TBS TV

🔴TBS TV| ንፖለቲከኛተት ትግራይ እንመኽሮም | ፉሲካን ምቁራፅ ኲናትን | ሰልፊ ኣብ ቬንዝዌላ | ዜናታት 02 ሚያዝያ 2018

በዓል ዓርቢ ስቕለት
በዓል ዓርቢ ስቕለት ሃይማኖታዊ ትሕዝትኡ ሓልዩ ብድምቐት ክኸብር ዊዒሉ።

ሹመት በየናዊ ውሳነ
ሽመት ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ በየናዊ ውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ ክብል ውድብ ህወሓት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ፉሲካን ምቁራፅ ኲናትን
ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬንን ንበዓል ፋሲካ ዝፀንሕ ናይ 32 ሰዓታት ምቁራፅ ተኲሲ ስምምዕ ከም ዝተገብረ ተገሊፁ።

ሰልፊ ኣብ ቬንዝዌላ
ኣብ ርእሰ ከተማ ቬንዙዌላ ካራካስ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰራሕተኛታትን ጥሮታተኛታትን ወሰኽ መሃያን ጥሮታን ብምሕታት ዘካየድዎ ሰልፊ ብፖላዊስ ተዓጊቱ።

ኲናትን ሲቪላትን
እስራኤል ኣብ ቤሩት ንዝርከባ ሆስፒታላት ሕሙማነን ንከውፅኣ ዝሃበቶ ትእዛዝ ደው ክተብሎ ፀዊዑ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ
ህልኽን ወጥርን ፖለቲካ ትግራይ ንክዕርይ ሳልሳይ መንገዲ ምኽታል የድሊ።

#tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *