#tbstv
ቐፀለ ኣኼባ ኣብ ኣክሱም
ምንዋሕ ሹመት ፕረዚደነት ታደሰ ስዒቡ ኣብ ኣክሱም ዝተጀመረ ኣኼባ ሎሚ እውን ቐፂሉ ውዒሉ።
መግለፂ “ተማኮ”
ምምላስ ኣመራርሓን ነባር ኣብያተ ምኽርን ንህላወ ህዝቢ ትግራይ ሓደጋ እዩ ክብል ካውንስል ተተካኢ ማእኸላይ ኮሜቴ ህወሓት ገሊፁ።
መግለፂ ውናት
ትግራይ ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ደልሃመት ንክትወፅእ ሓቛፋይ መንግስቲ የድሊ ክብል ውድብ ናፅነት ገሊፁ።
ኣብ ዱባይ ዝተትሓዘ ገበነኛ
ብምዝውዋር ሓሽሽ ዝህደን ዝነበረ ኣየርላንዳዊ ገበነኛ ዳንኤል ኪናሃን ኣብ ዱባይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዊዒሉ።
መግለፂ “IMF”
ብሰንኪ ኲናት ልቓሕ ዝደልያ ሃገራት ይበዝሓ ከምዘለዋ ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ “IMF” ገሊፁ።
ብሃንጋሪ ዝደሐነት እስራኤል
ሕብረት ኤውሮፖ ኣብ ልዕሊ እስራኤል እገዳ ክገብር ዝወሰኖ ውሳነ ብሰንኪ ተቓውሞ ሃንጋሪ ፈሺሉ።
ሆርሙዝን ዓለምን
እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ምቁጽጻር መጻብቦ ሆርሙዝ ናብ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሮ ደረጃ ተመሊሱ ከምዘሎ ገሊፁ።
ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ
ህልኽን ወጥርን ፖለቲካ ትግራይ ንክዕርይ ሳልሳይ መንገዲ ምኽታል የድሊ።
#tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ