ታሪኽ ኣብዚ ዕለት
ቅድሚ 35 ዓመት ከምዚ ዕለት 20 ጉንቦት እቲ 17 ዓመታት ዝተኻየደ መሪር ቃልሲ ኣንፃር ደርግ ብዓወት ዝተዛዘመሉ ዕለት እዩ።
መግለፂ ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ
እቲ ማሕበር ደቂ ስውኣት ንሕድሪ ወለዶም እሙናት ኮይኖም ንመሰለን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ብንቅሓት ክንሰርሑ ፀዊዑ።
ገምጋም ኣመራርሓ ፖሊስ ትግራይ
ፖሊስ ብዘተኣማምን ውሽጣዊ ሰላም ከረጋግፅን ንናይ ደጋ ሓደጋ ክምክትን ይግባእ ተባሂሉ።
“ግፋ “ብውድብ ስምረት
ውድብ ስምረት ኣብ ትግራይ ይካየድ ኣሎ ዝበሎ ግፋ ሓዱሽ ኲናት ንምጅማር ዝዓለመ እዩ ክብል ገሊፁ ።
“ግፋ” ብውድብ ባይቶና
ውድብ ባይቶና ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ዝበሎ ግዱድ ግፋ መናእሰይ ተጋሩ ኾኒኑ።
“ግፋ” ብውድብ ወለዶ
ውድብ ወለዶ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግፋ ዓለም ለኻዊ ገበን እዩ ክብል ገሊፁ።
መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ጋዛ
እስራኤል ኣብ ጋዛ ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ መራሒ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ መሓመድ ኦዴህ ቀቲለዮ ኢላ።
ወጥሪ ኣሜሪካን ኢራንን
ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ንኻልኣይ ግዚኣ ንኢራን ከምዝወቐዐት ተሓቢሩ።
ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ግንቦት
ምስሳን ብሄራዊ ተረኽ ንዝተማለአ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ኣድላዪ እዩ። #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ