TBS TV

🔴TBS TV| ትግራይ ኣብ ስሩዕ ዕፅዋ | ጥርዓን ሰራሕተኛታት ቴሌቭዥን ትግራይ | መጠንቐ‍ቕታ ዶናልድ ትራምፕ | ዜናታት 05 መጋቢት 2018

መልእኽቲ ቲቢኤስ

ፀገም ትግራይ ዝብዳህ ብብሄራዊ ስምምዕነት ኣቢልካ ብዝውለድ መንግስትነት እዩ።

ጥርዓን ሰብ ሞያ ጥዕና

ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ንኣዋርሕ ዝተሰረሐሉ ትርፍ ሰዓት ክፍሊት ከይተፈፀመ ሐዚ ድማ ተወሳኺ ናይ ወርሒ ለካቲት መሃያ ደው ምባሉ ኣብ ፀገም ንርከብ
ኢሎም።

ሕፅረት ናውቲ ሕክምና

ዝሓመመ ወገን ግቡእ ግልጋሎት ሕክምና ረኺቡ
ክድሕን እናተገበአ ብሰንኪ ሕፅረት ኣፋውስን ሕፅረት ነዳዲን ህይወቱ ይጠፍእ ኣሎ ተባሂሉ።

ዘይምዕሩይ መሪሕነት

ብሰንኪ ዘይምዕሩዕይ መሪሕነትን ተደራራቢ ፀገማትን ሰብ ሞያ ጥዕና ዓዶም ገዲፎም ክኸዱ ምኽንያት ይኸውን ኣሎ::

ጥርዓን ሰራሕተኛታት ቴሌቭዥን ትግራይ

ቤት ዕዮና መሃያ ኣብ እዋኑ ክኸፍለና ብዘይምኽኣሉ ስራሕ ደው ክነብል ንግደድ ኣለና ኢሎም።

ምፍሻል ባሊስቲክ ሚሳይል

ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ስዑዲ ዓረብ ዝተተኮሳ 18 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ሓደ ባሊስቲክ ሚሳይልን ከምዘፍሸለ ተገሊፁ::

መጠንቐ‍ቕታ ዶናልድ ትራምፕ

ኢራን ኣብ መፃብቦ ሆርሙዝ ንዝርከባ መራኽብ መጥቃዕቲ እንተዘይኣቋሪፃ ንመሰረተ ልምዓት ነዳዲ ማእከል ደሴት ካርግ ክወቅዕ ምዃኑ ኣጠንቒቑ ::

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ መጋቢት

ናህሪ ኩናት ንምክልኻልን ባይታ ሰላም ንምስፋሕን ኣብ ኣገዳስነት መጠሻ ሓዱሽ መንግስትነት ትግራይ ምስራሕ የድሊ።

#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *