TBS TV

🔴TBS TV| ዓወትካ ኣፍሲሶም ይናኸሱ | ዝኽሪ 21 ሰነን ህልውቲ ትግራይን | እገዳ ኣሜሪካ ንመራሕቲ ሱዳን |ዜናታት 21 ሰነ 2018#ህወሓት

ዓወት 21 ሰነ

ጅግና ተጋደላይ ትግራይ ምእንተ ህላወ ዓዱ ክብል ዝኸፈሎ ቅያን መስዋእትን ብዝኾነ እዋናዊ ኩነት ኣይሃስስን ኣይድምሰስን።

ዝኽሪ 21 ሰነን ህልውቲ ትግራይን

መስዋእቲ መላምል ደቂ ህዝብን ትግራይ ሐዚ ዘላቶ ብርክን ዝወዳደር ዘይምዃኑ ከርና ከምዘሕዝን ተገሊፁ።

መልእኽቲ ኪሮስ ጉዕሽ (ፒኤችዲ)

ተፈተንቲ ተምሃሮ እዚ ዓመት ናይቲ ፈተና ስነ ስርዓት ኣኽቢሮም ክፍተኑ ይግባእ ተባሂሉ።

ክልከላ ለይታዊ ጉዕዞ

ካብ ትግራይ ናብ ኻልኦት ክልላት ብለይቲ ዝጓዓዛ ኣውቶብሳት ጠጠው ንክብላ መምርሒ ወሪዱ።

ዋዕላ ቤት ምኽሪ ንሰላምን ለውጥን

ኣብ ትግራይ ይካየድ ኣሎ ዝበሎ ግፋን ሓዱሽ ኣዋጅን ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ዘተ ትግራይ ኣብ መንቅርቅር ከምዘላ ገሊፁ።

ሓሳባት ጀነራል ፃድቃን

ንክልተ መፅሓፍቲ ጀነራል ፃድቃን ዳህሲሱ ዝዘተየ መድረክ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።

ኣንደበታት ሰላም

ትግራይ ሰላማ ክትረክብ ፈለማ ደቃ ክትእክብ ይግባእ።

“እቲ ዝቐለለ ዝኸበዶም”

መራሕቲ ትግራይ ናብ ልዝብን ዘተን ዝወስድ እቲ ዝቐለለ መንገዲ ገዲፎም ንህዝቦምን ባዕሎምን ኣብ ሓደጋ የውድቑ ኣለዉ።

እገዳ ኣሜሪካ ንመራሕቲ ሱዳን

ኣብ ሱዳን ዓመጽ ንምቕጻልን ጻዕርታት ሰላም ንምዕንቃፍን ተሓተትቲ ዝኾኑ ውልቀሰባትን ስጉምቲ ከምእትወስድ ኣሜሪካ ገሊፃ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ሰነ
ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘድልያ ጎንፅን ተኽንታትን ዘይኾነስ ሰላምን ራህዋን እዩ።
#tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *