TBS TV

🔴 TBS TV| ብሶማሊላንድ ዝተመሰሰ ዓመት | ንፅምዶ ኣፍልጦ ዘይሃበ ኢሳያስ | ሕውየት ጉድኣት ኣካል|| ዜናታት 23 ታሕሳስ 2018

🔴 ዜናታት እዚ ዕለት

መልእኽቲ ቲቢኤስ
መላእ ጋዜጤኛታት፣ ኣባላትን መሪሕነትን ቲቢኤስ በቲ ኣብ ሕፃፅ ዘዕቖቡ ተመዛበልቲ ወገናት ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ገሊፁ።

በዓል ስላሴ ጥሪ
በዓል ቅድስት ሰላሴ ጥሪ ሰላማዊ ኮይኑ ንክሓልፍ ግደ ፀጥታ ኣካላት ልዑል ተራ ኣለዎ ተባሂሉ።

ልደት ኣብ ኣፅቢ
በዓል ልደት ኣብ ኣፅቢ እንዳስላሴ ብድምቀት ንምኽባር ምድላዋት ከምዝተወገነ ተሓቢሩ።

ሕቶ ሓርበኛታት
ኣብ ወረዳ ማይቅነጣል ዝርከቡ ሓርበኛታት ኣድልዎ ይፈፀመና ኣሎ ክብሉ መረረቶም ንትካልና ገሊፆም።

“ዘይንቡር ተግባራት”
ኣብ መዓርን ጠስምን ንጥዕና ጎዳእቲ ዝኾኑ ነገራት ብምሕዋስ ክሽየጡ ዝተሓሰቡ ብተፍትሽ ክውገዱ ተገይሮም።

ሕውየት ጉድኣት ኣካል
ኣካል ጉዳኣት ዘለዎም ዓቕሚ ተጠቒሞም ሕውየት ትግራይ ንምርግጋፅ ሓገዝ የድሊ።

ሶማሊላንድ ዝወለዐቶ ረዚን ኣጀንዳ
ኣፍልጦ ሃገርነት ሶማሊላንድ ናይ ደንበታት ፍትሕን መውስቦን ሒዙ ይመፅእ ኣሎ።

ንፅምዶ ኣፍልጦ ዘይሃበ ኢሳያስ

ንልዕሊ 30 ዓመት ንሃገረ ኤርትራ ዝመረሐ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ናይ ፅምዶ ፖለቲካ ኣይተዛረበን።

ሰልፊ ኣብ ኢራን

ኢራናውያን ኣብ ቑጠባናን መነባብሮናን ፀልዋ ኣሕዲሩ ንዝበልዎ ናይ ቁጠባ ኣጀንዳ ተቓዊሞም

ትግራይ ምቕዳም
ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ እዚ ወርሒ  ለበዋ ንትግራይ ዘቐድም ስልቲ ቃልሲ እዩ።

ታሪኽ እዚ ዕለት
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ከምዚ ዕለት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተጋሩ ነበርቲ ራማን ማርታን ብሓይልታት ኤርትራ ግፍዒ ተፈፂሙ ::
#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *