TBS TV

“ገረብ ብሓኽላ”[….ህልኽን በለፅን ዝወለዶ ጋግ መንግስትነት!]——#ሓተታጥቕልል ብዝበለ መንገዲ ምጅማር…. ነቲ ትንትን ኣቢልካ ክርአይ ዝድለ ዘሎ ጋግ መሪሕነት ወይ power vacuum… ዝሕግዝ ናይ ሓሳብ መተራኣስን ናይ ለበዋ ዳስን ዝህብ እዩ። እቲ ሓደን መሰረታውን ተቓርኖ ስልጣን ከደልድል ዝደሊ ሓይልን “ትግራይ ጋግ መንግስታዊ ስልጣን ወይ power vacuum ኣጋጢምዋ….. መውዓሊ ዕዋሉን መጻወቲ ስድታትን ክትከውን ኣይግባኣን” ዝብል ሓይልን ዝፈጠርዎ ምስሕሓብ እዩ ኣብ ዝብል ብዙሓት ይሰማምዑ። ትኹረት እዚ ሓተታ እውን ዕጻ ጀነራል ታደሰ ብመንጽር እዚ ተቓርኖ እዚ ምርኣይ ይኸውን።

ካብ ቀረባ ታሪኽና ንምጅማር…. መረጻ 2012 ዓ/ም ይኹን ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ መረጻ ዘርኣዮ ውግንና ንውድብ ህወሓት ፍሉይ ፍቕርን ኣድናቖትን ሃልይዎ ዝገበሮ ዘይምንባሩ ብተደጋጋሚ ይዝረብ። እቲ መረጻ እቲ “ሆ” ኢሉ ዘካየዶን "ትግራይ ትመርጽ" ኣብ ትሕቲ ዝብል ዉዑይ ጭርሖ ብወነ ዘሳለጦን፡ “ካብዚ ውድብ እዚ ዝሕሽ ሓይሊ ጠፊኡ ኣይነበረን” ዝብሉ እውን ተሟጎትቲ ብዙሓት እዮም። ርግጽ እዩ… ብኣንጻሩ “ውድብ ህወሓት ዘለኣለማውን ዘይጋገን ናይ ህዝቢ ትግራይ ብሕታዊ ፖለቲካዊ ትካል እዩ” ካብ ዝብል እምነት ተበጊሶም ነቲ መረጻ እቲ ይኹን ኣብቲ እዋን ንዝተረኣየ ናይ ህዝቢ ትግራይ ታሪኻዊ ተሓላቕነት ናይ ቃልሶም ውጺኢ ገይሮም ዝወስድዎ ኣለው። ነቲ ፍጹም ዝተፈለየ ኩነታት እቲ፡ ብዝጠዓሞምን ትርፊ ብዝረኽብሉን መንገዲ ዘንብብዎ ናይቲ ውድብ ወገናት እውን ብዙሓት እዮም።

እቲ ሓቂ ግን ልዕሊ እዞም ክልተ ኣተሓሳስባታት እዩ ዝመስል። ኣብ’ቲ እዋን እቲ ዝነበረ ዉዑይ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስን ውሳነን፣ እዚ ውሳነ ዘምጽኦ ጣጣን ዝተኸፈለ ዋጋን ጠቕላላ “ትግራይ ጋግ መንግስታዊ ስልጣን ወይ power vacuum ኣጋጢምዋ..... መውዓሊ ዕዋሉን መጻወቲ ስድታትን ክትኸውን ኣይግባኣን" ካብ ዝብል ናይ ለባማት ኣተሓሳስባ ጽያፉ ናይ ዝኸተተ ህዝቢ ውሳነን እዩ ዝነበረ።

ውግእ ተወሊዑ ክልተ ዓመት ምሉእ ዝተኸፈለ ዋጋ ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ሓደ ታሪኻዊ ትርጉም ነይርዎ። ዘይከም ሕዚ… ካብ ኣዲስ ኣበባን ጎንደርን ጥራይ ዘይኮነ፣ ካብ ኣምቦን ኣዋሳን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ካብ ኣሜሪካን ኣውሮፓን ካብ ኤሽያን ማእከላይ ምብራቕን ከይተረፈ “ትግራይ ተወሪራ ደቂሰ ኣይሕዳርን” ኢሉ ብርር ኢሉ መጺኡ ኣብ ሜዳ ትግራይ ዝተረኸበ ትግራዋይ…. ከምቲ ገሊኦም ኣብ ኩባያ ጸላእቲ ህዝቢ ትግራይ ተሰኽቲቶም፡ ዘዕብር ፍትፍት ክበልዑ ንህዝቦም ኣደዳ ኣራዊት ዝገበሩ ወገናት ዝብልዎ... ጸጊቡ ጢንጢን ኢሉ ውግእ ደልዩ ኣይነበረን ከምኡ ዝገበረ።

ካድረ ኣታሊልዎ እውን ኣይኮነን ዝተጋደለ። ከምቲ ንሳቶም ብብደዐ ዝብልዎ ኩናት ስለዘፍቀረ እውን ኣይነበረን ካብ ምችው ናብራኡ ተሲኡ ናብ ሓጎጽጎጽ ዝኣተወ። እንታይ ዳኣ “ትግራይ ጋግ መንግስታዊ ስልጣን ወይ power vacuum ኣጋጢምዋ..... መውዓሊ ዕዋሉን መጻወቲ ስድታትን ክትከውን ኣይግባኣን" ካብ ዝብል ዝበሰለ ማሕበረሰብ ካብ ዝሕዞ ቅዋም ዝብገስ እዩ ዝነበረ። ኲናት ተወሊዑኡ። ጽንታ ዘተኣናገደ ኩናት። ክባር ዋጋ ተኸፊሉ።

እዚ ክባር ዋጋ ክኸፍል ድልዊ ዝነበረ ዓብይን ንእሽተይን ሰበይትን ሰብኣይን፡ ገሊኡ ካብ ስሩዕ ስርሑ… ገሊኡ ካብ ናይ ጥሮታ ህይወቱ… ገሊኡ ካብ ምእራይ ወርቁ… ገሊኡ ካብ ምሕላው ከፍቱ... ገሊኡ ካብ ቤት ትምህርቱ ገሊኡ ካብ ቢዝነሱ ወዘተ በርደግ ኢሉ ናብ ውግእ ዝኣተወ…. ከምቲ ገሊኦም ባዕሎም ጎቲቶም ኣብ ዘምጽእዎ ኩናት ዝጃሃሩ... ከምቲ ገሊኦም ከትርፍዎ ኣብ ዝኽእሉ ዝነበሩ ኩናት ኣትዮም “መሪሕና ኣዕዊትናዮ” ኢሎም ዘየሳግር ሸቶ ከቑጽሩ ዝፍትኑ… ውድቦም ከድሕኑ ናይ ዝተኣኻኸቡ መኸተ ኣይነበረን። ሽሕ እንተጸገመ እዚ ዝድፈን ሓቂ ኣይኮነን። እቲ መኸተ ብዓብይኡ “ውድቦም ከድሕኑ ናይ ዝተኣኻኸቡ” መኸተ ኣይነበረን። እንታይ ዳኣ ብቅኑዕ ብሄራዊ እምቢታ እዩ ተበገሱ። እቲ ኣብ መኸተ ዝተሳተፈ ሓይሊ ቀንዲ ዕማሙን ናይ ዝንተእለት ትልሙን “ትግራይ ጋግ መንግስታዊ ስልጣን ወይ power vacuum ኣጋጢምዋ..... መውዓሊ ዕዋሉን መጻወቲ ስድታትን ክትከውን ኣይግባኣን" ዝብል እዩ ነይሩ።

ብሳላ ስሙር ቃልሲ ደቂ ህዝቢ እቲ ተሓርጓታይ በዓል ኩባያ መሓዛ ጸላእቲ ኮነ… እቲ ተጀሃራይ ኣብ መኸተ ህዝብና ዝተሳተፈ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብኢድ ጌታቸው ረዳ ብዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣንጻራዊ ዕረፍቲ ምስረኸበ ናይቲ ኣብዛ መኸተ እዚኣ ብዘይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ምልዕዓል ተጋዲሉ፣ ብዘይ ዝኾነ መብረ ሓጸልጸል ኢሉ፣ ብዘይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ድልየት ግቡኡ ዝፈጸመ መንእሰይ ድልየቱን ባህጉን፣ ሕልሙን ራእዩን፣ ዕላማኡን ሸቶኡን፣ ክብሩን ስብእኑኡን…. እዞም ወንበር ዝመጠመቲኦም ሓይልታት እዚኦም ክካፈልዎን ኣብ ደንበ ሕመቖም ኣእትዮም ክማቐልዎን ኣብ ግምቱ ዝነበረ ጉዳይ ኣይኮነን። መጋደሊ ነጥቡ ምምላስ ብሄራዊ ክብሪ… ናይ ትዕግስቱ ምንጪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ገይሩ…. ኣብ ከቢድ ውልቀሰባውን ብሄራውን መሃሙቕ ኣትዩ ውዒሉ ዝሓደረን ብመንገዲ ሓዊ ዝሰደረን.... ጌታቸው ኣደይቡ ንደብረጽዮን ክውርድ፣ ንጌታቸው ኣውሪዱ ንታደሰ ከደይብ፣ ንታደሰ ኣውሪዱ እውን ናብ ካልእ ዙር ዕንክሊል ከኣቱ ኣይነበረን። እንታይ ዳኣ “ትግራይ ጋግ መንግስታዊ ስልጣን ወይ power vacuum ኣጋጢምዋ..... መውዓሊ ዕዋሉን መጻወቲ ስድታትን ክትከውን ኣይግባኣን" ካብ ዝብል ሓፍ ዝበለ መርኣዪ እዩ ዝነበረ።

ዘይተዓደለ ናይ’ዚ ክቡር መኸተ ሓይሊ ግና፡ “ንጌታቸው ርኣኹ ሰይጣን ርኣኹ” ዝበለ ጉጅለ ገና ናብ ደጀን ከይሓለፈ ምድራን ሰማያን ዕሾኽ ክትከውን ብምግባር…. እዚ ፕረዚንደት እዚ “ኮን ዶ ኮን ብናይ ግዝያዊ ምምሕዳር መስመር ሓሊፉ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝመረጾ ህዝባዊ መንግስትነት ይሰግር ይኸውን?” ዝብሃል ዝነበረ ሕልሚ ኽመክን ብምግባር፡ ጠቕላላ ፖለቲካ ትግራይ፡ ፖለቲካ እቲ ክባር ህዝቢ ምዃን ተሪፉ ፖለቲካ ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ሰባት ኽኸውን ብምግባር፡ ተስፋ ዝተነበረለን ክልተ ዓመታት ባኺነን ክተርፋ ምኽንያት ኮይኑ። እቲ ግዜ ምስ ኣባኸኑ፣ እቲ ስልጣን ምስ ኣምከኑ፣ እቲ ፕረዚደንት እግሩ ዝተቖረጸ ኣብ መቐለ ጥራይ ዝንጥልጠል ፕረዚደንት ክኸውን ምስ ገበሩ፣ ኣብ ባይታ ቃል ፕረዚደንቱ ዝሰምዕ፣ ውሳነ ካቢኔ ዓዱ ዘፈጽም ዋላ ሓደ ካድረ ከይህሉ ምስ ገበሩ፡ በቲ ዝተፈጠረ ጸገምን ክፍተትን ከሲሶም…. ከሲሶም ጥራይ ዘይኮነ ብወፍርታት እምቢታን ገለን ኣሰይጥኖም…. ኣሰይጥኖም ጥራይ ዘይኮነስ ካብታ ዝተወለደላ፣ ዝሰረሓላ፣ ዝተጋደለላን በዓል ስልጣን ኮይኑ ዘገልገለላን ዓዲ ኣባሪሮም፡ “ተዓዊትና” ኢሎም። ኣብዚ “ንጌታቸው ይኹን ንጻድቃን ዋላ ንካልእ ኣይደፋእናን ኣየባረርናን” ዝብሉ ሰበ ስልጣንን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ብማዕረ እቲ ክሲ እንትምልሱ ምዕዛብና ምቕማጥ ሚዛናውነት እዩ።

እዚ ኩነታት እዚ…ዓዲ ንዝኣክል ገዚፍ ቁምነገር ንዒቑ፣ ህዝቢ ንዝኣክል ዓብዪ ዛዕባ ኣናኢሱ ንዝርኢ ጸገም ዘይክህልዎ ይኽእል እዩ። እንተኾነ፡ መጸለምታ፣ ዕንወትን ፍርሰትን እቲ ቀዳማይ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ዝኸፍአ በሰላኡ ኣብቲ ዓዲ ገዲፍዎ ዝኸደ ጉድ እዩ። ብዙሓት ብማዕረ ድምጸት ዝብልዎ እቲ ኩነታት እቲ ጋግ መንግስታዊ ስልጣን ክፍጠር እዩ ገይሩ። ብረት ኣብ ፖለቲካ ኣትዩ ፖለቲካውን ምምሕዳራውን ጉዳያት ክዳኒ እዩ በሪ ከፊቱ። ብረት-ሓገዞ ፖለቲካ ድማ ናይቲ ዓዲ ልሙድ መስርሕ ክኸውን እዩ ገይሩ። እቲ “ዳስ ዓደይ ፈሪሱ” ኢሉ ዝተጋደለ ናይ መኸተ ሓይሊ ውሽጡ ሕሩር ኮይኑ ዝነብር ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት እውን እቲ ጉዳይ ልዕሊ ጌታቸውን ደብረጽዮንን ሕልፊ ታደሰን ጻድቃንን ስለዝሪኦ እዩ። እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ደንበ ደለይቲ ለውጢ ኣለና ናይ ዝብሉ ወገናት ገዛኢ ሓሳብ ኮይኑ ዘሊቑ ኣሎ።

ምኽትል ፕረዚደንትነት ጌታቸው ረዳ ኮይኑ ክልተ ዓመት ጸኒሑ… ኣብ ዘበን ጌታቸው ናይ ዝነበሩ ኹሎም እወንታታት ይኹኑ ኣሉታታት ማዕረ ተኻፋላይ ዝኾነ…. ካብ ነባራት ተጋደልቲ ትግራይ ሓደ ዝኾነ ሌትናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብ ዘበን ምኽትልነቱ ዝለዓልሉ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ነቐፌታትታ ሱርን ጉንድን ወሲኾም እዮም ዝኸዱ። ካብዚኦም እቲ ሓደ ነቲ ናይ ጸጥታ ኣካል ዝጥምት ምክትል ስለዝነበረ ሰራዊት ተጸዋዕነቱ ናብ መንግስቲ ኮይኑ “መንግስታዊ ስርሓቲ ይወግንን ብፕረዚደንት ይተኣዘዝን” ዝብል ስሩዕ ዝኾነን ብሕግን ብደንቢን ዝተደገፈን ቅዋም ተጻቦኦ እንትበጽሖ ስኽ ኢሉ ብምርኣይ ይኽሰስ ነበረ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ብረት ናብ እንዳ ፖለቲካ እንትትቕልቀል መሪሕነት ዝሃበን ብድሕሪት ኮይኑ ልዕሊ ኮር እናተበሃለ ንዝጽዋዕ ሓይሊ ዝፈጠረን ሰብ እዩ እናተብሃለ ብፍላይ በቶም ካብ መቐለ ተነቒሎም ኣዲስ ኣበባ ክኸዱ ዝተገደዱ ነባራት መራሕቲ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብትረት ይውቀስ። እዚ ወቐሳን ነቐፌታን እዚ ካብ ሰራዊት ወጺኦም ኣብ ዓፋርን ካሎኦት ከባብታትን ብዘለዉ መራሕቲ ሰራዊት እውን ብስፍሓት እንትለዓል ንሪኢ። ሓቂ እዩ ታደሰ ነዚ እውን ምላሽ ኣለዎ። “ኣይወዓልክዎን” ይብል። በዚ ምኽንያት ድማ ታደሰ ወረደ ኣብ ሕሉፍ ዓመት ናብ ስልጣን ክመጽእ እንተሎ ብቐጥታ ምስ መንፈቅለ መንግስቲ ዝተዛመደ ሕላገት ወይ ብራንዲንግ እዩ ሒዙ መጺኡ፡፡ ሓንቲ ዓባይ ነጥቢ ኣብዚኣ ምልዓል የድሊ። ፕረዚደንት ታደሰ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበሮ ቃል ምልልስ “መንፈቅለ መንግስት ድየ ገይረ መጺኡ ወይስ ኣይኮንኩን ዝብል ብመጽናዕቲ ክረጋገጽ ይኽእል እዩ” እኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሕዚ ግን ተጸኒዑ ዝቐረበ የለን። እኳ ዳኣስ ዘረባ ታደሰ እቲ እዋን “ማይ ንጥዕና ይጠቅም ድዩ ኣይጠቅምን ዝብል ሕቶ ንምምላስ ብመጽናዕቲ ክረጋገጽ ፍቓደኛ እየ” ዝዓይነቱ እዩ እቲ ዘረባ ዝበሉ ተበራኺቶም ሓግዮምን ከሪሞምን ርኢና።

ሕዚ እውን እንተኾነ ንስልጣን ታደሰ ወረደ ብመንጽር እቶም… ወንበር ዝሓሳቦም… ስልጣን ዝዋኒኖም… መዝነት ዝህይወቶም… ዝኮኑ ኣካላት ዘይኮነስ… ብመንጽር እቲ “ዓድን ህዝብን ኣለኒ፡ ናተይ ምግዳል ድማ ይግበኦ እዩ” ዝብል ኣካል ንርኣዮ እሞ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብታ እዋን እቲኣ እውን ንታደሰ ከም መራሒኡ እዩ ቆጺሩ ዝተሰአ። ብመሪሕነት ታደሰ ኩሉ ሕቶኡ ክምለስ ደልዩን ኣሚኑን ኣይኮነን። ብካቢኔ ታደሰ ታሪኽ ክፍለም ዛንታ ክዝዘም ሓሲቡን ተኣማሚኑን ኣይኮነን። እንታይ ዳኣ “ትግራይ ጋግ መንግስታዊ ስልጣን ወይ power vacuum ኣጋጢምዋ..... መውዓሊ ዕዋሉን መጻወቲ ስድታትን ክትከውን ኣይግባኣን" ካብ ዝብል ሓላፍነት ዝስምዖ ቅዋም እዩ።

“ገረብ ብሓኽላ” ዝብሃል ገላጺ ምስላ ንፕረዚደንትነት ታደሰ ወረደ ኣዕርዩ ዝገልጽ እዩ…. ዝብሉ ኪኢላታት እቲ ዓውዲ ይቀላቐሉ ኣለው። “ብረት ናብ ኣፍደገ ፖለቲካ ክመጸእ የብሉን” ዝብል ቅዋም ብዙሓት ምስተነጽገ... መራሒ ግንባርን ኣባል ፈጻምን፣ ኣዛዚ ኣርምን ኣማሓዳሪ ዞባን... መራሒ ኮርን ኣቦ ወንበር ወረዳን ዝፈላልዮም ዘዛምዶምን ይፈለ ዝብል ምኽሪ ለባማት ውሕጅ ምስ ወሰዶ.... ብክክፍል ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኣዘዝቲ ትግራይ በጃኹም ደንግጹ… ፍርሑ… ሰንብዱ… ንዝብል ለበዋ ብዙሓት ጸማም እዝኒ ምስተውሃበ... ኣብ እግሪ ሌትናል ጀነራል ታደሰ ዝኸበበት ገመድ እናጸበበት እናጸበበት ከይዳ ዘረቡኡ እኳ ዘረባ ፕረዚደንት ክልተ ትካላቱ ብክልተ ዝተፈላለየ ጥራይ ዘይኮነስ ብዝቃረን ኩርናዕ እንትሽፍኖኦ ተራእዩ። እዚ ድማ፡ ትርጉም እቲ “ገረብ ብሓኽላ” ዝብል ምስላ ህይወት ክዘርእ ጀሚሩ። ከም ውጺኢቱ "ውረድ ከይትዋረድ" ዝብል ጭርሖ ነጊሱ ከም ናቱ ኣበሃህላ “ፈቲሖም ብዝለቐቕዎም ኣኽላብ እንትስላዕ ዝተርኣየ እዚ ፕረዚደንት፡ ቤት ጽሕፈት እቲ ውድብ ድማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ኣይወርድን እንተይሎም ጌጋ እዩ" ክብል ንፕረዚደንት ዓዱ ኣዕቂቡ እንተፈራርሖ ተዓዚብና። ብሳትላይት ተለቭዥን ዝተውሃበ መግለጽን ብዲጂታል ሚድያ ዝተውሃበ ናይቲ መግለጺ መብርህን ነቲ “ውረድ” ዝብል ቃል ህወሓት.... እቲ ቀዳማይ ኣይገለጾ እቲ ዳሕራዋይ ኣየብርሆ ውዒሉ ብምሕዳር ንመንግስትነት ትግራይ ኣብ ግጥም ዝበለ ጋግ ክኣቱ ገይርዎ ኣሎ። እዚ ብውሽጢ ከቢድ ውድቀት ብደገ ድማ ዕድመ ጥፍኣትን ይወልድ ኣሎ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ሕሱም ኩነታት እናሃለወ ናብ ርእዮት ዝተብሃለ መጓታይ መድረኽ ዝቐረበ እቲ ፕረዝደንት… ኣብ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ስፍሕ ዝበለ መብርሂ እኳ እንተሃበ ሓንቲ መሰረታዊት ነጥቢ ግን ኣይኮነን ዶ ዘረቡኡ ናይ ሓደ ዓመት ስርሑ እውን ለውጢ ከምጽኣላ ኣይተርኣየን። እታ ነጥቢ “ትግራይ ጋግ መንግስታዊ ስልጣን ወይ power vacuum ኣጋጢምዋ..... መውዓሊ ዕዋሉን መጻወቲ ስድታትን ክትከውን ኣይግባኣን" እትብል እያ።

ሕዚ ነገር ጽቢቡ ክንዲ ዕንቊ ኮይኑ ኣሎ። ነገራት ኩሎም ናብ መወዳእታ ገጾም ዝኸዱ ዘለዉ ይመስሉ። ሌትናል ጀነራል ታደሰ “ካብ ስልጣን ኣይወርድን ዘረክቦ ስልጣን እውን የለን” ይብል ኣሎ። ብካልእ ወገን ድማ እቲ ፕረዚደንት ብኣንደበቱ “ውረድ” ዝብልዎ ዘለዉ ኣካላት መጻኢ ሰሙን ሓዱሽ ፕረዚደንት ክመርጹ እዮም ይብል ኣሎ። እዚ ክፈጥሮ ዝኽእል ሓዞ ስደዶን ናብ ህዝቢ ከልሕኾ ዝኽእል ሓደጋን ነቲ “ትግራይ ጋግ መንግስታዊ ስልጣን ወይ power vacuum ኣጋጢምዋ..... መውዓሊ ዕዋሉን መጻወቲ ስድታትን ክትከውን ኣይግባኣን" ዝብል እምነት ዝሓዘ..... ብሔራዊ ሓልዮት፣ ህዝባዊ ቀዳምነት፣ ንጹህ ናይ ምቅላስ መንፈስን ፍቕሪ ትግራይን ዝተሓንገጠ ትግራዋይ መሰከፊ ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ኩሉ ከምዘሎ እንተሎ ሓደ መሰረታዊ ሓቂ ግን ኣሎ። ትማሊ፣ ሎሚ ይኹን ጽባሕ ዘይቕየር ሓቂ። ንሱ እውን ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝኾነ ዓይነት ውልቀ ሰብ… ካብ ዝኾነ ዓይነት ንጽል ውድብ… ካብ ዝኾነ ዓይነት ፈታኒ ኩነት ንላዕሊ እዩ።

ሰላም ንትግራይ!

25 ሚያዝያ 2018
መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *