TBS TV

🔴TBS TV| ምልክታት ኣያ ዝሰኣነ ህዝቢ | መንግስትነት ዝረሓቓ ትግራይ | ዓቕምን ጉልበትን ኣብያተ ምኽሪ| ዜናታት 05 ሚያዝያ 2018#TigrayNews

ሓደጋ ባርዕ
መባእታዊ ሆስፒታል ከተማ ዳውሃን ሓደጋ ባርዕ ከምዘጋጠሞ ተሓቢሩ።

መንግስትነት ዝረሓቓ ትግራይ
ትግራይ ካብ ፀገማ ዝፈትሕ መንግስትነት ንላዕሊ ዝሽየም ውቅለ ሰብ ከተሓሳስባ ዝግባእ ኣይነበረን።

ምምላስ ሕቶ ትግራይ
ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ክምለስ ዝኽእል እቲ ዓውዲ ካብ ብሽሽቕ ፖለቲካ ወጺኡ ናብ ምዕሩይ ፖለቲካዊ ተረኽ እንትምለስ እዩ ተባሂሉ።

ዓቕምን ጉልበትን ኣብያተ ምኽሪ
ዝነበረ መንግስትና ይመለሰልና ዝብል እምቢታ ኣብያተ ምኽሪ ቅንዕና እንተሃልይዎ ተስፋ ዝህብ ምንቅስቓስ እዩ።

መዋፅኦ ትግራይ
ፀገም ትግራይ ዝፍታሕ ተጋሩ እንትእከቡን ትግራይ እንተቐድሙን እዩ ተባሂሉ።

ሓዱሽ ሕጊ ማሕበራዊ ሚዲያ ሃገረ-ጋቦንን
ጋቦን ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ማሕበራዊ መራኸቢታት ከይጥቀሙ ዝእግድ ሕጊ ኣፅዲቓ።

ቅዋም ኢንግሊዝ ኣብ ኢራን
ዝኾነ ዓይነት ፀቕጢ እንተሃለወ እኳ ኢንግሊዝ ናብ ኲናት ኢራን ክትኣቱ ዝሕሰብ ኣይኮነን ኢላ።

ቅልውላው ዋጋ ነዳዲ
ኣሜሪካ፡ ወደባት ኢራን ንምዕፃው ዘርኣየቶ ድልውነት ስዒቡ ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ወሰኽ ከምዘርኣየ ተሓቢሩ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ
ፖለቲካ ትግራይ ብዘላቕነትን ብዘይ ኪሳራን ንምዕራይ ሳልሳይ መንገዲ ምኽታል የድሊ።

#tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *