🔴ዜናታት እዚ ዕለት
መልእኽቲ ቲቢኤስ
ፀገም ትግራይ ኣብ ትግራይን ብደቂ ትግራይን ንምፍታሕ ኩሉ ከካብ ዝኸዶ ጽንፊ መልሲ ክገብር ኣለዎ።
ምሕፅንታ ደውታ ውግእ
ኩሎም ኣብ ጎንፂ ዘለዉ ኣካላት ካብ ኣዕናዊ ተግባር ክቑጠቡ ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ ፀዊዑ።
ፀጋ ኢ-ቲኬቴንግ ኣብ ትግራይ
እዚ ሓድሽ መስርሕ ክፍሊት መጓዓዝያ ብዕውት መንገዲ ይስርሓሉ ከምዘሎ ቢሮ መጓዓዝያ ትግራይ ገሊፁ።
ዝጋደድ ዘሎ ሓደጋ ትራፊክ
ይጋደድ ብዘሎ ሓደጋ ትራፊክ ኣብ ሽድሽተ ኣዋርሕ ውሽጢ 138 ወገናት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።
ወጥሪ ኢትዮ -ኤርትራ
ገለፃ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣህመድን ምላሽ የማነ ገብረመስቀልን መቐፀልታ ወጥሪ ኢትዮ-ኤርትራ ኮይኑ ይብሃል ኣሎ።
“ቦርድ ሰላም” ኣብ ሱዳን
እቲ ቦርድ ኲናት ሱዳን ንምቁራፅ ፃዕርታት ክጅምር እዩ ተባሂሉ።
ዝፈሸለ መጥቃዕቲ ኣሜሪካ
ኣብ ልዕሊ መርከብ ውግእ ኣሜሪካ ትሕንብብ ዝነበረት ሰብ ኣልቦ ነፉሪት ከምዝወደቐት ኣሜሪካ ገሊፃ።
እዱብ ኣንደበት
ቐንዲ ትኹረት ቲቢኤስ ወርሒ ጥሪ ዘይእዱብ ኣንደበታት ንትግራይ ዋጋ ከይኽፍሉ ጥንቓቀ ይጥልብ።
#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ