ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት በዓል መስቀል ብደሙቕ መልክዑ ንምኽባርን ዘለው ቅርስታት ንምዕቓብን ምስ ምምሕዳር ከተማ ዓዲግራት ብሓባር ብምኻን ይሰርሕ ከምዘሎ ፕረዚደነት ዮኒቨርስቲ ዓዲግራት ገብረሚኪኤል ወልደገብሪኤል ሓቢሩ።
እቲ ዮኒቨርስቲ ኣብ ዘበነ 2018 ዓ.ም ካብ መላእ ኢትዮጵያ ንዝመፁ ተምሃሮ ተቐቢሉ ንከምህር ዘኽእሎ ምድላዋት ከምዝዛዘመ እውን ኣብዚ ቀረባ ዝተሾመ ፕረዚደንት እቲ ዩኒቨርስቲ ዶክተር ገብረሚኪኤል ወልደ ገብሪኤል ሓቢሩ።
መንእሰይ ምሁር ገብረሚካኤል ድሕሪ እቲ ካብ ምስረታ ጀሚሩ ፕረዚደንት እቲ ዩኒቨርስቲ ዝነበረ ዶክተር ዛይድ ነጋሽ ንዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት ክመርሕ ዝተመዘዘ ፕረዚድነት እዩ።