🔴ዜናታት እዚ ዕለት🔴
መግለፂ ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ
እቲ ብቦርድ መረፃ ዝተዋሃበ ውሳነ ሕገ-መንግስታዊ መሰላት ዝምንዝዕን ሕግን ስርዓትን ዝጥሕስን እዩ።
ክእረም ዘለዎ ውሳነ
ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ክልል መረፃ ትግራይ ዝወሰኖ ውሳነ ክእረም ኣለዎ።
ትልሚ ሰለማዊ ሰልፊ
ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንዝሃቦ ውሳነ ስዒቡ ዝቋወም ሰልፊ ክነካይድ ኢና።
ክሲ ንቦርድ መረፃ
ውድብ ወለዶ ትግራይ ውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረት ገይሩ ቅሉዕ ክሲ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቡ
ነባር ሓደጋ ሓዱሽ ፀጋ
ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ንምብዳህ ፍሉይ ብሄራዊ ምትእኽኻብ ይጠልብ።
መዋፅኦ ትግራይ
ትግራይ ናብ ንቡራ ክትምለስ ተጋሩ ክንሓብር ይግባእ።
ኣንደበታት ሰላም
ትግራይ ሰላማ ክተረክብ ደቃ ክትእክብ ይግባእ።
ፍልሰት መናእሰይ
ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ፡ መናእሰይ ብሰንኪ ዘይዓረየ ፖለቲካ እግሮም ናብ ዝመረሖም ምኻዶም ዘሕዝን ኢሉ።
ኦንላይን ምዝገባ
ኦንላይን ምዝገባ ተፈተንቲ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ካብ ሎሚ ዕለት ክሳብ 30 ለካቲት 2018 ዓ.ም ክካየድ እዩ።
ሓዱሽ ወደብ ዒራቕ
ኢራቅ ሓደሽ ወደብ ባሕሪ ንሕቡራት ሃገራት ምቕራባ
ላእላውነት ኲዌት ዝጥሕስ እዩ።
ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ለካቲት
ስግኣት ኩናት ኣብ ምንካይ፡ ዓቕሚ ብሄር ኣደልዲልካ ባላ ሰላም ኣብ ምድልደል ድፍኢት ክግበር ይግባእ::
#tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ