ሰለስተ ዓመታት ብክልተ ፕረዚደንታት እናተመርሐ ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝፀንሐ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምምላስ ተመዛበልትን ምውሓስ ግዝኣታዊ ሓድነትን ሓዊሱ ስትራተጂክ ሕቶታት ትግራይ ምምላስ ከይክኣለ ምፅንሑ፡ በዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቐፃሊ ሰላሕታዊ ፅንታ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ።
መፍትሕ እዚ ረዚን ፀገም፡ “ሓቛፋይ፣ ኣሳታፍን ንኩሉ ዓቕሚ ትግራይ ዝእክብን ካብ ብሄራዊ ጉባኤ ዝምንጭው ናይ ስግግር መንግስቲ ምጥያሽ እዩ” ዝብል ብብዙሓት ሓይልታት ትግራይ ዝእመን ሓሳብ ብሓደ ገፅ፡ “እዚ ፀገም ዝእለ ግዝያዊ ምምሕዳር ፈሪሱ እቲ ብአስታት 2.8 ሚልዮን ህዝቢ ዝተመረፀ ተወዚፉ ዝፀንሐ መንግስቲ ትግራይ ናብ ስሩዕ ስርሑ ብምምላስ እዩ” ዝብል ብቀንዱ ብውድብ ህወሓት ዝስጉም ሓሳብ ብካልእ ገፅ፡ ንፖለቲካ ትግራይ ከፊሎም ሒዞምዎ ኣለዉ።
እዚ ከምዚ እንተሎ ድሕሪ በይናዊ ምንዋሕ ሽመት ታደሰ ወረደ ዝተፈጠረ ቁጥዐ ንሱ ዝወለዶ ዉዑይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ኣብ ኣክሱም ብመሰረት ዝተትሓዘ ሓዱሽ ቅዋምን ህወሓት፡ ንኣቦ ወንበር እቲ ውድብ ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ፕረዚደንት ገይሩ ምምዛዙ ዝፍለጥ እዩ።
ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዛጊድ ሪኢቶኡ ዘይሃበ መንግስቲ ፌደራል፡ “እቲ ተግባር ኣንፃር ፕሪቶርያ እዩ” ብዝብል ኣብ መንጎ እቶም ተወዓዓልቲ ጎነፅ ፈጢሩ ኩናት ከይወልድ ስግኣት ብዙሓት ኮይኑ ኣሎ።
መፍትሕ ፀገም ትግራይ ልዕሊ ሓደ ሰብ፣ ልዕሊ ሓደ ውድብን ሓደ ሓሳብን እናኾነ ብምምፅኡ ምኽንያት “ትግራይ ዓቕሚ ደቃ ብልዑል ናህርን ብእኹል መጠንን ክትጥቀም ኣለዋ” ዝብል ቅዋም ገዛኢ ናይ ቲቢኤስ ኩርናዕ ሚድያ (media framing) ኮይኑ ምዝላቑ ዝዝከር እንትኸውን ሕዚ እውን በዚ ሓዱሽ ፕረዚደንት ዝምራሕ ነባር መንግስቲ ነዚ ኣገዳሲ ነጥቢ እዚ እኹል ግምት ብምሃብ ዘላ ኣንፃራዊት ሰላም ትግራይ ኣብ ምዕቃብ፣ መዋቕራዊ ሕቶታት ትግራይ ምምላስ ዘኽእል ዓቕሚ ኣብ ምእካብን ንዘላቒ ፖለቲካዊ ለውጢ ህዝቢ ትግራይ ባይታ ዘንፅፍ ዋኒን ኣብ ምዕማምን ታሪኻዊ ጉቦኦም ክዋፅኡ ንላቦ።
ቲቢኤስ
ወርቃዊ