ኣብ መሬት ትግራይ ብምምስራቱ ፈላማይ ምዃኑ ዝተነገረሉ ቲቢኤስ ዝተሰመየ ሚድያ ውልቀ፡ 25 ሰነ 2015 ዕላዊ ምስረትኡ ኣካይዱ።
ኣብ መድረኽ ዕላውነት እቲ ትካል፡ መስረትቲ፣ ሰብ ብርኪ እቲ ትካል፣ ምሁራት፣ ሰብ ሃፍትን ወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብን ተረኺቦም።
እዚ ሚድያ ሕዚ ትግራይ ኣትያቶ ኣብ ዘላ ከቢድ ሓደጋ ምምፅኡ ዓብዪ ተስፋን ሓላፍነትን ዝተነበረሉ ምዃኑ ዝተገለፀ እንትኸውን እቲ ሚድያ ካብ ቃንዛን ተስፋን ህዝቢ ዝተበገሰ ምዃኑ ሓደ ካብ መስረትቲ ዝኾነ ጋዜጠኛ ኣቤል ጉዕሽ ገሊፁ።
ኣብ ትግራይ ንዝሓለፉ ዘበናት ዘጋጠሙ ህላወ ህዝቢ ናብ ሓደጋ ዘእትዉ ናይ ታሪኽን ፖለቲካን ፀገማት፡ ዋላ እኳ ኩሎም ዝፍልፍሉ ካብ ሰኣን ሞያዊ ክብሩ ዝሓለወ ሚድያ እዩ እንተዘይተብሃለ፡ ሚድያ ሓጋዛይ ግደ ብዘይምፅዋቱ ግን ህዝቢ በብግዚኡ ናብ ፀገም ከምዝኣተወ ኣብሪሁ፡
“ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ንትግራይ ዘጓነየን ትግራይ ከም ሓደ ርሑቕ ናይ ኢትዮጵያ ክፋል ገይሩ ዝጠመተን ኣካይዳ ንህዝቢ ዝረብሕ ውልቀ ሚድያ ክህልውን ኣብቲ ዓውዲ ፀለውቲ ኪኢላታት ክዓብዩን ዘኽእል ምችው ባይታ ክፍጠር ኣይኣኽኣለን!” ዝበለ ኣቤል ጉዕሽ፡ ከም ህዝቢ እውን ኣብታ ሃገር ዝነበረ እምነት ብዙሕ ሰብ ትኹረቱ ማእከል ሃገር ክገብር ከምዝደፍኦ ኣብሪሁ። ኣብ መብሪህኡ ፅቡቓት ከም ሚድያ ዝበሉ ህዝባውያን ናይ ፍትሕን ዲሞክራስን ትካላት ኣብ ትግራይ ክቦቕሉ እሞ እቲ ዝሓሸ ዝብሃል ምሁርን በዓል ሃፍትን ጥራይ ዘይኰነስ እንኮላይ ዝሓሸ ዝብሃል መሪሕነት ናብ ማእከል ሃገር ዝወሓዘሉ ርብዒ ክፍለ ዘበን ከምዝነበረ ኣፍሊጡ።
“ኣብ ኲናት ትግራይ ዝርኣይናዮ ናይ ሚድያ ውድቀት እውን ካብዚ እዩ ዝብገስ” ኢሉ።
ኣቤል ጉዕሽ እቲ ትካል ንምምስራት ቅድሚ ኲናት ጀሚሩ ብርክት ዝበሉ መፅናዕታት እናኣካየዱን ኤዲቶርያል እናኣፅፈፉን ምፅንሖም ምስ ገለፀ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2014 ናይ ፕሮጀክት ቢሮ ከፊቶም ናብ ስሩዕ ናይ መጠሻ ስራሕ ምእታዎም እዩ ዘብርሀ።
እዚ ብሓሙሽተ ናይ ሰብ ሞያን ሰብ ሃፍትን ምትእኽኻብ ዝተመስረተ ሚድያ፡ ማእኸል ሓበሬታን ምዝንጋዕን ወይ ድማ “ኢንፎተይመንት” ሚድያ ከምዝኸውን ዝተገለፀ ኰይኑ፡ መላእ ህዝብን ደላዪ ሰናይ ህዝቢ ትግራይን ኩሉ ኣብ ጎኒ እዚ ቴለቭዥን ውልቀ ክኸውን ፃውዒት ቀሪቡ።
ቲቢኤስ
ወርቃዊ