ቲቢኤስ ቲቪ
ኣገልግሎት ፈነወ ትግራይ፡ ኣፈት (TBS TV) ካብ ሕሱም ቃንዛ ህዝብን (Agony) ልዑል ባህጊ ወለዶታትን (Aspiration) ተበጊሱ፥ ኣብ ትግራይ ልምዓት፣ ሰላም፣ ዲሞክራስን ፍትሕን ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ሰፊሕ ርብርብ፥ ሚድያ ውልቀ ክጻወቶ ዝግባኣ እቲ ዝለዓለ እጃም ንምጽዋት ብ ሰለስተ ሰብ ሞያን ክልተ ሰብ ሃፍትን ተመስሪቱ 21 ለካቲት 2016 ዓ/ም ናብ ኣየር ዝወጸ፥ ብፍቓድ ሕጊ ንግዲ ኢትዮጵያን ብፍቓድ ሕጊ ፈነወ በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያን ዝመሓደር 'ኢንፎታይመንት' ቻነል እዩ።
ብኤዲቶርያል ዝምራሕ፣ ሞያ ጋዜጠኝነት ብልክዕ መጠን ንምትግባር ዝተግህ ምስ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ኣብ መሰረታዊ ህዝባዊ ጉዳያት ሓቢሩ ክሰርሕ ዝደሊ ኣፈት፡ TBS TV ንብሄራዊ ረብሓ ትግራይን ኩሎም መሰላት ደቂ ሰብን ይሕለቕ።
ኣድራሻ
ዋና ቤት ፅሕፈት፡ ትግራይ፡ መቐለ፡ ክፍለ ከተማ ቀዳማየይ ወየነ
ስልኪ፡ +251 95 302 3080