ዝኸበርኩም ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ኰይንኩም፡ ብመንገዲ ዓብዪ ሕልሚ ዝሰገምኩም፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘለኹም መስረትቲ ኣገልግሎት ፈነወ ትግራይ t b s
ዝኸበርኩም ኣብ መስረትቲ እዚ ትካል እምነት ኣሕዲርኩም፡ t b s ኣብዚ ብርኪ እዚ ክበፅሕ ካብ ምንጋጋ ደቅኹም እውን ከይተረፈ መን ዚዕኹም፡ ኣብ ምስረታ t b s ኢንቨስት ዝገበርኩም ሰብ ሼር
ክቡራትን ክቡራን ን !
ፈለማን ቅድሚ ኹሉን ቅድም እንትብል ብዕድመ ኣያታትና፡ ድሕር እንትብል ብዕድመና፡ ሕዚ ድማ ብዕድመ ደቅና ኣብ እትሕለው ትግራይ፡ መባእ ቀፃሊ ህላዌኣ ዝኮኑ ስውኣት፡ እዛ ተወሳኺት ናይ ምንባር ደቒቕ እዚኣ ሂቦምና እዮም እሞ፡ ክብርን ሞጎስን ንዓኣቶምይኹን ።
ቅሩብ ምልስ ከብለኩም።
1983 ዓ/ ም ኣዲስ ኣበባ ዝኣተና መናእሰይ እቲ እዋን፡ ምውዳቕ ደርግ ምብሳር ምሉእ ሰላምን ድሕንነት ንትግራይ እዩ ኢልና፡ ገሌና ኣብ ስራሕ መንግስቲ ገሌና ድማ ብውልቀና ህይወትናን ናብራናን ማእከል ሃገር ገይርና ኢና ፀኒሕና። በታ ሻባ ዝነበርትና ዓቕምን ኣተሓሳስባን ከምኡ ምግባርናን ምዃንናን ሕዚ ኮይንካ ናብ ፍርዲ ዝቐርብ ኣይመስለንን። እንትኾነ ግን፥ ለባማት ተጋሩ ኣብ 1985፣ ኣብ 1987 ፣ኣብ 1993፣ ኣብ 1997፣ ኣብ 2004፣ ኣብ 2007፣ ኣብ 2010 ብሓፈሻን ትግራዋይ ኣብ ዝፀልዋ ኣብ ኩለን ፖለቲካዊ ምዕራፋት እዛ ሃገር “ትግራይ ማእኸሉ ዝገበረ ኣካይዳ ይሃልወና” ኢሎም ፅሒፎምን ሞጒቶምን እዮም። ሰማዒ ኣይተረኸበን ። ዝተፈርሐ እውን ኣይተረፈን፡፡
እታ ትግራይ ሳላ ስውኣታ ወጊሑላ ኢልና ፎቖዶኡ ተበታቲንና ብማዕዶ እንርእያ ዝነበርና ትግራይ፡ ካልእ ናይ ፈተና ሸንኰለል ረኺብዋ። ናብታ ቆልዑት ኰይንና ዝዓንደርናላ በረኻ ድሕሪ ሰለሳ ዓመት ብምርኩስ ወሪድና።
ብድሕሪ እዝ ዘሎ ኩነታት ፈታውን ፀላእን ዝፈልጦ እዩ።
ዘለናሉ ኩነታት ናይ ልዕሊ 800 ዓመታት ፈተናና መበገሲኡን መፍትሒኡን እንምርምረሉ እምበር ናይ ሓደ ወቕቲ ሕማቕ ተጓንፎ እነዘንትወሉ ኣይኰነን። ብምዃኑ ኣብዚ እምብዛ ዝኸፍአ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ኰይንና፡ ብፍላይ ነቲ ኩሉ ሻብ ኣብ ቦትኡ ዝርከብ ሓቀኛን ተኣማንን ህዝብና መሰረት ዝገበረ ሓሳብ ክንውጥን፡ ካብ ሓሳባትና ድማ ትካላት ክውለዱ ኣብ ዝደፍእ ህሞት ኣለና። ካብዚኦም ሓደ ሚድያ እዩ።
Tbs ኣብ ዓውዲ ጥበብ፣ ባህሊ፣ ሚድያን ኮሙኒኬሽን ናይ ነዊሕ ዓመት ተመኩሮን ትምህርታዊ ምድላውን ብዘለዎም ተጋሩ ዝተመስረተ እዩ።
Tbs ብሄራዊ ሕራነ ዘንደዶምን ዝቐፀለ ናይ ህዝቢ በደል ዘሐረኖምን ምሁራን ዝፍጠርዎን ዘቐጽልዎን ሚድያ እዩ። Tbs ኣብ ትግራይ ስልጡን ናይ ስራሕ ወለዶ ክፍጠር እሞ ማሕበራዊ ህድኣት ክረጋገፅ ናይ ዝተግሁ ሰብሃፍቲ ሚድያ እዩ። Tbs ብዛዕባ ቐጻሊ ናይ ዝግደሱ ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን ናይ ኮሙኒከሽንን ተረኽን ማሽን እዩ።
እዚ ናይ ውልቀ ሚድያ ኣብ ትግራይ ማእከሉ ክገብርን ትግራዋይ ዛዕባ ዝዝረበሉ ክኸውንን ዝተፃዕረ ኰይኑ፡ ዕድጊት ማተርያልን ቆፀራ ሓይሊ ሰብን በብብርኩ ይውግን ኣሎ። ምስ ፍቓድ ዝህቡ ናይ ክልልን ፈደራልን ኣብያተ ዕዮ ዝርርብ ይግበር ኣሎ። ናይ ሳትላይት ጉዳያትን እውን ካብ ዝኾነ እዋን ብዝሓሽ ስልጠት ይኸይድ ኣሎ።
እዚ መድረኽ ዕላውነት እዚ ክንሰላስል ዝገበረና እውን Tbs ብኩሉመዳይ ዘሎ ስልጠት ስለዝተገንዘብና እዩ።
ሎሚ እነካይዶ ዘለና መድረኽ ዕላውነት፡ ቴለቭዥን ውልቀን ምጅማር ዝኸድናዮ ርሕቐትን ምብሳርን ዕላዊ ምስረትኡ ንምግላፅን እንትኸውን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ ሳትላይት እንትወፅእ ኣብ ዝዓበየ መኽፈቲ መድረኽ ከም እንራኸብ ብምሉእ ዓርሰ እምነት ክገልፀልኩም እፈትው።
ክቡራትን ክቡራን ን !
ሽሕ ፀገም ከቢቡና፡ ከብዲ እግርና ርሱን ሓፂን እናረገፀ እውን እንተዀነ ምስዳርና ኣይነቋርፅን። ዓለም ጸቢባትና ክንዲ ዕንቊ ኰይና እውን እንዲና ንምርግጋጽ ህላወና ክንብል ሰብ ዘይኽእሎ ክኢልና ንኸይድ ዘለና፥ ትካላት ናይ ቃልሲ ኣካል ገይርና ክንወስደን ይግባእ። እንስድር ድሕሪ ሕዚ ብሳይንስ ብዝምርሑ ትካላት ድኣ እምበር ብነበረያነበረ ዝመስል መደንዘዚ ጭርሖን ዘየለ ነግሕን ኣይኮነን።
ተመኩሮ ዓለም ዘምህረና፡ ንሚድያ ሓዊሱ ዓዲ ዝስከሙን ህዝቢ ዘሳግሩን ትካላት ዝሃነፁ ህዝብታት፡ በታ ንሕና ንሓልፋ ዘለና ፀገም ዝሓለፉ እዮም። ብካልእ ኣበሃህላ ብርሱን ሓፂን ዝሓለፋ ኣእጋር እየን ስልጡን ህዝብን ሓያል ዓድን ወሊደን ።
በዚ ኣጋጣሚ ውሑስ ዓዲ ክህልዎ ዝደሊ ናይ ፖልቲካ ሓይሊ፡ ርጉዕ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ክህልዎ ዝደሊ ናይ ንግዲን ኢንቨስትመን ት ሓይሊ፣ ዓዲ ከመሓይሽ ዝኽእል ርእሲ ዘለዎ ናይ ኣካዳምያ ሓይሊ ምስ ቲቢኤስ ሓቢሩ ክሰርሕ ፃውዒተይ የቕርብ። እንዳ ቲቢኤስ ሓደ ኣዕሪና እንኣምነሉ ኣባሃህላ ኣሎ። ብተግባር እውን እንነብሮ ኣበሃህላ። ቲቢኤስ፡ ካልእ ዓድን ቅያር ህዝብን ኣይብልናን ኢሎም ናይ ዝወሰኑ ብሄርተኛታት ተጋሩ ሚድያ ክንገብሮ ኢና። በዚ ስምዒትን ውሳነን እዚ ዝዓበየ ብጽሒት ወሲዱ ኣብ ጎኒ ቲቢኤስ ጠጠው ዝበለን እዚ ዝመስል ርሻን ንስትድዮን ዓለም ለኸ ቤት ጽሕፍትን ፈሰስ ዝገበረ ወናም ትግራዋይ በዓል ሃፍቲ ኣይተ ሙሉጌታ ገብረስላሰ ኣብዚ መድረኽ እዚ እንተመስገንክዎ እቲ ክብሪ ን Tbs እዩ። የቐንየልና።
ኣብ መወዳእታ እዚ ስራሕ እዚ ክንሰርሕ፡ ብፍላይ ኣብታ ፈታኒት ወቕቲ እቲ ኣብ ጎንና ዝነበርኩም ኩልኹም ብምምስጋንን ህዝብና ደቅኻ ብዘይ ዝኾነ ፍልልያት ብማዕረ ዝውከልሉ፣ ናይ ምውሳን ዓቕምኻ ክብ ክብል ድጋፍ እትረኽበሉ ሚድያ ውልቀን ናብ ምርኣይ እንኳዕ ኣብቀዓካ እብል። ህልውቲ ትግራይ ብከምዚኦም ዝበሉ ናይ ፍትሕን ዲሞክራስን፡ ናይ ልምዓትን ትካላት ክትሳገር እያ።
የቐንየለይ