TBS TV

🔴TBS TV| መረረት ነበርቲ፡ ስቕታ መራሕቲ | ኢትዮጵያውያን ኣብ እስራኤል | “መዳበርያ ተኸልኪልና” | ዜናታት 12 መጋቢት 2018

#tbstv
ኣንደበት ፕረዚደነት

ትግራይ ናብ ናይ ቕድሚ ኲናት ዝነበረ ቑመነኣ ክትምለስ ተጋሩ ክንሓበር ይግባእ ።

መረረት ሰብ ጥሮታ

ብሕፅረት ገንዘብ ኣብ ከቢድ መነባብሮ ወዲቕና ኣለና ክብሉ ኣመራርሓ ማሕበር ሰራሕተኛት ጥሮታ ከተማ መቐለ ገሊፆም።

“ሰማዒ ስኢንና “

ንህዝቡ ዘገልገለን ሐዚ ጥሮታ ዝወፀን ኣካል ሰብኣዊ መሰሉ ንክሕሎ ግ/ም/ትን መንግስቲ ፌዴራልን ብትኹረት ክሰርሑ ይግባእ።

“መዳበርያ ተኸልኪልና”

በሰንኪ ክልከላ መዳበርያ ሕርሻና ክነልምዕን መነባብሮና ክነደንፍዕእን ኣይከኣልናን።

ኢትዮጵያውያን ኣብ እስራኤል

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ሓተቲ ዑቕባ ምእሳር ከምዝጀመረት ተገሊፁ።

ልዝብ ሱዳን

ኣብ ሱዳን ዘለው ክልተ ሓይልታት ናብ ዘተ ንክመፁ ዝሕግዝ ቅድመ ኩነት ብጀነራል ኣልቡርሃን ቀሪቡ።

ወጥሪ ፖለቲካ ሶማልያ

ብስንኪ ቅልውላው ፖለቲካ ሶማልያ ሚኒሰተራት እታ ዓዲ ብፍቓዶም ካብ ስልጣኖም ይለቁ ኣለዉ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ መጋቢት
ናህሪ ኩናት ንምክልኻልን ባይታ ሰላም ንምስፋሕን ኣብ ኣገዳስነት መጠሻ ሓዱሽ መንግስትነት ትግራይ ምስራሕ የድሊ።

#tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *