ሎምዘበን ዝኽበር በዓል መስቀል 2018 ልኣላዊ መሬትና ኣብ ዝተወረረሉ ዝተመዛበለ ወገን ኣብ ፎቆዶ ቴንዳ ብሕማምን ቁርን ኣብ ዝረግፈሉ ዘሎ ኩነታት ኮይንካ ዝኽበር ዘሎ ብምዃኑ ንመራሕቲ ትግራይ ፍሉይ ዕዮ ገዛ ዝህን እዩ ተባሂሉ።
ቀንዲ ህዝባዊን መንግስታውን ዕማሞ ትግራይ ምስሳን ሰላምን ምድልዳል ሓድነትን ክኸውን ይግባእ እውን ተባሂሉ ::
ናብ ዓዲ ግራት ተጓዒዙ ዘሎ ጉጅለ ቀረፃ ቲቢኤስ፡ ን ሊቀ ጳጳስ ኦርቶዶኩሳዊት ቤተ ክርስትያን ሃገረ ስብከት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣቡነ መርሃ ክርስቶስ ረኺቡ፡ በዓል መስቀል 2018 ዓ/ም ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ተቐቢልዎም ኣሎ።
ብፁእ አቡነ መርሃ ክርስቶስ ሃይማኖታዊ በዓላት እንትነኽብር ዝተፀገሙን ዝሓመሙን ወገናት ብፍላይ ድማ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዘለዉ ዝተመዛበሉ ወገናት ብምሕጋዝ ክኸውን ይግባእ ክብሉ ምዒዶም ::