TBS TV

Category: ምስላዊ ዜና

🔴 TBS TV| ሑመራን ቀይሕ ባሕርን | መግለፂ ዝሓንሸሾም ዕድላት | ወጥሪ ኢትዮ -ኤርትራ || ዜናታት 17 ጥቅምቲ 2018

ዜናታት 17 ጥቅምቲ 2018
🔴ፍሉይ ትንታነ እዚ ዕለት🔴

ኩናት ዝወለዶም ፀገማት ከይኣኽሉ ሕዚ እውን ኣብ ትግራይ ንህልው ኩለ መዳያዊ ቅልውላው ትግራይ ብግቡእ ተገንዚቡ ዘሳግር መሪሕነት የለን ወይ ይውሕድ ኣሎ። ልዝብ፣ ምርድዳእ፣ ክትዕ፣ ጥበብን ፍሉይ ብልሕን መሪሕነት ዝጠልብ ፍሉይ መድረክ መግለፅታትን ዝኾረዩ ቃለቱን የተአናግድ አሎ።

ዘይምፍፃም ስምምዕ ፕሪቶርያ ደቂ ሰባት ብሰላሕታዊ ፅንተት ክጠፈኡ፣ መናእሰይ ክስደዱ ኮታስ ድምፂ ዘይብሉ ኩናት ክእወጅ ምክንያት ኮይኑ ኣሎ። ሑሉፍ ሓሙሸተ ዓመታት ንትግራይ ናይ ደልሃመት ዓመታት ነይሮም እንተተብሃለ ምግናን ኣይከውንን። ብሰንኪ ምግምማዕ ውድብ ህወሓትን ስንፈት ኣፈፃፃማ ክልቲኡ ግዚያዊ ምምሕዳራትን ዝመፁ ካሎት ፀገማት ድማ ንውሓትን ስፍሓትን እቲ ደልሃመት ክውስኽ ዝገበሩ ነይሮም።

እዞም ምግምማዐተ‍ እዚኦም ከምቲ እቶም ኣብ ክልተ ሰለስተ ጫፍ ኮይኖም ዝብልዎ ለውጢ ዝፈጠረ፣ ውድብ ካብ ምንጋጋ ሓርማዝ ዘውፅአ፣ ንሄራዊ ክሕደት ዝብልዎ ሓይሊ አወጊዱ ብርሃን ትግራይ ዝወለዐ ኣይነበረን። ሰማዒ ንዝሰዓኑ ግዳያት እዝኒ ኣይኮነን። ድምፂ ህዝቢ ዘቃልሕ ልሳን ኣይኮነን። ዝተረሰዑን ዝተገፍዑን ተመዛበልቲ ውሕስና ኣይሃበን። መራሕቲ ይላፍዑ፡ ህይወት ወለዶ ብፅንታ የብልዑ።

ካብቶም ሞትን ስቃይን ተጋሩ ዘናውሑ ዓብይቲ ባእታታት ሐደ ዘይምፍፃም እዚ ውዕሊ እኳ እንተኾነ ንዘይምፍፃመ‍ ምክንያት ዝኾነ ኸ ክንብል እንድሕር ሓቲትና ድማ ኣዕርዮም ናብ ዘናስሑን ዘበሳጭውን ሓቅታት እዩ ዝወስደና።

እቲ ውዕሊ ዜና ካብ ምዃን ሓሊፊ ታሪኽ ንክከውን ምክንያት ዝኾነ ዘናስሕን ዘበሳጭውን ኩርናዕ፡ ፕሪቶርያ ካብ ዓለም ለኻዊ ኣጀንዳነት ወሪዱ ኣብ ትሕቲ ሃገርን ሃገራዊ መስርሐትን ክኣቱ ዝተገበረሉ ምክንያትን አጋጣምን ተጠቃሰይ እዩ። ንዚ ዓብዪ መተንተኒ ነጥቢ ሒዞም ብዙሕ ዝተቓለሱ ዝተፈላላዩ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ምሁራት ፣ ሲቪክን ሲቪልን ማሕበራት፣ ዓበይቲ ዓዲ ወዘተ ቃልሰ‍ም ማይ ዝበልዖ ክመስል ሕዚ እውን እዚ ተመዛባላይ ድራር ዝብኢ ካብ ምዃን ከድሕኖ ኣይካኣለን። ልዕሊ ኩሉ ድማ ከም ዝብኢ ናይ ባዕሉ ቁስሊ ክበልዕ፣ ከም ዒልቦ እናተፈልፈለ ክረቅቕ፣ ከም ገለ እናተቆራረፀ ክንእስ፣ ብሓፈሻ ኣብ ክንዲ ኩሉ ንይሕደር አቀሚጡ ኣብ ምዕቃብ ዐቕምን ምጉልባት ውሽጣዊ ቁመናን ምድሃብ ተፈናጪሉ ክንእስ ትጉህ ሕርያ ዝወሰደ ውድብ ሕዚ ከም ተራ ሓይልን ውልቀ ሰብን ከም ሃገሩን ከም ሓፋሹን መግለፂታት ኣብ ምውፃእ ተፀሚዱ ይርከብ።
ውድብ ህወሓት ነቲ ኣብ ቀረባ ኣብ ሑመራ ተካይዱ ዝተብሃለ ዋዕላ ስዒቡ ሎሚ ዕለት ኣብ ዘውፅኦ ጉዳይ ተመዛበልቲ ዝጠመተ መግለፂ ነባር ኣካይዳን ስልትን ቀልሲ ተቓሊሕሉ ኣሎ።

ተቀራሪቡ ክዘራረብን ተኸቲዑ ክረትዕን ትፅቢት ዝግበረሉ ውድብ ከም ሓደ ሲቪክ ወይ ሲቪል ማሕበር ጉዳይ ምምላስ ተመዛበልቲ ትካላዊ መስርሕ ሒዙ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ክፍፀም ይግባእ እንትብል ምስማዕ
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝኣተዎ ውዕል መሰረት ወረርቲ ከምኡ እውን ኣባይቲ ህዝብና ሰይሮም ዝኣተዉ ሰፈርቲ ካብ መሬት ትግራይ ብምውፃእ ጉዳይ ምምላስ ተመዛበልቲ ትካላዊ መስርሕ ሒዙ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ክፍፅም ግቡኡ ክዋፃእ ይግባእ እንትብል ምስማዕ
ብዋጋ ሞትን ስቓይን ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ፖለቲካዊ ሸፈጥ የብቅዕ ፤ ስምምዕ ፕሪቶርያ ይተግበር ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብሰንኪ መረበቱ ብሓይሊ ጎቢጦም ዝሓዙ ወረርቲ ሓይልታት ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ቅዳድ ኬንዳ ኮይኑ መዓልታዊ ሞትን ስቓይን የተኣናግድ ኣሎ እንትብል ምስማዕ
ንቃልሲ ዝተሐፀየ ውድብ ንስርሓቲ ኣድሆክ እኳ ናብ ዘይኾነሉ ኩነታት ምስግጋሩ መግለፂ እቲ ትግራይ ኣትያቶ ዘላ ከቢድ ፀገም ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ። እዚ ኩነታት እዚ በቲ ውድብ ክዕመም ትፅቢት ዝግበረሉ ዓብዪ ዕማም ዘይምዕማሙ ምክንያተ ገይርካ ክውሃብ ዝክእል እቲ ዝናኣሰ መግለፂ እዩ።

ውድብ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ጠጠው ክብል ዘይካኣለሉ፣ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለስ ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘይተፈፀመሉ ብሰንኪ ” ኣባይ መርገፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ” ክብል ዝኸሰሰ እቲ ውድብ፡ ህዝቢ ትግራይ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝኣተዎ ስምምዕ ክትግብር፣ ሰላሕታዊ ጀኖሳይድ ከብቅዕ፣ ወረርቲ ሓይልታት ክወፁ፣ ውሕስንኡ ተሓልዩ ናብ መረበቱ ክምለስ ኣብ ሞትን ስቃይን ኮይኑ እውን እንተኾነ ብትዕግስቲ ወግሐ ፀብሐ ይሓትት ኣሎ፡ ክብል ነቲ ሓቂ ኣረጋፁ። እንተኾነ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ፤ ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ሳልሳይ ዓመቱ ኣብ ዝደፍነሉ ዘሎ እዋን እውን እንተኾነ ብሞትን ስቓይን ህዝብና ፖለቲካዊ ኣሻጥር ኣብ ምስራሕ ተፀሚዱ ይርከብ ክብል ውድብ ህወሓት ይኸስሰ።ከም ውፅኢት እዚ ኣባይ መርገፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቶም ብሰናይ ድሌቱ ዘዋፈሮም ምዕራብ ትግራይ ወሪሮም ዝሓዙ ዕጡቓት፤ ኣብ ጉዳይ ተመዛበልቲ ህዝቢ ትግራይ ንምድንጋር ዝሓዝዎ ሰልቲ ፅቡቕ ይሳኸዐሎም ከምዘሎ ብድፍረት ኣብ መድረኻት እንትዛረቡ ይስምዑ ኣለዉ ዝበለ እቲ ውድብ ነዚ ናይ ምድንጋር ስልቲ ከም ድኹዒ ኮይኑ ዘገልግሎም ዘሎ ዝበሎ ድማ እቲ ብዝኾነ ይኹን ዋጋ ህዝቢ ትግራይ እሙን መገልገሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምዃን ጥራሕ ኣብ ምጉያይ ዝርከብ ከብል ዝገልፆ ወትሩ እውን እንተኾነ ” ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት እዩ ” እናበለ ዝፅውዖ ነባር ናይ ብፆቱ ምትእኽኻበ‍ ኣልዒሉ እንትኸስሰ‍ ተሰሚዑ።
” እዚ ጉጅለ ቅድም ክብል ኣብ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኑ ብዝፈፀሞ ብሄራዊ ክሕደት ኣብ ክንዲ ምንሳሕ ብቓንዛ ህዝብና እሙን መገልገሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክኾን ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ዘሕዝን ፍፃመ እዚ መዋእል ኮይኑ ይምዝገብ ኣሎ፡፡” ዝበለ ውድብ ህወሓት፡ ኣብ ምዕራብ ኣብዚ ቅንያት ይግበሩ ኣለዉ ንዝተብሃሉ ተመዛበልቲ ናይ ምምላስ ዘተተታት ምክንያት ዝገበረ ቁጥዐ ኣብ መግለፂኡ ኣስፊሩ ኣሎ። እዚ ደጋጊሙ ትግራይ ዝብድል ዘሎ ዝበሎ ጉጅለ ” መሳርሒ እዞም ኣብ ልዕሊ ሉእላውነትን ህልውናን ትግራይ ዝወፈሩ ጀኖሳይደራት ኮይኑ ይቕፅል ኣሎ፡፡” ክብል ዝኸሰሰ እንትኾን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝኣተዎ ውዕል ንጎኒ ገዲፉ ዕጡቓት ብምውፋርን ባንዳታት ብምዕሳብን ኣብ ልዕሊ እቲ ምእንተ ሰላም ተፀሚሙ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞ ዘሎ በደል ጠጠው ክብል ይግባእ ንትብል ተሰሚዑ ኣሎ።

ውድብ ህወሓት ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ወገናትና ውሕስንኦም ተሓልዩ ናብ መረበቶም ይመለሱ ኣብ ዝብል ፃውዒቱ ከም ተፈራራማይ ስምምዕ ፕሪቶርያ ድፍኢት ኣብ ዝፈጥሩን ልዕሊ መግለፂ ኣብ ዝኾኑን ዕፅው ዘተታት ዘይምድሃቡ ዘመላክትን ንነብሱ ናብ ሓደ ናይ ሰባት እኩብ ዘውርድን ስምዒት አብ ልዕሊ ምሃቡ ዕፃ ተመዛበልቲ ብመግለፂ መቀለን አዲስ አበበን ተንጠልጢሉ ክተርፍ ዝገብር ናብ ተግባር ክሽረፍ ነዊሕ ርህቀት ዝጠልብ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ዝጥለብ ብልሕን መሪሕነታዊ ጥበብን ዕፃ ወለዶታት ይውስን።  

ሰላም ንትግራይ

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ