TBS TV

🔴TBS TV| ትግራይ ድሕሪ ታደሰ | “ትግራይ ኣይትፀንሐኩምን”| መድረኽ ምኽክር ኣብ ኣዲስ ኣበባ|ዜናታት 18 መጋቢት 2018

መልእኽቲ ቲቢኤስ

ሰላም ትግራይ ይኹን ኢትዮጵያ ዝረጋገፅ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ምፍፃም እንትከኣል እዩ።

መድረኽ ምኽክር ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ሃገራዊ ኮምሽን ዘተ ኢትዮጵያ ኣጀንዳ ትግራይ ንምእካብ ዘኽእል መድረኽ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ትግራይ ድሕሪ ታደሰ

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናይ ስልጣን ግዜኡ ምግብዳዱ ምምሕዳር ዘመዓራሪ ሓዱሽ ካውንስል ክምስረት እዩ ተባሂሉ።

“ትግራይ ኣይትፀንሐኩምን”

ህዝቢ ትግራይ ብምኽንያት ስሱዕ ናይ ስልጣን ባህጊ መራሕቱ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ::

ፈተናተት ፖል ካጋሜ

ፕረዚደንት ሩዋንዳ፡ መንግስቱ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ትካላት ዝገብሮ ዘሎ ጭፍጨፋ፡ መጥቃዕቲ ሃይማኖት ኣይኮነን ክብል ገሊፁ::

ትእዛዝ ዶናልድ ትራምፕ

ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳድን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ኢራን ዝፍፀም ዘሎ መጥቃዕቲ ን10 መዓልታት ደው ንክብል ኣዚዙ::

ኢራንን ሆርሙዝን

ኢራን መራኽብ ብመፃብቦ ሆርሙዝ ብውሑስ መንገዲ ንኽሓልፋ “ክፍሊት ምሕታታ” ተገሊፁ::

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ መጋቢት
ናህሪ ኩናት ንምክልኻልን ባይታ ሰላም ንምስፋሕን ኣብ ኣገዳስነት መጠሻ ሓዱሽ መንግስትነት ትግራይ ምስራሕ የድሊ።

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *