መልእኽቲ ቲቢኤስ
ሰላም ትግራይ ይኹን ኢትዮጵያ ዝረጋገፅ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ምፍፃም እንትከኣል እዩ።
“ምኽክር” ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ መድረኽ ምኽክር ተጋሩ ሕቶ ሕጋውነትን ቅቡልነት ገጢምዎ።
“ትግራይ ክትመክር ኣለዋ”
ኣብ ትግራይን ብደቂ ትግራይን ክኸውን ዝግብኦ ዝነበረ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ሕቶ ቅቡልነት ኣልዒሉ።
ቅዋም ናፅነት ኣብ ምኽክር ኮምሽን
ንህዝቢ ወኪሎም ዝርከቡ ኣካላት ኣብ ዘይብሉ መድረኽ ምኽክር ኣይንሳተፍን ክብል ውድብ ናፅነት ገሊፁ
ቅዋም ዓረና ኣብ ምኽክር ኮምሽን
ብዛዕባ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምኽክር ምክያዱ ንዲሞክራሲ ላእላውነት ትግራይ ዝፃባእ እዩ ክብል ውድብ ዓረና ገሊፁ።
ምጅማር ስራሕ ባጃጃት መቐለ
ብኤልክትሪክ ዝሰርሓ ባጃጃት ንከተማ ንክኣትዋ ተባሂሉ ዝተወሰነ ውሳነ ከም ብሓዱሽ ተራእዩ ንክጅምራ ተወሲኑ።
ፃውዒት ጉባኤ ሃይማኖታት ትግራይ
ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ፍትሒ ንክረክብ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ፀዊዑ።
ኣርጀንቲ ኣብ ጉዳይ ኢራን
ኣርጀንቲና ንሓለዋ ሰውራ ኢራን ግብረ ራዕዳዊ ትካል እዩ ክትብል ገሊፃቶ።
ምውዳእ ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ
ኲናት ኢራን ድሕሪ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰሙን ክዛዘም ይኽእል እዩ ክብል ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ገሊፁ።
ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ መጋቢት
ናህሪ ኩናት ንምክልኻልን ባይታ ሰላም ንምስፋሕን ኣብ ኣገዳስነት መጠሻ ሓዱሽ መንግስትነት ትግራይ ምስራሕ የድሊ።
#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ