TBS TV

🔴 TBS TV| ካብ በዓላትና እንምሃሮ | ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢሚራት ዓረብን | ውጥጥ ኣሜሪካን ቻይናን || ዜናታት 30 ታሕሳስ 2018

🔴 ዜናታት እዚ ዕለት

መልእኽቲ ቲቢኤስ
ቲቢኤስ ቲቪን ኣባላቱን ንሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና እንኳዕ ንብርሃነ ልደቱ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብጸሐና ይብል።

ፃውዒት ከንቲባ
ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ ዘሎ ምፅራይ ገበን መሬት ተጠናኺሩ ንክቕፅል ኩሉ ሕብረተሰብ ዝከኣሎ ጥቆማ ንክህብ ተፀዊዑ።

ኣገዳስነት ዘተ

ቁልፊ መፍትሕ ፀገም ትግራይ ዘተን ምርድዳእን እዩ ተባሂሉ።

ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢሚራት ዓረብን

እተን ሃገራት ቁጠባዊ ረብሓታተን ንምዕቃብ ዘለወን ሽርክና ደጊመን ኣሐዲሰን።

ሶማሊላንድን ኣሜሪካን
ክሪስ ስሚዝ፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ ዝድገፍን ካልኦት ሃገራት እውን ክኸተለኦ ዝግባእን ውሳነ እዩ ኢሉ።

ውጥጥ ኣሜሪካን ቻይናን
ኣሜሪካ ኣብ ኣሁጉራዊ ማያት ዝረአ ዘሎ ጥሕሰት፡ ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕጊ እዩ ኢላ።

ታሪኽ ኣብዚ  ዕለት
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ከምዚ ዕለት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተጋሩ ነበርቲ ዓምደ ውሃ፣ዕደጋ በርሀን ሹሕ ታቦክን ብብጥሙር ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ግፍዒ ተፈፂሙ::

ትግራይ ምቕዳም
ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ እዚ ወርሒ  ለበዋ ንትግራይ ዘቐድም ስልቲ ቃልሲ እዩ።

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *