TBS TV

🔴TBS TV| ኣብ ኢድ ሰብ እትጠፍእ ብሄር | ክሲ ጌታቸው ረዳ ንፕረዚደንት ታደሰ | ልጓም ኲናት ትግራይ | ዜናታት 03 ለካቲት 2018

ዜናታት እዚ ዕለት

መልእኽቲ ቲቢኤስ

ፀገም ትግራይ ኣብ ትግራይን ብደቂ ትግራይን ንምፍታሕ ኩሉ ከካብ ዝኸዶ ጽንፊ መልሲ ክገብር ኣለዎ።

ልጓም ኲናት ትግራይ

ኣብ ትግራይን ኣብ ልዕሊ ትግራይን ዘንፀላሉ ዘሎ ፀጥታዊ ኩነታት ልጓም ክግበሩ ይግባእ ተባሂሉ

ሓላፍነቶም ዘይዋፅኡ ኣህጉራውያን ትካላት

ኣጀንዳ ፖን ኣፍሪካ ኢኒስትቲዩት: ሕብረት ኣፍሪካን ባይቶ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካን ትካላዊ ቁመናኦም ከመዓራርዩ ኣተሓሳሲቡ።

ግደ ዘተን ልዝብን
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵየ ክህልዉ ዝኽእሉ ፀጥታዊ ፀገማት ብኣጋ እንተዘይተአሪሞም እቲ ዞባ ናብ ሓደገኛ ፀገም ክኣቱ እዩ።

ምጥንኻር መደባት ጥዕና

ኣብ ወረዳ ሓውዜን ዝተጀመሩ ዘተባብዑ ስራሕቲ መደባት ጥዕና ፣ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ ።

ክሲ ጌታቸው ረዳ ንፕረዚደንት ታደሰ

ጌታቸው ረዳ ኣብ ትግራይ ኣብ መሪሕነት ንዘለዉ ናይ ቀደም ብፆቱን መሳርሑቱን ብውድቀት ፖለቲካ ትግራይ ኸሲሱ::

ዓለም ኣብ ዘይትሰምዐካ ኣይትዋጋእ

ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ይኹን ሃገራት ክህሉ ዝኽእል ጎንጺ ዓለም ክትሰምዖ ኣብ እትኽእለሉ መድረኽ ክኸውን ኣለዎ።

ትኹረት ቲቢኤስ ኣብ ወርሒ ለካቲት
ስግኣት ኩናት ኣብ ምንካይ፡ ዓቕሚ ብሄር ኣደልዲልካ ባላ ሰላም ኣብ ምድልደል ድፍኢት ክግበር ይግባእ::
#tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *