መልእኽቲ ቲቢኤስ
ፀገም ትግራይ ዝብዳህ ብብሄራዊ ስምምዕነት ኣቢልካ ብዝውለድ መንግስትነት እዩ።
ፍልሰት ተጋሩ
ብሰንኪ ስግኣት ኲናት ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ትግራይ ዓዱ ገዲፉ ይኸይድ ኣሎ።
ውግንና ውድብ ወለዶ
ወለዶ፡ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዘይኽፈለሉ ምኽንያት ክርዳእ ንኣብያተ ዕዮ ፌዴራል ደብዳቤ ፅሒፉ።
ጉዳይ ሰላም ባስ
መጓዓዝያ ትራንስፖርት ባስ መቐለ-ኣዲስ ኣበባ ስሩዕ ጉዕዞ ከምዝጀመረ ተሓቢሩ።
ውዕሎ ቤት ፍርዲ ሸዊት ውዳሴ
መምህር ዩኒቨርስትን ፖለቲከኛን ሸዊት ውዳሴ ኣብ ሕ’ላፍ 48 ሰዓት ሎሚ ዕለት ቤት ፍርዲ ምቕራቡ ተገሊፁ።
ቖፀሮ ሸዊት ውዳሴ
ሸዊት መኽሰሲኡ ምስ ፖለቲካዊ ውግንና ዘይኾነስ ምስ ምዝውዋር ዘይሕጋዊ ዕጥቂ ዝተዛመደ ምዃኑ ተገሊፁ።
መጠንቀቕታ ኣብ ጉዳይ ነዳዲ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሕፅረት ነዳዲ ስለዘሎ ዜጋታት ነዳዲ ብቑጠባ ክጥቀሙ ይግባእ ኢሉ።
ድገፍ ቻይና ንሱዳን
ቻይና ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ሱዳን ደገፍ ከምእትገበር ገሊፃ።
ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ መጋቢት
ናህሪ ኩናት ንምክልኻልን ባይታ ሰላም ንምስፋሕን ኣብ ኣገዳስነት መጠሻ ሓዱሽ መንግስትነት ትግራይ ምስራሕ የድሊ።
#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ