ህወሓት ኣብ ዝተቓወመቶ ካቢኔ
ሽመት ፕረዚደነት ታደሰ ኣይንቕበሎን ዝበሉ ላዕለዎት አመራርሓ ውድብ ህወሓት ኣብ ዝተቓወምዎ ካቢኔ ምስታፎም ኣዘራራቢ ኮይኑ።
መፀዋዕታ መድሕን ሞት
ኣብ ሳዑዲ 200 ኢትዮጵያውያን ናይ ሞት ፍርዲ ከምዝተፈረደሎም ተገሊፁ።
መፀዋዕታ መድሕን ሞት
ሞት ዝፅበዮም ዘሎ ኢትዮጵያውያን ንክድሕኑ ሰፊሕ ዲፕሎማሲያዊ ርብርብ ከምዝጠልብ ሓይሽ ስባጋዲስ ገሊፁ።
ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉ ተጠርጠርቲ
ንረብሓ መስኖ እትውዕል ዝነበረት ዓባይ ጀነሬተር ሰሪቖም ከምልጡ ዝፈተኑ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም።
ዝቐፀለ ፅንታ ምዕራብ
ሂዩማን ራይትስ ዎች ዘውፅኦ ፀብፃብ ብውድብ ህወሓት ዝተዋሃበ ሓበሬታ እዩ ክብል መራሒ ዘይሕጋዊ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ደመቀ ዘውዱ ገሊፁ።
ሓድሽ ሕጊ ሰራሕተኛታት
ን5 ተኸታተልቲ መዓልታት ኣብ ስራሕ ዘይርከቡ ሰራሕተኛታት
ብዘይ መጠንቀቕታ ክባረሩ ዘኽእል ትርጉም ሕጊ ወፂኡ።
ሞት ፍርዲ ወታደራት
ሓይሊ ቅልጡፍ ምላሽ ሱዳን ካብ ሰራዊቱ ዝከሓዱ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሞት ፍርዲ ፈሪዲሎም።
ዝተናወሐ ደው ምባል ተኹሲ
ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል እስራኤልን ሊባኖስን ንተወሳኺ ሰለስተ ሰሙን ከምዝተናወሐ ተሓቢሩ።
ልዝብ ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ
ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ ብዘይ ክኢላታት ኒዩክለር ዝገበር ስምምዕ ሓደገኛ’ዩ ክብል ሕብረት ኤውሮጳ ገሊፁ።
ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ
ህልኽን ወጥርን ፖለቲካ ትግራይ ንክዕርይ ሳልሳይ መንገዲ ምኽታል የድሊ።
#tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ