🔴 ዜናታት እዚ ዕለት
ዝቐፀለ ስቓይ ተመዛበልቲ
ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ብዘይምምላስ ዘጋጥም ዘሎ ስቓይ ተሓታትነት ሰብኣዊ መሰል ዘስዕብ እዩ።
ቃል መንደራት መቐለ
ካብ ጽንታዊ ኲናት ዝተረፈ መንእሰይ ኣብ ዓዱ ብሰላምን ድሕንነትን ክነብር ይግባእ::
ጠመተ ንከየንቲ ትግራይ
ትግራይ ሰኣን ጠመተ መንግስታዊ ኣካል ተተካእቲ ጥበባውያን ናብ ዘይተፍርየሉ ብርኪ ትኸይድ ኣላ
ወጥሪ ኢትዮ ኤርትራ
ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ከምፅኦ ንዝኽእል ጣጣ እቶም መራሕቲ ሓላፍነት ክወስዱ ኣለዎም ተባሂሉ።
ሽምግልና ትራምፕ ኣብ ኣባይ
ትራምፕ ኣብ መንጎ ግብፅን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ማያት ሩባ ኣባይ ንዘሎ ምስሕሓብ ክሽምግል ድልየት ከምዘለዎ ሓቢሩ ::
ሞት ኢራናውያን
ብሰንኪ ተቓውሞታት ኢራን ቁፅሪ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 3 ሽሕ ከምዝበፀሐ ተገሊፁ
ታሪኽ ኣብ’ዚ ዕለት
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ከምዚ ዕለት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተጋሩ ነበርቲ ዓዲ ጎሹ ብሓይልታት ምልሻታት ኣምሓራን ፋኖን ብግፍዒ ተቐቲሎም።
እዱብ ኣንደበት
ቀንዲ ትኹረት ቲቢኤስ ወርሒ ጥሪ ዘይእዱብ ኣንደበታት ንትግራይ ዋጋ ከየኽፍሉ ጥንቃቀ ይጠልብ::
#tbstv #tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ