዝህብን ናይ ምምሕዳር መሳርሒ ብዝፈጥር መንገዲ ክቕነ ኣለዎ። ብሞያዊ መንገዲ ዝምርሑ ዘይወገናዊነት መትከሎም ዝገበሩ ትካላት ተሃኒጾም ምዃኖም ክረጋገፅ ኣለዎ። ስለዚ እዞም ኣርባዕተ ፕሮግራማት ካብ ነጻ ናይ ቴክኒክ ፕሮጀክትታት ንላዕሊ፣ ከም ሓደ ዝተኣሳሰረ ናይ ዲሞክራሲያዊ ስግግር ገዛኢ መዋቕር ኮይኖም ክሰርሑ ኣለዎም። እዚ ናይ ስራሕ መገዲ ወይ “roadmap” ነዞም ፕሮግራማት እዚኦም፡ ከም መደላድል ናጻ፣ ፍትሓውን ህዝባውን መረጻ ገይሩ የቐምጦም።
ፖለቲካዊ ውድባት፡ ዓመፅ ዘይተቐበሉን ሕገ-መንግስታዊ መትከላት ዘኽበሩን ክሳብ ዝኾኑ፣ ብነጻ ክወደቡ ክፍቀደሎም ኣለዎ። ናይ ሚዲያ ኸባቢ ንዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት በሮም ክፉት ክኸውን ኣለዎ። ብተወሳኺ ድማ ንፅልእን ተኽናዊ ምልዕዓልን ዝኽልክሉ ኣሰራርሓታት ሚድያ ክመዓራረዩ ኣለዎም። ናይ ሲቪል ማሕበራት ነቲ ስግግር ብነጻነት ክከታተሉ ክኽእሉ ኣለዎም። ናይ መረፃ ትካላት ብሞያዊ መንገዲ ዝተዳለውን ካብ ውድባዊ ቁጽጽርን ጊላነት ሓደ ኣካልን ዓርሶም ዝሓለዉን ክኾኑ ኣለዎም።
ስልጣን ናብ ታሕቲ ምውራድ ማለት እውን “Decentralisation” ብምምሕዳራዊ መገዲ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ብሓቀኛ ትርጉሙ ክትርጎም ኣለዎ። ናይ ከባቢ ምምሕዳራት ኣብ ናይ ከባቢ ልምዓት፣ ኣብ ምሃብ ኣገልግሎትን ናይ ማሕበረሰብ ጉዳያትን ትርጉም ዘለዎ ስልጣን ክህልዎም ኣለዎ። ስለዚ ዲሞክራሲያዊ ስግግር ኣብ መቐለ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ መላእ ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ከተማታት፣ ገጠራትን ማሕበረሰባትን ክግሃድ ኣለዎ።
እቲ ስግግር ብዘይተወሰነ ናይ ግዜ ገደባት ምምራሕ ተሪፉ፡ ብመለኪዕታት ዝዕቀኑ ዕማማት ማለት እውን “measurable benchmarks” ተመስሪቱ ክስራሕ ኣለዎ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ወርሒ ግዜ ሂብካ ናይ መጀመርታ ናይ ውጥን መድረኽ ክስራሕ ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ምምሕዳር ብጭቡጥ ንምክያድ መረጻ ዝኾኑ መሰረታዊ ባይታን መባእታዊ ኩነታትን ቅድሚ ምምላኦም ናብ መረፃ ክህወኽ የብሉን። ብካልእ ወገን ድማ ዘይተወድኡ ሪፎርምስ ከም ምኽንያት ወሲድካ መወዳእታኡ ንዘይፍለጥ መጠን ግዜ ኣብ ስልጣን ክፀንሕ ኣይግባእን። ምውዳእ እቶም ኣርባዕተ ናይ ሕደሳ ወይ ሪፎርም ፕሮግራማት፣ ኣእማኒ ናይ ፀጥታ ኩነታት፣ ሰብኣዊ ምርግጋእ፣ ኣብ ምምላስ ዝተመዛበሉ ወገናት ዘሎ ዕብየት፣ ተኸላ ዝሰርሑ ህዝባዊ ትካላትን ምፍጣር ኩሉ ዘጠቓልል ፖለቲካዊ ኸባብን፡ ንመረፃ ዘሎ ድልውነት ንምውሳን ቀንዲ መለኪዕታት ክኾኑ ኣለዎም።
ናይዚ ምሉእ መስርሕ እዚ ማእከል ስሕበት፡ ኣብ መንጎ ዜጋታትን ህዝባዊ ስልጣንን ዘሎ ማሕበራዊ ውዕል ምምላስ ክኸውን ኣለዎ። ፀጥታ እምነት ይፈጥር። እምነት ትካላዊ ተሳትፎ የሰስን። ትካላዊ ተሳትፎ ሕጋውነት ይሃንጽ። ሕጋውነት ኣብ ፖለቲካዊ ዓመፅን ተጻቦኦን ዘሎ ድልየት ይቐንስ። ዝቐነሰ ፖለቲካዊ ዓመፅን ተኽንን ንዳግመ-ህንጸት ቦታ የማእዝን። ዳግመ-ህንጸት መነባበሮ ይተኣዛዙ። ዝተኣዛዘወ መነባበሮ ድማ ንዜጋታት ኣብ ሰላም ነገራዊ ብፅሒት ይህቦም። ስለዚ ብስራሕ እንትርኣዩ ኣናኣሽቱ ዋላ እንተመሰሉ ስትራቴጂካዊ ዝኾኑ ስራሕቲ ኣብነት—ከም ደመወዝን ፔንሽንን ምኽፋል፣ ኣብያተ-ትምህርትን ናይ ጥዕና ትካላትን ምኽፋት፣ ብግደታ ዝግበር ዕስክርና ምግታእ፣ ናይ ማሕበረሰብ ፖሊስ ምምስራት፣ ክብርን ውሕስነትን ዘለዎ ምምላስ ተመዛበልቲ ምምችቻው ንኩሉ ዘጠቓልል ፖለቲካዊ ሕቁፊ ምፍጣርን—ካብቲ ናይ ቀረባ ግዜ ምምሕዳራዊ ንጥፈት ኣዝዩ ዝዓበየ ውፅኢት ክፈጥሩ ይኽእሉ።
ዓለም ለኻዊ ማሕበረሰብ ነቲ ናይ ኢትዮጵያን ትግራይን ትካላትን ወፍርታቶምን ከይተከአ: ነዚ ስግግር እዚ ክደግፎ ኣለዎ። ሕብረት ኣፍሪቃ ናይቲ ናይ ሰላም መስርሕ ዓብዪ በዓል ብጽሒት ኮይኑ ክፀንሕ ኣለዎ። ሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ዓለም ለኻውያን መሻርኽትን ድማ ንሰብኣዊ ውሕስነታት፣ ናይ ስግግር ፍትሒ፣ ትካላዊ ሕደሳ፣ ዳግመ-ህንጸት፣ ናይ መረፃ ምድላውን ናይ ቴክኒክ ሓገዝን ብቀጻልነት ኣብ ምሃብ ክነጥፉ ኣለዎም። ኩነታት ኣብ ዝፈቕደሉ ግዜ፣ ዓለምለኻዊ ሓገዝ ካብ ናይ ህፁፅ እዋን ሰብኣዊ ሓገዝ ሰጊሩ ኣብ ሕውየት፣ ትካላዊ ዳግመ-ህንጸትን ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ክነጥፍ ኣለዎ። ብተወሳኺ ድማ ዓበይቲ ተኣፋፍነታት ኣብ ዘለውሉ ቦታታት ሰብኣዊ መትከላት ዝተሓለዉ ኮይኖም ክቐፅሉ ኣለዎም።
ዓሰርተ፡ መደምደመታ፡ ካብ ናይ ህልውና ፖለቲካ ናብ ናይ ዜግነት ፖለቲካ
ትግራይ ሕዚ ኣብ ወሳኒ ታሪኻዊ መኣዝን ትርከብ። መወዳእታ ናይቲ ሰፊሕ ውግእ መሰረታዊ ፍልልይ ዘለዎ ናይ ፖለቲካ መንገዲ ንምኽታል ዕድል ዝፈጠረ እኳ እንተኾነ፡ ምቕጻል ወተሃደራዊ ባህሊ ማለት እውን “ሚሊተራይዜሽን”፡ ናይ ፖለቲካ ምፍልላይ፡ ዘይምትእማን፣ ዘይምርግጋእ፡ ዘይተፈትሐ ናይ ተፈናቐልቲ ጉዳይ፡ ናይ ትከላት ጉስቁልናን ናይ መንእሰያት ስደትን ግን እቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕነት ጥራይ ነቲ ጸገም ምሉእ ብምሉእ ክፈትሖ ዝኽእል ዘይምዃኑ እዩ ዘርኣየ። ብካልእ ኣዘራርባ፡ ውግእ ደው ምባል ሰላም ከምዘየምጽእ ብተግባር ዝተረኣየ ነገር እዩ። ስለዚ እቲ ሕዚ ዝድለ ሱግግር፡ ሓደ ናይ ፖለቲካ ውድብ ናይቲ ክልላዊ መንግስቲ መሓውራት ንምውራስ ዝገብሮ ቕልስ ኮይኑ ክሰኣል የብሉን። እኳ ዳኣ እቲ ዝነበረ ናይ ፖለቲካ ስርዓት ብሓዲሽ ንምህናፅ ከም ዝተዋህበ ዕድል ተገይሩ ክትርጎም ወይ ክውሰድ ኣለዎ።
ኣብዚ ዉሱን ነጥብታት ምልዓል ይከኣል። በቲ ሓደ ወገን ጉጅለ ህወሓት ዝዳዕንኖ ባህሊ፣ ግዱድ ምልመላ፣ ቀጻሊ ቅልውላውን ናይ መንእሰያት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ስደትን ኣሲዒቡ እዩ። እዚ ኩነታት እዚ ብፍላይ ኣብ እዋን ስግግር ከም ፍሉይ መጠንቀቕታ ክውሰድ ኣለዎ። ዓብዪ መስዋእቲ ዝኸፈለ ሕብረተሰብ ድማ ሰላምን ደሕንነትን ዝመጽእ ወይ ዝረጋገጽ፡ ብቀጻሊ ወተሃደራዊ ምልመላ ብምክያድ ጥራይ እዩ ኢሉ ክኣምን ኣይግብኦን። መንእሰያት ናብ ውግእ ንምምላስ ዘለዎም ኣሉታዊ ምላሽ ማለት እውን “ናብ መኸተ ኣይወጽእን” ምባሎም፡ ከም ናይ ጸጥታ ጸገም ካብ ምውሳድ ንላዕሊ፡ ንፖለቲካዊ ለውጢ ከም ዝጠቅም ፍሉይ ዕድል ተገይሩ ክውሰድን ኣብ ረብሓ ድማ ኽውዕልን ኣለዎ። ናይቶም መናእሰይ፡ ናይ ትምህርቲ፣ ናይ ስራሕ፣ ናይ ምንቅስቓስ፣ ናይ መጠሻ ስደራን ናይ ሲቪል ዜግነትን ሃረርታ ናይቲ እንሓስቦ ዘለና ስግግርን ዳግመ ህንጸትን ገዚፍ እታወት ኮይኑ ከገልግል ይግባእ።
ስለዚ እቲ ሱግግር ክልተ ለውጥታት ብሓደ ግዜ ከስዕብ ኣለዎ። እቲ ቐዳማይ፡ ናይ ትካላት ለውጢ ኮይኑ፡ ብእኡ ኣቢሎም ናይ ትግራይ ናይ ፖለቲካ፣ ናይ ጸጥታ፣ ናይ ፍትሒ፣ ናይ ምምሕዳርን ናይ ኢኮኖሚን ትካላት ዝህነጹሉ እዩ። እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ናይ ፖለቲካዊ-ባህሊ ለውጢ ኮይኑ፡ ብእኡ ኣቢሎም ንፖለቲካዊ ምልካውነት፡ ንግደታዊ ምልመላን ንወተሃደራዊ ምምሕዳርን ህያው ዝገብሩ ናይ ቀደም ኣሰራርሓታት ብናይ ብዙሕነት፡ ናይ ተሓታትነት፡ ናይ ሕገ-መንግስታውነትን ናይ ሰላማዊ ዉድድርን ኣሰራርሓታት ዝተክኡሉ ኩነት እዩ።
እቶም ኣርባዕተ ናይ ሪፎርም ፕሮግራማት፡ ማለት እውን ዲሞክራሲያዊነትን ዘተኣማምን ብተና ስልጣንን ማለት እውን “ዲሴንትራላይዜሽን”፣ መደባት ሪፎርም፡ ብፍላይ ድማ ሪፎርም ትካላት ጸጥታ፣ ሪፎርም ስርዓት ፍትሒ፣ ሪፎርም ሲቪል ሰርቪስ ኣኽኣልቲ መሓውራት ኮይኖም ነዞም ለውጥታት ዘረጋግፁ ክኾኑ ኣለዎም። እዚኦም ግን ከም እተፈላለዩ ቴክኒካዊ ፕሮጀክታት ተገይሮም ክተግብሩ የብሎምን። ናይዞም ሪፎርምታት ዋጋ ዝርከብ ኣብቲ ዘለዎም ሕድሕዳዊ ምእሳርን ነብሲ ወከፋዊ ምትእስሳርን እዩ። ዲሞክራሲያዊነት ጥዕና ዘለዎ ሲቪል ጸጥታ ይሓትት። ጽቡቕ ናይ ሲቪል ጸጥታ ጥዑይ ፍትሒ ይሓትት። ጥዑይ ፍትሒ ሞያዊ ትካላት ይሓትት። ሞያዊ ትካላት ድማ ካብ ፖለቲካ ነጻ ዝኾነ ሲቪል ሰርቪስ ይሓትት። እዚኦም በበይኖም ዘይኮነስ ብሓደ ኮይኖም፡ ንሓደ ናይ ድሕሪ ውግእ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ተኸላ ናይ ትካል መሰረት ክኾኑ ይኽእሉ።
እቶም ሸውዓተ ናይ ሱግግር ታኼላታት እውን ብተመሳሳሊ፡ ብተኸታታሊ ዝመጹ ዘይኮነስ፡ ብሓደ ተደሚሮም ክረኣዩ ዝግበኦም እዮም። ኩሉ ዘሳትፍ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ምትካል፡ ንሱግግር ዘድልይ ናይ ፖለቲካ ባይታ ይፈጥር። ምርግጋእ ንናይ ሲቪል ህይወት ምችው ኩነታት ይፈጥር። ምምላስ ህዝባዊ ኣገልግሎት ናይ መንግስቲ ውጽኢታውነት የርኢ። ምምሕዳር ሰብኣዊ ሓገዝ ሰብኣዊ ክብሪ ይሕሉ። ዳግመ ህንጸት ንምሕዋይ ዘድልይ ቁሳዊ መሰረት ይፈጥር። ተመዛበልቲ ብኽብርን ብውሑስን መንገዲ ምምላስ ምኽኣል፡ ዜግነትን ሕብረተሰባዊ ሕብረትን የረጋግጽ። ሕደሳ ዲሞክራሲ ድማ እቲ ናይ ሱግግር ስልጣን ኣብ መወዳእታ ናብ ሕጋዊን ሕገ-መንግስታዊን መንግስቲ ዝሓልፈሉ መገዲ ይጸርግ።
ኣብ መወዳእታ እዚ ናይ ስግግር መስርሕ እዚ ኻልእ ግዝያዊ ናይ ፖለቲካ ስምምዕ ፈጢርካ ንምፉሓኽ ዘይኮነስ፡ ሕጋዊ፣ ዲሞክራሲያዊን ሕገ-መንግስታዊን ስርዓት ንምትካል ዕላማ ዝሓዘ ክኾን ኣለዎ። ስለዚ እቲ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ንባዕሉ ከም ድልድል እምበር ከም መወዳእታ መዕረፎ መንግስትነት ክርእዮ የብሉን። ናይ ስግግር መስርሕ፡ ዳግመ ህንጸት ካብ መሰረተ-ልምዓት ምህናፅ ንላዕሊ ምዃኑ፤ DDR (ምፍታሕ ኣጽዋርን ምጥያሽን) ካብ ምፍታሕ ዕጥቂ ተዋጋእቲ ንላዕሊ ምዃኑ፤ ፍትሒ ካብ መቕጻዕቲ ንላዕሊ ምዃኑ፤ ዕርቂ ካብ በደል ምርሳዕ ንላዕሊ ምዃኑ፤ ሰላም ድማ ካብ ውግእ ዘይምህላው ንላዕሊ ምዃኑ ክርዳእ ኣለዎ።
ናይቲ ሱግግር ስልጠትን ዓወትን ኣብ መወዳእታ ዝዕቀን፡ ሓደ ተራ ናይ ትግራይ ዜጋ ብዘይ ፍርሒ ክነብር፡ ብዘይ ምፍንቓል ክሰርሕ፡ ብዘይ ግደታ ኣብ ፖለቲካ ክሳተፍ፡ ብዘይ ናይ ፖለቲካ ኣባልነት ናይ ህዝቢ ኣገልግሎት ክረክብ፡ ብዘይ ስደትን መቕጻዕትን ምስ መንግስቲ ክፈላለ፡ ከምኡ እውን ንደቁ መጻኢ ክሓስብ ዘኽእል ኹነታት ክፍጠር እንተሎ እዩ።
ስለዚ ኣብዚ ናይ ስግግር ወቕቲ እቲ መሰረታዊ ሕቶ፡ ካብ ውግእ ንደሓር ንትግራይ መን ይመርሓ ዘይኮነስ፡ ካብ ናይ ውግእ ተመክሮ ንደሓር ትግራይ ብኸመይ ክትምራሕ ኣለዋ ዝብል እዩ። እቲ መልሲ፡ ውድባት ፖለቲካ ብዘይ ሰራዊት ዝወዳደሩሉ፤ ትካላት ጸጥታ ጊላ ፖለቲካ ውድባት ዘይኮነስ ሓለውቲ ሰላም ዜጋታት ዝኾኑሉ፣ ህዝባዊ ትካላት ንውድባት ዘይኮነስ ንዜጋታት ዘገልግሉሉ፤ ንመንእሰያት ካብ ግደታዊ ምልመላ ንላዕሊ ትምህርትን ስራሕን ዝወሃበሉ፤ ዝተፈናቐሉ ወገናት ብኽብርን ብመሰልን ዝምለስሉ፤ ግዳያት ኣፍልጦን ግቡእ ሓገዝን ዝረኽቡሉ፤ ሕብረተሰብ በደሎም ከይደፈንካ ክዕረቑ ዝኽእሉሉ፤ ዜጋታት ድማ ብዘይ ሓይሊ ወይ ዓመፅ መንግስቶም ምቕያር ዝኽእሉሉ ናይ ፖለቲካ ስርዓት ክኾን ኣለዎ።
እቲ ናይ ድሕሪ ውግእ ሱግግር ቀንዲ ፈተና እዚ እዩ፡፡ ትግራይ ነቲ ናይ ውግእ መወዳእታ ናብ ሓዲሽ ናይ ፖለቲካ ስርዓት መጀመርታ ክትቀይሮ ትኽእልዶ? ተሪር ሕቶ እዩ። ካብ ናይ ህልውና ፖለቲካ ናብ ናይ ሲቪል ፖለቲካ ንሰጋገር።
ዶክተር ሙዑዝ ግደይ
1 ጥቅምቲ 2019