TBS TV

🔴TBS TV| ሬድዋንን ጌታቸውን ‘ታይ በሉ? | ምቁራፅ ሓይሊ ኤልክትሪክ | “ሕቐ ኢራን ኣይስበርን” |ዜናታት 05 ሰነ 2018#tigraytoday#ህወሓት

መልእኽቲ ቲቢኤስ
ኣብ ሓደጋ ዘላ ትግራይ ንምድሓን ንትግራይ ዝመስል መንግስትነት ኣብ ምህናፅ ርብርብ የድሊ።

ጌታቸውን ሬድዋንን ኣብ ኣልጀዚራ

ኢትዮጵያ ዳግም ናብ ኩናት ክትኣቱ ድልየት ከምዘይብላ ተገሊፁ።

ምቁራፅ ሓይሊ ኤልክትሪክ

ፅባሕ 6 ሰነ 2018 ዓ.ም ኣብ ዝተፈለላዩ ከባቢታት ትግራይ ምቁራፅ ሓይሊ ኤልክትሪክ ከጋጥም እዩ ተባሂሉ።

ኣንደበታት ሰላም

ትግራይ ሰላማ ክትረክብ ፈለማ ደቃ ክትእክብ ይግባእ።

ብምትላል ዝተኸሰሰ ነበር ሚኒስተር

ነበር ሚኒስትር ኣቬሽን ናይጀርያ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምክራይ ናይ ሓሶት ምረቃ መንገዲ ኣየር ብምክያዱ ክሲ ተመስሪትሉ።

እምቢታ ጋናውያን

ኣብ ከተማ ኣክራ ጋና ዝርከቡ ሰልፈኛታት ደቡብ ኣፍሪካውያን ካብ ጋና ክወፁ ፀዊዖም።

“ሕቐ ኢራን ኣይስበርን”

ኢስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ሰራዊት ኢራን ንዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ጸላኢ ምላሽ ንምሃብ ምሉእ ድልዊ ምዃኑ ገሊጹ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ሰነ
ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘድልያ ጎንፅን ተኽንታትን ዘይኾነስ ሰላምን ራህዋን እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *