TBS TV

ቲቢኤስ ኣብ ህዝባዊ ሽኻሉ ኣሎ

👉🏻ቲቢኤስ ቲቪ ኣብ ትግራይ ንፁህ ጋዜጠኝነት ብምትግባር ቃንዛ ህዝቢ (Agony) ኣብ ምሕካምን ባህጊ ሓፋሽ (Aspiration) ኣብ ምስማርን ክሕግዝ ዕላማ ገይሩ ተበጊሱ።

🎯 ኩሎም ድምፅታት መድረኽ ፖለቲካ ትግራይ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ፡ ከቃልሕ ፀኒሑ፡ በዚ ክቕፅል እዩ።

🎯 ንኩሉ “ሓሳብ ኣለኒ” ኢሉ ዝመፅኦ ኮነ ባዕሉ ብደብዳበ ከይተረፈ ለሚኑ (ኣብነት ናብ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ዝፀሓፎ ተደጋጋሚ ደብዳበን ምሕፅንታን) ማእኸል ሓሳባት ኮይኑ ፀኒሑ፡ እዚ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ።

🎯 ድምፂ እቶም ዝተገፍዑ፣ ኣንደበት እቶም ዝተረስዑ፣ ልሳን እቶም ዝተወቕዑ ኮይኑ ፀኒሑ፡ እዚ ብዝግባእ ምውዳድ ክቕፅለሉ እዩ።

👉🏻ቲቢኤስ ቲቪ ዓዶም ብዝፈትውን ህዝቦም ብዘፍቅሩን ኣብ ታሪኽ እዚ ህዝቢ መስዋእቲ እናኸፈሉ ብዝመፁ ደቂ ህዝቢ ሰብ ሞያን ሰብ ሃፍትን ተመስሪቱ ኣብ ኣየር ዘሎ ሚድያ እዩ።

🎯 ትግራይ ብናይ ሓሳብ ውድድር ዝምራሕ ፖለቲካ ክህልዋ እሞ በዚ ኣቢላ ካብ ሕንቆ ሓደ ውድብ ዝወፀ ንዕድል ዓድን ብሄርን ዝውስን ናይ ደቂ ብሄር ዓቕሚ ክፍጠር ክውህለል ይተግህ።

🎯ትግራይ ካብ ፖለቲካዊ ህልኽን ንሱ ዝወልዶ ማሕበረ ቁጠባዊ ውድቀትን ወፂኣ ዲሞክራስያዊ ብዝኾነ መንገዲ ክትስጉም ዓዲ ክስማዕ ዘይተደለየ ከስምዕ፣ ክርአ ዘይተደለየ ከርእይ፣ ክድፈን ዘይተደለየ ክቐልዕ ይሰርሕ።

👉🏻ቲቢኤስ ቲቪ ብመሰረት ቅዋሙ፣ ብምኽንያት ሓዱሽ ቅዲ ትሕዝቶን ኣቀራርባን ምሓዙ፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ብምኽንያት ካብ ሓደ ናቑጣ ዝእዘዝ ኤዲቶርያል ክመርሖ ዘይምፍቃዱ ኣብ ከቢድ ብድሆ ኣሎ።

🎯 ዝርካባ ሞያዊ ብቕዓት፣ ዘይተገደበ ፍቕሪ ብሄራዊ መንነት፣ ዘይተጓደለ ሰብእናዊ ትብዓት መስረትቱ፣ መሪሕነቱን ኣባላቱን ተመርኩይሱ ነዚ ብድሆ እዚ፡ እናሰገሮ መፂኡ፡ ሕዚ እውን ክሰግሮ እዩ።

🎯 ትግራይ ፖለቲካዊ ይኹኑ ካልኦት ትካላታ ካብ ህዝቢ ትግራይ ወፃኢ ዝኾነ ደጋዊ ሓይሊ ከይትንክፈን ኣብ ሓለዋ ነይሩ፡ ሕዚ እውን ክቕፅል እዩ።

🎯 ኣብ መሬት ትግራይ ኣብ ማእኸል ብድሆታትን ተስፋ ዝህቡ ድጋፋትን ደው ኢሉ መፍትሕ ፀገም ትግራይ ብደቂ ትግራይ ክምእዘን እናሰርሐ መፂኡ፡ ሕዚ እውን ብዝለዓለ ወነ ክሰርሕ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *