🔴ዜናታት እዚ ዕለት
ቃና ዘገሊላ
12 ጥሪ ቃና ዘገሊላ ዝኽበረሉን ቅድስ ሚካኤል ታቦት ናብ መንበሩ ክብሩ ዝምለሰሉን ዕለት እዩ።
ቴሌቶን ንጉዳኣት ሓርበኛታት መሐከሚ
13 ጥሪ 2018 ዓ.ም ዕላዊ እቶት መተኣኻኸቢ መድረኽ ክካየድ እዩ ።
ሓበራዊ ሓላፍነት
ጉዳኣት ሓርበኛታት ንምሕካምን ተመዛበልቲ ወገናት ንምምላስን ኩሉ ትግራዋይ ዝከኣሎ ክገበር ይግባእ።
“ለማዳ እንስሳ”
ብ/ጀነራል ብርሃነ ነጋሽ ኣብ ትግራይ ዘለው ተቛወምቲ ውድባት ዕላማ ኣይብለንን ክብል ገሊፁ።
ኢሳያስውነት ኣብ ትግራይ
ኣቦ ወንበር ውድብ ናፅነት ትግራይ ደጀን መዝገቦ ፣ጀነራል ወዲ መዲህን ዝተዛረቦ ናይ ኢሳያስ ሓሳብ ልብል ተደሚፁ።
ህዳሰ ግድብን ግብፅን
ግብፂ ኣብ ጉዳይ ህዳሴ ዘለዎ ቅዋም ኣቐፂላን ካሕሳን ትጥልብ ኣላ።
ሶማልያን ኳታርን
ክልቲአን ሃገራት ወተዳራዊ ስምምዕነተን ንምጥንኻር ዝዓለመ ስምምዕነት ኣካይደን።
ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኣውሮፖ
ቻይና ኣብ ኣውሮፖ እቲ ዝዓበየ ኤምባሲ ንምህናፅ ዝዓለመቶ ከይዲ ኢንግሊዝ ክተፅድቐላ ከምዝከኣለት ተሓቢሩ።
እዱብ ኣንደበት
ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ ወርሒ ጥሪ ዘይእዱብ ኣንደበታት ንትግራይ ዋጋ ከየኽፍሉ ጥንቃቀ ይጠልብ::#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ