TBS TV

ጮምዓ ማእኸል ልምዓት ክኾን እዩ ተባሂሉ

ምስ ልምዓት ጎቦ ጮምዓ ተዛሚዶም ዝቐረቡ ዘለው መስረታዊ ሕቶታትን ጠለባትን ፣ብኣስራርሓን መስርሕን መንግስቲ ከምኡ እውን ብ ሕጋዊ ማሰተር ፕላን መሰረት ምላሽ ክረክብ ከምዝግባእ ፕረዚደነት ታደሰ ወረደ ገሊፁ።

ፕረዚደነት ታደሰ ወረደ እዚ ዝበለ መስቀል ጮምዓ ንሰላምን ሓድነትን ትግራይ ኣብ ዝብል ዋዕላ ተረኺቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል እዩ።

ጎቦ ጮምዓ ከይዲ ልምዓቱን ሰሐብነቱን ንረብሓ ክውዕል ኣደላይ ዘበለ ጠመተ ከምዝጠልብ እውን ፕረዚደንት ታደሰ ገሊፁ።

እቲ ታሪካዊ ቦታ ምስ ተሪኻውነቱ ካብ ወሉድ ወለዶ ንምስግጋር ግደ መንእሰይን ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብን ግዲኡ ልዑል ምዃኑ ተገሊፁ ኣሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *