TBS TV

🔴TBS TV| ወንበር ዘቕሀመን ዕድላት | መፀዋዕታ ደብረፅዮን ገብረሚኪኤል | ኣሜሪካ እተሕድረን ትንፋሳት|ዜናታት08ግንቦት 2018#tigraytoday#ህወሓት

መጠሻ ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን

ፈለማይ ቤት ምኽሪ ምንቅስቓስ ደልየቲ ለውጢ ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከካይድ እዩ።

ዕድል ስራሕ ንሓርበኛታት

ጀጋኑ ሓርበኛታት ተወዲቦም ንክሰርሑ ዘኽእል ኣሰራርሓ ተዘርጊሑ ናብ ተግባር ምእታው ከምዝተጀመረ ተሓቢሩ።

ኣሕዋት ክዋግኡ ዝገብር ፖለቲካ

ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ሓይሊ ትግራይ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ደው ክብል ይግባእ ተባሂሉ።

መፀዋዕታ ደብረፅዮን ገብረሚኪኤል

ኣንፃር ትግራይ ዓዶምን ህዝቦምን ዝተሰለፉ ዝበሎም ወገናት ናብ ዓዶም ብምምላስ ብሰላማዊ መንገዲ ክቃለሱ ፀዊዑ።

ኣንደበታት ሰላም

ትግራይ ሰላማ ክትረክብ ፈለማ ደቃ ክትእክብ ይግባእ።

ኣሜሪካ እተሕድረን ትንፋሳት

ምቁራጽ ረድኤት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካ ግጭትን ዓመጽን ንክውስኽ ምኽንያት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሓድሽ ለበዳ ሕማም ኢቦላ

ሓዱሽ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ከምዝተረኣየን 65 ሰባት ከምዝቐተለን ተሓቢሩ።

ዝተቐተለ መራሒ ኣይኤስ

ፕረዚደንት ትራምፕ መራሒ ኣይኤስ ከምዝተቐተለ ኣፍሊጡ።

ዝተናወሐ እማመ ሰላም

ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕነት ንተወሳኺ 45 መዓልታት ተናዊሑ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ግንቦት

ምስሳን ብሄራዊ ተረኽ ንዝተማለአ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ኣድላዪ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *